ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 31:1-30

ትሕዝቶ

  • ሙሴ ኣብ ኣጋ ሞቱ (1-8)

  • እቲ ሕጊ ንህዝቢ ዚንበበሉ እዋናት (9-13)

  • እያሱ ተሸመ (14, 15)

  • እስራኤል ዓላዊ ኸም ዚኸውን ተነግረ (16-30)

    • እስራኤል ዚምሃሮ መዝሙር (19, 22, 30)

31  ሙሴ ድማ ከይዱ እዚ ቓላት እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛረበ፡  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ኣነ ሎሚ ወዲ 120 ዓመት እየ።+ የሆዋ፡ ‘ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኣይክትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ እሞ፡+ ደጊም ክመርሓካ* ኣይክእልን እየ።  ቀቅድሜኻ ዚሳገር የሆዋ ኣምላኽካ እዩ፣ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዜጥፍኦም እውን ንሱ እዩ፣ ንስኻ ድማ ክትሰጕጎም ኢኻ።+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ መሪሑ ዜሳግረካ እያሱ እዩ።+  የሆዋ ኸኣ ከምቲ ነቶም ነገስታት ኣሞራውያን ዝነበሩ ሲሆንን+ ዖግን+ ንምድሮምን ኬጥፍእ ከሎ ዝገበረ፡ ንዓታቶም እውን ከምኡ ኺገብሮም እዩ።+  የሆዋ ኺስዕረልኩም እዩ፣ ንስኻትኩም ድማ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ትእዛዝ ግበርዎም።+  ትብዑን በርትዑን።+ ምሳኻ ዚኸይድ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ወይ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትሸበር።+ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኪሓድገካን እውን እዩ።”+  ሙሴ ድማ ንእያሱ ጸዊዑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣዒንቲ እስራኤል ከምዚ በሎ፦ “ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ የሆዋ ንኣቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ እተእትዎም ንስኻ ኢኻ፡ ርስቲ ጌርካ እትህቦም እውን ንስኻ ኢኻ እሞ፡+ ትባዕን በርትዕን።+  እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ዘሎ የሆዋ እዩ፡ ምሳኻ እውን ኪኸውን እዩ።+ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኪሓድገካን እውን እዩ። ኣይትፍራህ፡ ወይ ኣይትሸበር።”+  ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ሕጊ እዚ ጽሒፉ፡+ ነቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዚጾሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም። 10  ሙሴ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ዓመት ሕድገት፡+ ኣብ በዓል ዳስ፡+ 11  ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኺርአ ምስ መጸ፡+ ኵሉ እስራኤል ኪሰምዖስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣንብቦ።+ 12  ምእንቲ ኺሰምዑን ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምፍራህ ምእንቲ ኺምሃሩን ኵሉ ቃላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኺገብሩን፡ ነቶም ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን* ኣብ ከተማታትካ* ዘሎ ጓናን ኣክቦም።+ 13  እቶም እዚ ሕጊ እዚ ዘይፈልጡ ደቆም ከኣ ኪሰምዑ፡+ ኣብታ ኽትርስተይዋ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትኣትውዋ ዘለኹም ምድሪ ብህይወት ኣብ እትነብሩለን ኵለን መዓልትታት ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምፍራህ ኪምሃሩ እዮም።”+ 14  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “እንሃ፡ እታ እትሞተላ ግዜ ቐሪባ።+ ንእያሱ ጸውዓዮ፡ ኣነ ምእንቲ ኽምዝዞ ኸኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኸቡ”*+ በሎ። ሙሴን እያሱን ድማ ከይዶም፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኽቡ። 15  የሆዋ ኸኣ ኣብቲ ድንኳን ብዓንዲ ደበና ተራእየ፣ እቲ ዓንዲ ደበና ድማ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ቈመ።+ 16  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ክትመውት* ኢኻ፣ እዞም ህዝቢ እዚኦም ድማ፡ ምስቶም ኣብታ ዚኸድዋ ምድሪ ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምንዝሩ እዮም።+ ኪሓድጉንን+ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኬፍርሱን እዮም።+ 17  ሽዑ፡ ቍጥዓይ ኣባታቶም ኪነድድ እዩ፣+ ኣነ ድማ ክሳዕ ዚብልዑ፡ ክሓድጎምን+ ገጸይ ክሓብኣሎምን እየ።+ ብዙሕ መዓትን ጭንቅን ምስ ወረዶም፡+ ‘እዚ መዓት እዚ ዚወርደና ዘሎስ፡ ኣምላኽና ኣብ ማእከልና ስለ ዘየሎ ደይኰነን፧’ ኪብሉ እዮም።+ 18  ኣነ ግና ብሰሪ እቲ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላሶም ዝገበርዎ ዅሉ እከይ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገጸይ ክሓብእ እየ።+ 19  “ሕጂ ኸኣ እዚ መዝሙር እዚ ንዓኻትኩም ጽሓፉ፡+ ንእስራኤላውያን ከኣ ምሃሮም።+ እዚ መዝሙር እዚ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ምስክር ምእንቲ ኪዀነኒ፡ ይመሃርዎ።*+ 20  ናብታ ንኣቦታቶም ዝመሓልኩሎም+ ጸባን መዓርን እተውሕዝ+ ምድሪ ምስ ኣእቶኽዎም እሞ፡ በሊዖም ምስ ጸገቡን ምስ በልጸጉን፡*+ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኺምለሱን ኬገልግልዎምን ንዓይ ኪንዕቁንን ኪዳነይ ኬፍርሱን እዮም።+ 21  ናብታ ዝመሓልኩላ ምድሪ ገና ኸየእቶኽዎም እኳ ዘማዕበልዎ ዝንባለ ድሮ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡+ ብዙሕ መዓትን ጭንቅን ምስ ወረዶም፡+ እዚ መዝሙር እዚ ኻብ ኣፍ ዘርኦም ስለ ዘይርሳዕ፡ ንምስክር ኪዀኖም እዩ።” 22  ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዚ መዝሙር እዚ ጸሓፈ፡ ንእስራኤላውያን ከኣ መሃሮም። 23  ንሱ* እውን ንእያሱ ወዲ ነዌ መዘዞ፣+ “ንእስራኤላውያን ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ እተእትዎም ንስኻ ኢኻ እሞ፡+ ትባዕን በርትዕን፣+ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኸኣ በሎ። 24  ሙሴ ብምሉኡ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ምስ ወድአ፡+ 25  ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዚጾሩ ሌዋውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 26  “ነዛ መጽሓፍ ሕጊ እዚኣ ወሲድኩም፡+ ኣብ ጐድኒ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኣምላኽኩም ኣንብርዋ፣+ ኣብኡ ኸኣ ንምስክር ትኹንካ። 27  ኣነስ ዕልወትካን+ ትርኻን*+ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ኣነ ገና ብህይወት ምሳኻትኩም ከለኹ እኳ ኻብ የሆዋ ኻብ ዓሎኹምሲ፡ ድሕሪ ሞተይ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሕኩም ከምኡ ዘይትገብሩ! 28  ኵሎም ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፣ እዚ ቓላት እዚ ድማ እናሰምዑ ኽዛረቦምን ሰማያትን ምድርን ንምስክር ክጽውዓሎምን እየ።+ 29  ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ከም እትበላሸዉን ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መገዲ ኸም እተላግሱንሲ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ክትገብሩን ብግብሪ ኣእዳውኩም ከተዀርይዎን ኢኹም እሞ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልትታት መዓት ብርግጽ ኪወርደኩም እዩ።”+ 30  ሙሴ ኸኣ ብዘሎ ጉባኤ እስራኤል እናሰምዐ፡ ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ነገሮም፦+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ክወጽእን ክኣቱን።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕጻናትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ወይ፡ “በቦታኹም ሓዙ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምስ ኣቦታትካ ኽትድቅስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣፎም ኣንብሮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሃጠሩን።”
ንኣምላኽ ዜምልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ተሪር ክሳድን።”