ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 30:1-20

ትሕዝቶ

  • ናብ የሆዋ ምምላስ (1-10)

  • ትእዛዛት የሆዋ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን (11-14)

  • ካብ ህይወትን ሞትን ሕረ (15-20)

30  “እዚ ዅሉ ቓላት እዚ፡ ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡+ ኣብቶም የሆዋ ኣምላኽካ ዝበተነካ ዅሎም ኣህዛብ ኴንካ+ ኸኣ ምስ ዘከርካዮ፡*+  ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ድማ፡ ንስኻን ደቅኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን*+ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ምስ ተመለስካን+ ድምጹ ምስ ሰማዕካን፡  ሽዑ የሆዋ ኣምላኽካ ምሩኻትካ ኺመልስ፡+ ኪምሕረካ፡+ ካብቶም የሆዋ ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ዅሎም ኣህዛብ ከኣ መሊሱ ኺእክበካ እዩ።+  ህዝብኻ ኽሳብ ወሰን ሰማያት እኳ እንተ ተበተኑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብኡ ኺእክበካን ኪመልሰካን እዩ።+  የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ ኣቦታትካ እተረስተይዋ ምድሪ ኼምጽኣካ፡ ንስኻ ድማ ክትርስተያ ኢኻ፣ ካብ ኣቦታትካ ብዝያዳ ኸኣ ጽቡቕ ኪገብረልካን ኬብዝሓካን እዩ።+  ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ከተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ኬንጽህ* እዩ።+  የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ፡ ነዚ ዅሉ መርገም እዚ ናብቶም ዝጸልኡኻን ዝሰጐጉኻን ጸላእትኻ ኼምጽኦ እዩ።+  “ሽዑ፡ ንስኻ ተመሊስካ ድምጺ የሆዋ ኽትሰምዕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ ኢኻ።  የሆዋ ኸምቲ ብኣቦታትካ ደስ ዝበሎ፡ መሊሱ ጽቡቕ ኪገብረልካ ደስ ኪብሎ እዩ እሞ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ ተግባር ኢድካን ፍረ ኸርስኻን ፍረ ማልካን ፍረ ምድርኻን ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ኪገብረልካ እዩ።+ 10  ሽዑስ፡ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትሰምዕ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ሕጊ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* እውን ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ።+ 11  “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዝሲ፡ ንዓኻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን፡ ክትበጽሖ ዘይትኽእል እውን ኣይኰነን።*+ 12  ‘ምእንቲ ኽንሰምዖን ክንሕልዎን፡ መን ናብ ሰማያት ኪድይበልናን ኬምጽኣልናን እዩ፧’+ ከይትብልሲ፡ ኣብ ሰማያት ኣይኰነን። 13  ‘ምእንቲ ኽንሰምዖን ክንሕልዎን፡ መን ናብ ስግር ባሕሪ ተሳጊሩ ኼምጽኣልና እዩ፧’ ከይትብል እውን፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። 14  እቲ ቓልሲ፡ ምእንቲ ኽትገብሮ፡+ ኣዝዩ ቐረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ።+ 15  “ርአ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ አንብር ኣለኹ።+ 16  ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምፍቃር፡+ ብመገድታቱ ብምምልላስ፡ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ፍርድታቱን ከኣ ብምሕላው፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካ፡ ብህይወት ክትነብርን+ ክትበዝሕን ኢኻ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣብታ ኽትርስተያ እትኸዳ ምድሪ ኺባርኸካ እዩ።+ 17  “ግናኸ፡ ልብኻ እንተ ተመሊሱ+ እሞ እንተ ዘይሰሚዕካ፡ እንተ ስሒትካ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ሰጊድካሎምን እንተ ኣገልጊልካዮምን፡+ 18  ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ።+ ኣብታ ኽትርስተይዋ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትኣትውዋ ምድሪ ዕድሜኹም ኣይኪነውሕን እዩ። 19  ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘለኹ፡+ ኣነ ሎሚ ሰማያትን ምድርን ንምስክር ጸዊዐ ኣለኹ። ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ ህይወት ሕረ፣+ 20  እዚ ኪኸውን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ድምጹ ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ።+ ንሱስ ህይወትካ እዩ፡ ብእኡ እውን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብር ኢኻ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ናብ ልብኻ ምስ መለስካዮ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኪገዝር።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ርሑቕ እውን ኣይኰነን።”