ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 3:1-29

ትሕዝቶ

  • ኣብ ልዕሊ ዖግ ንጉስ ባሳን እተረኽበ ዓወት (1-7)

  • ነታ ብምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ ምድሪ ተማቐልዋ (8-20)

  • ንእያሱ ኸይፈርህ ተነግሮ (21, 22)

  • ሙሴ ናብታ ምድሪ ኸም ዘይኣቱ ተሓበረ (23-29)

3  “ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብና። ዖግ ንጉስ ባሳን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድረይ ብውግእ ኪቀባበለና ወጸ።+  የሆዋ ኸኣ፡ ‘ንዕኡን ንዅሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ ኸኣ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ’ በለኒ።  የሆዋ ኣምላኽና ድማ ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሃበና፣ ካብ ህዝቡ ዋላ ሓደ ኽሳዕ ዘይተርፎ ኸኣ ወቓዕናዮ።  ንዅለን ከተማታቱ ድማ ሓዝናየን። 60 ኸተማ፡ ኵሉ ዞባ ኣርጎብ፡ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን ሓዝና፣ ኰታስ ካባታቶም ዘይወሰድናያ ኸተማ ኣይነበረትን።+  ኵለን እዘን ከተማታት እዚአን፡ ብነዊሕ መካበብያን መዓጹን ተገዳማትን እተዓርዳ ነበራ፣ ብዘይካአን ድማ ብዙሓት ናይ ገጠር ከተማታት ነበራ።  ግናኸ፡ ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን ዝገበርናዮ፡ ኣጥፋእናየን፣+ ኵለን ከተማታት፡ እንተላይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣጥፋእና።+  ኵለን ማልን ምርኮ እተን ከተማታትን ከኣ ንዓና ወሰድናዮ።  “በታ ግዜ እቲኣ፡ ንምድሪ እቶም ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ኣሞራውያን ነገስታት፡+ ካብ ስንጭሮ* ኣርኖን ክሳብ ከረን ሄርሞን ወሰድናያ።+  (ሲዶናውያን ነቲ ኸረን እቲ፡ ሲርዮን ይብልዎ ነበሩ፣ ኣሞራውያን ከኣ ሰኒር ይብልዎ ነበሩ።) 10  ኵለን ከተማታት ከበሳን ኵላ ጊልዓድን ኵላ ባሳንን ክሳብ ሳልካን ኤድረይን፡+ እተን ኣብ ባሳን ዘለዋ ኸተማታት መንግስቲ ዖግ ወሰድና። 11  ዖግ ንጉስ ባሳንሲ ኻብ ረፋይም በይኑ ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ* ዓራት ሓጺን* ነበረ፣ ኣብ ራባ ናይ ዓሞናውያን ድማ ኣሎ። ንውሓቱ ኸኣ ብስሩዕ እመት ትሽዓተ እመት፡* ግፍሑ ድማ ኣርባዕተ እመት እዩ። 12  በታ ግዜ እቲኣ፡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ተረስተናያ፣ ካብታ ኣብ ጥቓ ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር+ ኣትሒዝና ፍርቂ ኣኽራን ዞባ ጊልዓድን ነተን ከተማታተንን ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ሃብክዎም።+ 13  ዝተረፈ ጊልዓድን ኵላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ሃብክዎ።+ ኵሉ ናይ ባሳን ዘበለ ዞባ ኣርጎብ፡ ምድሪ ረፋይም ይብሃል ነበረ። 14  “ያኢር+ ወዲ ምናሴ ንዅሉ ዞባ ኣርጎብ+ ክሳብ ዶብ ጌሹራውያንን ማዓካታውያንን+ ወሰደ፣ ነተን ዓድታት ባሳን ከኣ ብስሙ፡ ክሳዕ ሎሚ ሓዎት-ያኢር*+ ኢሉ ሰምይወን ኣሎ። 15  ንማኪር ድማ ጊልዓድ ሃብክዎ።+ 16  ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ከኣ፡+ ካብ ጊልዓድ ክሳብ ስንጭሮ* ኣርኖን፡ ማእከል እቲ ስንጭሮ ኸም ዶብ ኰይኑ፡ ክሳብ እቲ ዶብ ዓሞናውያን ዝዀነ ስንጭሮ ያቦቅ ሃብክዎም፣ 17  ከምኡ ድማ ዓራባን ዮርዳኖስን ዶብን፡ ካብ ኪነረት ክሳብ ባሕሪ ዓራባ፡ ማለት ባሕሪ ጨው፡* ናብ ሸነኽ ምብራቕ ክሳብ እግሪ ቝልቍለት ጲስጋ ሃብክዎም።+ 18  “ሽዑ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ሃብኩኹም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስተይዋ ሂቡኩም ኣሎ። ኵሎም ሓያላትኩም ኣጽዋር ኣልዒሎም፡ ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ይሳገሩ።+ 19  ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ማልኩምን ጥራይ፡ (ብዙሓት ማል ከም ዘለዋኹም ድማ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፡) ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ፣ 20  የሆዋ ኸምቲ ንዓኻትኩም ዝገበረልኩም፡ ንኣሕዋትኩም ከኣ ክሳዕ ዜዕርፎም፡ ንሳቶም እውን ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ ጽንሑ። ድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስቱ ትምለሱ።’+ 21  “በታ ግዜ እቲኣ፡ ንእያሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ሃብክዎ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽኩም ነዞም ክልተ ነገስታት እዚኦም ዝገበሮም ብኣዒንትኻ ርኢኻ ኢኻ። ንዅለን እተን ናብአን እትሳገር ዘለኻ መንግስትታት እውን፡ የሆዋ ኸምኡ ኺገብር እዩ።+ 22  እቲ ዚዋግኣልኩም፡ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።’+ 23  “በታ ግዜ እቲኣ፡ ንየሆዋ ኸምዚ ኢለ ለመንክዎ፦ 24  ‘ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንጊልያኻ ዕቤትካን ሓያል ቅልጽምካን ከተርእየኒ ጀሚርካ ኣለኻ፣+ ኣብ ሰማያት ኰነ ኣብ ምድርስ፡ ከም ናትካ ዝበለ ሓያል ግብሪ ኺገብር ዚኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፧+ 25  ነታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ኣኽራንን ንሊባኖስን ክርእስ፡ በጃኻ ኣሕልፈኒ።’+ 26  የሆዋ ግና ብሰርኹም ገና ተቘጢዑኒ ነበረ እሞ፡+ ኣይሰምዓንን። የግዳስ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘ይኣኽለካ! ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ። 27  ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኣይክትሳገሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደዪብካ፡+ ናብ ምዕራብን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ኣቢልካ ብኣዒንትኻ ነታ ምድሪ ርኣያ።+ 28  ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ዚሳገርን+ ነታ እትርእያ ምድሪ ዜውርሶምን እያሱ+ እዩ እሞ፡ ንዕኡ መዝዞ፡ ኣተባብዓዮ፡ ኣበርትዓዮ እውን።’ 29  ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ስንጭሮ ተቐሚጥና ኸለና፡ እዚ ዅሉ ዀነ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ሳጹኑ።”
ወይ፡ “ኻብ ጸሊም እምኒ እተገብረ ሳጹን ሬሳ” ኪኸውን ይኽእል።
ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ርባ።”
ትርጉሙ፡ “ዓድታት ድንኳናት ያኢር።”
ወይ፡ “ርባ።”
ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።