ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 27:1-26

ትሕዝቶ

  • እቲ ሕጊ ኣብ ኣእማን ይጸሓፍ (1-10)

  • ኣብ ከረን ዔባልን ከረን ጌሪዚምን (11-14)

  • መርገም ተዘርዘረ (15-26)

27  ሙሴ ድማ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ሓልዉ።  በታ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ንምእታው ንዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ፡ ዓበይቲ ኣእማን ኣቝም እሞ፡ ብኖራ ለቕልቆ።+  ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ዘተስፈወካ፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምእንቲ ኽትኣቱ፡ ምስ ተሳገርካ፡ ኣብኡ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ጽሓፍ።+  ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፡ ነዚ ኣእማን እዚ ኣብ ከረን ዔባል+ ኣቝምዎ፡ ብኖራ ድማ ለቕልቕዎ።  ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብናውቲ ሓጺን ጌርካ ዘይተንከኻዮ መሰውኢ ኣእማን ስራሕ።+  ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ስርሓዮ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕርብ።  መስዋእቲ ሕብረት+ ሰዊእካ ድማ ኣብኡ ብላዕ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ተሓጐስ።+  ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ኣብቲ ኣእማን ብንጹር ጽሓፍ።”+  ሙሴን እቶም ሌዋውያን ካህናትን ከኣ ንዅሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፦ “ኦ እስራኤል፡ ስቕ ኢልካ ስማዕ። በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ህዝቢ የሆዋ ኣምላኽካ ዄንካ ኣለኻ።+ 10  ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስማዕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱን+ ስርዓታቱን ድማ ግበር።” 11  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ 12  “ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም እዞም ዚስዕቡ ነገዳት ነቲ ህዝቢ ንምብራኽ ኣብ ከረን ጌሪዚም+ ኪቘሙ እዮም፦ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን። 13  እዞም ዚስዕቡ ድማ ንምርጋም ኣብ ከረን ዔባል+ ኪቘሙ እዮም፦ ሮቤልን ጋድን ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን። 14  ሌዋውያን ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ንዅሉ ሰብ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ይበሉ፦+ 15  “‘የሆዋ ዚፍንፍኖ+ ብዕዮ ኣእዳው ኢደ ጥበበኛ* እተገብረ ጽሩብ ምስሊ+ ወይ ፍሱስ ምስሊ+ ዚገብርን ዚሓብኦን ሰብ ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’* ኢሉ ይመልስ።) 16  “‘ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 17  “‘ምልክት ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 18  “‘ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 19  “‘ንጓና፡ ወይ ንዘኽታም፡* ወይ ንመበለት+ ፍርዲ ዜቕንን+ ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 20  “‘ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ንኣቦኡ ኣሕሲርዎ እዩ+ እሞ፡* ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 21  “‘ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 22  “‘ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 23  “‘ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 24  “‘ንብጻዩ ተቓጽዩ ዚቐትል ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 25  “‘ንንጹህ ሰብ* ኪቐትል* ጉቦ ዚቕበል ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 26  “‘ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ንምግባር ዘይድግፍ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብዕንጨይትን ብብረትን ዚዓዪ።”
ወይ፡ “ይኹን!”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ወሰን ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ።”
ወይ፡ “ነፍሲ ንጹህ ደም።”
ወይ፡ “ወቒዑ ኪቐትል።”