ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 22:1-30

ትሕዝቶ

  • ንእንስሳ ብጻይካ ዚግበር ክንክን (1-4)

  • ክዳን ኣንጻር ጾታ ኣይትከደን (5)

  • ንእንስሳታት ለውሃሎም (6, 7)

  • ንናሕሲ መጋረዲ ግበረሉ (8)

  • ዘይግቡእ ምትሕንፋጽ (9-11)

  • ዝራር ክዳን (12)

  • ሕግታት ጾታዊ ጥሕሰት (13-30)

22  “ብዕራይ ሓውካ ወይ በጊዑ ጠፊኡ እንተ ርኢኻ፡ ናብ ሓውካ ምለሶ እምበር፡ ኰነ ኢልካ ዕሽሽ ኣይትበሎ።+  ሓውካ ኣብ ጥቓኻ ዚነብር እንተ ዘይኰይኑ፡ ወይ እንተ ዘይፈሊጥካዮ ግና፡ ነቲ እንስሳ ናብ ቤትካ ኣክቦ፡ ሓውካ ኽሳዕ ዚደልዮ ምሳኻ ይጽናሕ። ሽዑ፡ ምለሰሉ።+  ንሓውካ ዝጠፍኦ እሞ ዝረኸብካዮ ኣድጉን ክዳኑን ዝዀነ ነገርን ከምኡ ግበር። ዕሽሽ ኣይትበሎ።  “ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራዩ ኣብ መገዲ ወዲቑ እንተ ርኢኻ፡ ነቲ እንስሳ ኼተንስኦ ሓግዞ+ እምበር፡ ኰነ ኢልካ ዕሽሽ ኣይትበሎ።  “ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፣ ሰብኣይ እውን ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን። ከምኡ ዚገብር ዘበለስ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።  “ኣብ መገዲ፡ ኣብ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ፡ ጨቓዊት ወይ እንቋቝሖ ዘለዎ ሰፈር ዑፍ እንተ ኣጓኒፉካ፡ እታ ኣደ ኸኣ ነቶም ጨቓዊታ ወይ ነቲ እንቋቝሖ ሓቚፋ እንተላ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨቓዊታ ኣይትውሰዳ።+  ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካን ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብርንሲ፡ ነታ ኣደ ስደዳ፡ ነተን ጨቓዊታ ግና ንዓኻ ኽትወስደን ትኽእል ኢኻ።  “ሓድሽ ቤት እንተ ሃኒጽካ፡ ሰብ ካብኣ ኸይጸድፍ እሞ፡ ንቤትካ ዕዳ ደም ከየምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።+  “ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ፍረ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዀነ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንመቕደስ ኪኸውን እዩ። 10  “ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ።+ 11  “ካብ ጸምርን በፍታን ብሓደ እተገብረ ዓለባ ኣይትከደን።+ 12  “ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ እትኽደኖ ኽዳን ዝራር ግበር።+ 13  “ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ናብኣ ምስ ኣተወ ግና፡ እንተ ጸሊእዋ፡* 14  ‘ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሲደያ፡ ናብኣ ምስ ኣቶኹ ግና፡ መርትዖ ድንግልና ኣይረኸብኩላን’ ኢሉ ኸኣ ነውሪ ኸም ዝገበረት ከሲሱ ስማ እንተ ኣኽፊኡ፡ 15  ኣቦን ኣደን እታ ጓል መርትዖ ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም፡ ናብ ዓበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ የቕርብዎ። 16  ኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ኸምዚ ይበሎም፦ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ሂበዮ፣ ንሱ ግና ጸሊእዋስ፡* 17  “ጓልካ መርትዖ ድንግልና ኣይረኸብኩላን” ኢሉ ነውሪ ኸም ዝገበረት ይኸስሳ ኣሎ። መርትዖ ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ።’ ነቲ ኽዳን ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። 18  ዓበይቲ+ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ።*+ 19  ንድንግል እስራኤል ስማ ስለ ዘኽፍአ፡ 100 ሲቃል* ብሩር የኽፍልዎ፡ ንኣቦ እታ ጓል ድማ ይሃብዎ፣+ ንሳ ኸኣ ሰበይቱ ትኹን። ምሉእ ዕድሚኡ ኺፈትሓ ኣይፍቀደሉን እዩ። 20  “ግናኸ፡ እቲ ኽሲ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ እታ ጓል ድማ መርትዖ ድንግልና እንተ ዘይተረኺብዋ፡ 21  ነታ ጓል ናብ ኣፍ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ+ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት+ ከኣ፡ ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 22  “ሰብኣይ ምስ ብዓልቲ ኻልእ ሰብኣይ ዝዀነት ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኺቡ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ።+ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ። 23  “ድንግል ንሰብኣይ እንተ ተሓጽያ፡ ካልእ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቂሱ፡ 24  እታ ጓል ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘዋረደ፡+ ንኽልቲኦም ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። 25  “ግናኸ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኺብዋ እሞ፡ ሓይልዋ ምስኣ እንተ ደቂሱ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ በይኑ ይሙት፣ 26  ነታ ጓል ግና ገለ እኳ ኣይትግበራ። እታ ጓልሲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዚ ነገር እዚ፡ ከም ነገር እቲ ንብጻዩ ኣጥቂዑ ዚቐትሎ* ሰብ እዩ።+ 27  ከመይሲ፡ ኣብ መሮር እዩ ረኺብዋ፣ እታ ሕጽይቲ ጓል ከኣ ኣእውያስ፡ ዜናግፋ ኣይነበረን። 28  “ሓደ ሰብኣይ፡ ሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል ጓል እንተ ረኺቡ፡ ሒዝዋ ድማ ምስኣ እንተ ደቂሱ እሞ፡ እንተ ተረኺቦም፡+ 29  እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ንኣቦ እታ ጓል 50 ሲቃል ብሩር ይሃቦ፡ ንሳ ኸኣ ሰበይቱ ትኹን።+ ኣዋሪድዋ እዩ እሞ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ኺፈትሓ ኣይፍቀደሉን እዩ። 30  “ሰብ፡ ንኣቦኡ ኸየሕስሮስ፡*+ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዘይደልይዋ።”
ወይ፡ “ስለ ዘይደለያስ።”
ወይ፡ “ይገስጽዎ።”
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ዚቐትሎ፡ ማለት ነፍሲ ዚቐትል።”
ቃ.ቃ.፡ “ወሰን ክዳን ኣቦኡ ኸይቀልዕሲ።”