ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 21:1-23

ትሕዝቶ

  • ቀታሊ መን ምዃኑ ምስ ዘይፍለጥ (1-9)

  • ንምርኽቲ ምምርዓው (10-14)

  • መሰል በዅሪ (15-17)

  • ነቓጽ ወዲ (18-21)

  • ኣብ ጕንዲ እተሰቕለ ሰብ እተረግመ እዩ (22, 23)

21  “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ኣብ መሮር እተቐትለ ሰብ እንተ ተረኺቡ፡ መን ከም ዝቐተሎ ድማ እንተ ዘይተፈሊጡ፡  ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡+ ካብቲ ሬሳ ናብተን ኣብ ዙርያኡ ዘለዋ ኸተማታት ይለክዑ።  ሽዑ፡ ዓበይቲ እታ ናብቲ ሬሳ ዝቐረበት ከተማ፡ ካብ ከብቲ፡ ኣርዑት ዘይሰሓበትን ዘይዓየየትን ኣርሒ ይውሰዱ፣  እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኸኣ ነታ ኣርሒ ወሓዚ ማይ ናብ ዘለዎ ዘይተሓርሰን ዘይተዘርአን ስንጭሮ* የውርድዋ፣ ኣብቲ ስንጭሮ ድማ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ።+  “ሌዋውያን ካህናት ከኣ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኼገልግልዎን+ ብስም የሆዋ ኺባርኹን+ ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡ። መውቃዕቲ ዘለዎ ዅሉ ባእሲ ብኸመይ ከም ዚፍታሕ ድማ ይንገሩ።+  ናብቲ ሬሳ ዝቐረቡ ዅሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ስንጭሮ ኽሳዳ እተሰብረት ኣርሒ ይሕጸቡ፣+  ከምዚ ድማ ይበሉ፦ ‘ኣእዳውና ነዚ ደም እዚ ኣየፍሰሳኦን፡ ኣዒንትና እውን ኪፈስስ ከሎ ኣይረኣያን።  ኦ የሆዋ፡ ነቲ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል እዚ ኣይትሓዘሉ፡+ ኣብ መንጎ ህዝብኻ እስራኤል ድማ ዕዳ ደም ኣይትቝጸር።’+ እቲ ዕዳ ደም ከኣ ኣይተሓዘሎም።  በዚ ኸምዚ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ብምግባር፡ ዕዳ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ተርሕቕ። 10  “ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ እንተ ኼድካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ እንተ ሂቡካን እንተ ማሪኽካዮምን፡+ 11  ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት ከኣ መልክዐኛ ሰበይቲ እንተ ርኢኻ እሞ እንተ ስሒባትካ፡ ሰበይትኻ ኽትገብራ ድማ እንተ ደሊኻ፡ 12  ናብ ቤትካ ኣእትዋ። ርእሳ ትላጺ፡ ጽፍራ ኸኣ ትቝረጽ፡ 13  ነቲ ኽዳን ምርኮኣ ድማ ትቐንጥጥ፡ ኣብ ቤትካ እውን ትቀመጥ። ንኣቦኣን ንኣዲኣን ከኣ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም፣+ ድሕሪኡ ድማ ናብኣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ፣ ንስኻ ሰብኣያ ኹን፡ ንሳ ኸኣ ሰበይትኻ ትኹን። 14  ባህ እንተ ዘይኢላትካ ድማ፡ ናብ ዝደለየቶ* ስደዳ።+ ግናኸ፡ ኣዋሪድካያ ኢኻ እሞ፡ ብገንዘብ ኣይትሽጣ ወይ ኣይትጨክነላ። 15  “ሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣልየናኦ፡ ንሓንቲ ድማ ካብታ ሓንቲ ኣብሊጹ እንተ ኣፍቂርዋ፡* ክልቲአን ድማ ኣወዳት እንተ ወሊደናሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ዘይፍቕርቲ እንተ ዀይኑ፡+ 16  ርስቱ ንደቁ ኺህቦም ከሎ፡ ወዲ እታ ፍቕርቲ ኸም በዅሪ ገይሩ፡ ካብቲ በዅሪ ዝዀነ ወዲ እታ ዘይፍቕርቲ ኬቐድሞ የብሉን። 17  ነቲ ወዲ እታ ዘይፍቕርቲ፡ ካብ ኵሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጥ፣ ንሱስ መጀመርታ ስብእነቱ እዩ። ብዅርና ንዕኡ እዩ ዚግብኦ።+ 18  “ሓደ ሰብ ነቓጽን ዓላውን ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዘይእዘዝን ወዲ እንተ ኣልይዎ፡+ ኪእርምዎ ፈቲኖም ከኣ እንተ ዘይሰሚዕዎም፡+ 19  ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ፡ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማኡ የምጽእዎ፣ 20  ነቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ‘እዚ ወድና እዚ ነቓጽን ዓላውን እዩ፡ ኣይእዘዘናን እውን እዩ። ህሩፍን+ ሰኽራምን+ ከኣ እዩ’ ይበልዎም። 21  ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ፣ ኵሉ እስራኤል ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።+ 22  “ሰብ ሞት ዜፍርድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እሞ እንተ ተቐቲሉ፡+ ኣብ ጕንዲ ኸኣ እንተ ሰቒልካዮ፡+ 23  ሬሳኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ጕንዲ ኣይሕደር።+ እቲ እተሰቕለስ ብኣምላኽ እተረግመ እዩ፣+ ነታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ድማ፡ ኣይተርክሳ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ከም ነፍሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክልተ ኣንስቲ፡ ሓንቲ ፍቕርቲ፡ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እንተ ኣለዋኦ።”