ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 20:1-20

ትሕዝቶ

  • ሕግታት ውግእ (1-20)

    • ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ዚኸውን (5-9)

20  “ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ እንተ ኼድካ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ሰራዊትን ድማ እንተ ርኢኻ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም።+  ናብ ውግእ ክትከይድ ምስ ቀረብካ፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፣+  ከምዚ ድማ ይበሎም፦ ‘ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኣለኹም። ልብኹም ኣይጃጁ። ብኣታቶም ኣይትፍርሁ፡ ወይ ኣይትሸበሩ፡ ወይ ራዕራዕ ኣይትበሉ፣  የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ምስ ጸላእትኹም ኪዋግኣልኩምን ኬድሕነኩምን ምሳኻትኩም ይኸይድ ኣሎ።’+  “እቶም ኣሕሉቕ እውን ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ይዛረቡ፦ ‘ሓድሽ ቤት ዝሃነጸ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ናብ ቤቱ ይመለስ።  ወይኒ ዝተኸለ እሞ ዘይተጠቕመሉ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይጥቀመሉስ፡ ይኺድ፡ ናብ ቤቱ እውን ይመለስ።  ሰበይቲ እተሓጽየ እሞ ዘይተመርዓዋ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይምርዓዋስ፡ ይኺድ፡ ናብ ቤቱ እውን ይመለስ።’+  እቶም ኣሕሉቕ ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ፈራህን ጃጃውን መን ኣሎ፧+ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ እውን ምእንቲ ኸየምክኽሲ፡ ናብ ቤቱ ይመለስ’ እውን ይበልዎም።+  እቶም ኣሕሉቕ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ነቲ ህዝቢ ዚመርሑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ይሽሙ። 10  “ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ምስ ቀረብካ፡ ጻውዒት ሰላም ኣቕርበላ።+ 11  ሰላማዊ ምላሽ እንተ ሂባትካ እሞ ኣፍ ደገታታ እንተ ኸፊታትልካ፡ ኣብኣ እተረኽበ ዅሉ ህዝቢ ንዓኻ ብግዲ ኺሽቅልን ኪግዝኣካን እዩ።+ 12  ግናኸ፡ ምሳኻ ሰላም ምግባር እንተ ኣብያ፡ ኣብ ክንዳኡስ ምሳኻ እንተ ተዋጊኣ፡ ክበባ። 13  የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብርግጽ ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፣ ኣብኣ ንዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ከኣ ብሰይፊ ቕተል። 14  ኣንስትን ቈልዑን ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉን፡ ማለት ኵሉ ምርኮኣ ግና፡ ንዓኻ ዝመቶ፣+ እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ ምርኮ ጸላእትኻ ኸኣ ክትበልዕ ኢኻ።+ 15  “ነተን ካብ ከተማታት እዞም ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ኣህዛብ ዘይኰና ኻባኻ ኣዝየን ዝረሓቓ ዅለን ከተማታት ከምኡ ግበረን። 16  ኣብተን የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተማታት እዞም ህዝብታት እዚኦም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደግ።+ 17  ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን+ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም፣ 18  ከምቲ ንኣማልኽቶም ዚገብሩሎም ኵሉ ፍንፉን ተግባራት ምስዓብ ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምእንቲ ኸይትብድሉስ፡+ ከምኡ ግበር። 19  “ንሓንቲ ኸተማ ምእንቲ ኽትሕዛ ነዊሕ መዓልትታት ከቢብካ እንተ ተዋጊእካያ፡ ኣእዋማ ብፋስ ኣይተጥፍእ። ካብኡ ብላዕ እምበር፡ ኣይትቝረጾ።+ ንኦም መሮርሲ ኸም ንሰብ ጌርካዶ ኽትከብቦ ኢኻ፧ 20  ከም ዘይትብላዕ ዝፈለጥካያ ኦም ጥራይ ኣጥፍእ። ንዓኣ ቘሪጽካ፡ ነታ እትዋግኣካ ዘላ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ መኽበቢ ስርሓላ።

እግረ ጽሑፍ