ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 2:1-37

ትሕዝቶ

  • ኣብ በረኻ ዀለል ዝበሉሉ 38 ዓመት (1-23)

  • ኣብ ልዕሊ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን እተረኽበ ዓወት (24-37)

2  “ተመሊስና ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበለኒ፡ ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ናብ በረኻ ነቐልና፣+ ንኸረን ሰዒር ከኣ ብዙሕ መዓልትታት ዞርናዮ።  የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦  ‘ነዚ ኸረን እዚ ምዛር ይኣኽለኩም። ናብ ሰሜን ገጽኩም ተመለሱ።  ነቶም ህዝቢ እውን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ “ብዶብ እቶም ኣብ ሰዒር ዚቕመጡ+ ኣሕዋትኩም ደቂ ኤሳው+ ክትሓልፉ ኢኹም፣ ንሳቶም ከኣ ኪፈርሁኹም እዮም፣+ ንስኻትኩም ድማ ኣዚኹም ተጠንቀቑ።  ከረን ሰዒር ንኤሳው ርስቱ ገይረ ስለ ዝሃብክዎ፡ ካብታ ምድሮም መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ እሞ፡ ኣይትጻብእዎም።*+  ካባታቶም እትበልዕዎ እንጌራ ብገንዘብ ዓድጉ፡ ንእትሰትይዎ ማይ እውን ክፈሉ።+  ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እቲ ዝገበርካዮ ባሪኹካ ኣሎ። በዚ ዓብዪ በረኻ እዚ ምኻድካ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። እዘን 40 ዓመት እዚአን የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።”’+  ብጥቓ እቶም ኣብ ሰዒር ዚቕመጡ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ድማ፡ ካብ መገዲ ዓራባ፡ ካብ ኤላትን ካብ ዔጽዮን-ገበርን+ ተኣሊና ሓለፍና።+ “ተመሊስና ኸኣ ብመገዲ በረኻ ሞኣብ ተጕዓዝና።+  የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ ‘ዓር ንደቂ ሎጥ+ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፡ ካብ ምድሩ ርስቲ ገይረ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ምስ ሞኣብ ኣይትጻባእ ወይ ኣይትዋጋእ። 10  (ኣቐዲሙ ኤሚም+ ዚብሃል ዓብይን ብዙሕን ከም ዓናቂም ነዊሕ ዝቝመቱን ህዝቢ ኣብኡ ይነብር ነበረ። 11  ረፋይም+ እውን ከም ዓናቂም+ ይቝጸሩ ነበሩ፣ ሞኣባውያን ከኣ ኤሚም ይብልዎም ነበሩ። 12  ኣቐዲሞም ሖራውያን+ ኣብ ሰዒር ይቕመጡ ነበሩ፣ ደቂ ኤሳው ግና፡ ከምቲ እስራኤል ነታ የሆዋ ብርግጽ ዚህቦም ምድሪ ርስቶም ዚገብርዋ፡ ኣልቀቕዎም፡ ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ቦታኦም ድማ ተቐመጡ።)+ 13  ሕጂ ተንሲእኩም፡ ስንጭሮ* ዘሬድ ተሳገሩ።’ ስንጭሮ* ዘሬድ ከኣ ተሳገርና።+ 14  እቲ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣትሒዝና፡ ስንጭሮ* ዘሬድ ክሳዕ እንሳገር ዝኸድናሉ ግዜ፡ ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሎም፡ ብዘሎ ወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ክሳዕ ዚውዳእ፡ 38 ዓመት ኰነ።+ 15  ኢድ የሆዋ ድማ ክሳዕ ዚውድኡ፡ ካብ ማእከል እቲ ሰፈር ከተጥፍኦም ኣንጻሮም ነበረት።+ 16  “ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ መንጎ እቲ ህዝቢ ሞይቶም ምስ ተወድኡ፡+ 17  የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦ 18  ‘ሎሚ ብሃገር ሞኣብ፡ ማለት ብዓር ክትሓልፍ ኢኻ። 19  ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፡ ካብ ምድሪ ዓሞናውያን ገለ እኳ ርስቲ ገይረ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ናብ መንጽር ዓሞናውያን ምስ ቀረብካ፡ ኣይተጨንቆም ወይ ኣይተለዓዕሎም።+ 20  እዚኣ እውን ምድሪ ረፋይም ትቝጸር ነበረት።+ (ኣቐዲሞም ረፋይም ኣብኣ ይነብሩ ነበሩ፣ ዓሞናውያን ከኣ ዛምዙሚም ይብልዎም ነበሩ። 21  ከም ዓናቂም ድማ ዓብይን ብዙሕን ነዊሕ ዝቝመቱን ህዝቢ ነበሩ።+ የሆዋ ግና ካብ ቅድሚ ዓሞናውያን ኣጥፍኦም፣ ንሳቶም ከኣ ሰጐጕዎም፡ ኣብ ቦታኦም ድማ ተቐመጡ። 22  ኣብ ሰዒር ንዚቕመጡ ደቂ ኤሳው+ እውን ከምኡ ገበረሎም፣ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኦም ምስ ኣጥፍኦም፡+ ንሳቶም ኣልቀቕዎም፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብ ቦታኦም ተቐመጡ። 23  ነቶም ክሳብ ጋዛ+ ኣብ ሰፈራት ተቐሚጦም ዝነበሩ ዓዊም እውን፡ ካብ ካፍቶር* ዝወጹ ካፍቶሪም+ ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ቦታኦም ድማ ተቐመጡ።) 24  “‘ተንስኡ፡ ተጐዓዙ፡ ስንጭሮ* ኣርኖን ከኣ ተሳገሩ።+ ርአ፡ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን እቲ ኣሞራዊ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።+ ነታ ምድሪ ኸኣ ምርስታያ ጀምር፡ ምስኡ ድማ ተዋጋእ። 25  ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘለዉ ወረኻ ዝሰምዑ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኸም ዚርዕዱን ከም ዚፈርሁን ክገብር እየ። ብሰንክኻ ኺርበሹን* ኬንቀጥቅጡን እዮም።’+ 26  “ሽዑ፡ ካብ በረኻ ቀደሞት+ ናብ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ እዚ ዘረባ ሰላም ዝሓዙ ልኡኻት ለኣኽኩ፦+ 27  ‘ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ከየላገስኩ፡ ብመገዲ ጥራይ ክኸይድ እየ።+ 28  ዝሸጥካለይ እንጌራ ጥራይ እየ ዝበልዕ፡ ዝሸጥካለይ ማይ ጥራይ ድማ እየ ዝሰቲ። ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ፣ 29  ናብታ የሆዋ ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ንምእታው፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር ጥራይ ኣሕልፈኒ። ኣብ ሰዒር ዚቕመጡ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚቕመጡ ሞኣባውያንን፡ ከምኡ እዮም ገይሮምለይ።’ 30  ሲሆን ንጉስ ሔስቦን ግና፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኸምዚ ሕጂ ዀይንዎ ዘሎ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኺህበካ፡+ መንፈሱ ኼትርርን ልቡ ኼሐንግድን ስለ ዝፈቐደ፡+ ኬሕልፈና ኣይፈተወን። 31  “የሆዋ ድማ፡ ‘ርአ፡ ንሲሆንን ንምድሩን ድሮ ኣሕሊፈ ኽህበካ ጀሚረ ኣለኹ። ንምድሩ ምርስታያ ጀምር’ በለኒ።+ 32  ሲሆን ምስ ህዝቡ ኣብ ያሃጽ ብውግእ ኪቀባበለና ምስ ወጸ፡+ 33  የሆዋ ኣምላኽና ንዕኡ ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሃበና፡ ንሕና ኸኣ ንዕኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ሰዓርናዮም። 34  በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኵለን ከተማታቱ ሓዝና፣ ንዅለን ከተማታት፡ እንተላይ ንሰብኡትን ንኣንስትን ንቘልዑን ከኣ ኣጥፋእና። ሓደ እኳ ኣየትረፍናን።+ 35  ነተን ዝዘመትናየን ማል ጥራይ ምስቲ ኻብተን ዝሓዝናየን ከተማታት ዝማረኽናዮ ምርኮ ወሰድና። 36  ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር+ (እንተላይ ኣብ ስንጭሮ ዘላ ኸተማ)፡ ክሳብ ጊልዓድ፡ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነት ዋላ ሓንቲ ኸተማ ኣይነበረትን። የሆዋ ኣምላኽና ንዅለን ኣሕሊፉ ሃበና።+ 37  ግናኸ፡ ናብ ምድሪ ዓሞናውያን፡ ናብ ብዘሎ ገምገም ስንጭሮ* ያቦቅን+ ናብ ከተማታት ኣኽራንን፡ ወይ ናብቲ የሆዋ ኣምላኽና ዝኸልከለና ዘበለ ዅሉ ኣይቀረብካን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣይተለዓዕልዎም።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ማለት፡ ቅሬጥስ።
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ቕልውላው ኪሕዞምን።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ርባ።”