ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 17:1-20

ትሕዝቶ

  • መስዋእቲ ጕድለት ዘይብሉ ይኹን (1)

  • ኣተሓሕዛ ጕዳይ ክሕደት (2-7)

  • ኣጸጋሚ ጕዳይ ፍርዲ (8-13)

  • ንናይ መጻኢ ንጉስ እተዋህበ መምርሒ (14-20)

    • ንጉስ፡ ቅዳሕ እቲ ሕጊ ይጽሓፍ (18)

17  “ጕድለት ወይ ዝዀነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትሰውኣሉ።+  “ኣብ መንጎኻ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታትካ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ኪገብርን ኪዳኑ ኺጥሕስን እንተ ተረኺቡ፡+  ከይዱ ኸኣ ኣነ ንዘይኣዘዝክዎ+ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምሊኹ፡ ንዓታቶም ወይ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ እንተ ሰጊዱሎም፡  እዚ ምስ ተነግረካ ወይ ብዛዕባኡ ምስ ሰማዕካ፡ ነቲ ነገር ኣጸቢቕካ መርምሮ። እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡+  ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ኣፍ ደገታት ከተማ ኣውጽኣዮ፣ እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቀተል።+  እቲ ዚመውት ብምስክርነት* ክልተ መሰኻኽር ወይ ሰለስተ መሰኻኽር+ ይቀተል። ብምስክርነት ሓደ ምስክር ኣይቀተል።+  ንምቕታሉ፡ ቅድም ኢድ እቶም መሰኻኽር ኣብ ልዕሊኡ ትኹን፣ ድሕሪኡ፡ ኢድ ኵሉ ህዝቢ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+  “ኣብ ሓደ ኻብ ከተማታትካ ኽትፈርዶ ዜጸግመካ ነገር እንተ ተላዒሉ፡ እቲ ነገር ከኣ ብዛዕባ ምፍሳስ ደም፡+ ወይ ብዛዕባ ጥርዓን፡ ወይ ብዛዕባ መውቃዕቲ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ ባእሲ እንተ ዀይኑ፡ ተንሲእካ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ኺድ።+  ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልትታት እቲአን ዘሎ ፈራድን+ ኬድካ ሕተት፣ ንሳቶም ድማ ውሳነ ኺነግሩኻ እዮም።+ 10  ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ዝነገሩኻ ውሳነ ግበር። ከም ኵሉ እቲ ዝኣዘዙኻ ተጠንቂቕካ ግበር። 11  ከምቲ ዜርእዩኻ ሕግን ከምቲ ዚነግሩኻ ውሳነን ግበር።+ ካብቲ ዚነግሩኻ ውሳነ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 12  እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ንዜገልግል ካህን ወይ ንፈራዲ ብዘይምስማዕ ዚዳፈር ሰብ፡ ይሙት።+ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።+ 13  ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ፣ መሊሱ እውን ኣይኪዳፈርን እዩ።+ 14  “ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻን ምስ ተረስተኻያን ምስ ነበርካላን፡ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ክሸይም’ እንተ ኢልካ፡+ 15  ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርየልካ ንጉስ ብርግጽ ሽም።+ ካብ መንጎ ኣሕዋትካ ንጉስ ሽም። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ኣብ ልዕሌኻ ኸይትሸይም ተኸልኪልካ ኢኻ። 16  ግናኸ፡ ንዕኡ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፡+ ወይ ኣፍራስ ኬብዝሕ ኢሉ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ፣+ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ‘ደጊም በዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለሱ’ ኢሉኩም እዩ። 17  ልቡ ኸየላግስ ድማ፡+ ንዕኡ ኣንስቲ ኣየብዝሕ፣ ንዕኡ ድማ ብሩርን ወርቅን እምብዛ ኣየብዝሕ።+ 18  ኣብ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቲ ምስ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንዕኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ* ይጽሓፍ።+ 19  “ፍርሃት የሆዋ ኣምላኹ ምእንቲ ኺምሃር፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዝን እዚ ስርዓታት እዝን ከኣ ምእንቲ ኺገብር፡+ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልትታት ህይወቱ ድማ የንብቦ።+ 20  በዚ ኸምዚ፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ልዕል ኣይብልን፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላግስን፣ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ማእከል እስራኤል ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ነዊሕ ግዜ ይጸንሕ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብኣፍ።”
ወይ፡ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ።”