ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 16:1-22

ትሕዝቶ

  • ፋስጋ፣ በዓል ቅጫ (1-8)

  • በዓል ሰሙናት (9-12)

  • በዓል ዳስ (13-17)

  • ምሻም ፈራዶ (18-20)

  • ኬምልኽዎ ዘይግባእ ነገር (21, 22)

16  “የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ* ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡+ ወርሒ ኣቢብ ሓሉ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ድማ ፋስጋ ኣብዕል።+  ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ጤለ በጊዕካን ካብ ከብትኻን+ መስዋእቲ ፋስጋ ሰውእ።+  ምስኡ ብኹዕ ዘበለ ኣይትብላዕ፣+ ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡+ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ፡ እንጌራ ጸበባ፡ ብላዕ። ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ከምኡ ግበር።+  ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵላ ሃገርካ መባዅዕቲ ኣይረኸብ፡+ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንምሸታ እትስውኦ ስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።+  መስዋእቲ ፋስጋ ኣብ ዝዀነት ካብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታት ክትስውእ ኣይፍቀደልካን እዩ።  ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ደኣ፡ ኣብቲ ኻብ ግብጺ ዝወጻእካሉ ምዱብ ግዜ፡ ምሸት ጸሓይ ምስ ዓረበት፡+ መስዋእቲ ፋስጋ ሰውእ።  ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ+ ኣብሲልካ ብልዓዮ፣+ ንግሆ ኸኣ ናብ ድንኳናትካ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ።  ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍሉይ ኣኼባ ይኹን። ዕዮ ኣይትዕየ።+  “ሸውዓተ ሰሙን ቍጸር። ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረላ እዋን፡ ሸውዓተ ሰሙን ክትቈጽር ጀምር።+ 10  ሽዑ፡ ከም መጠን እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝባረኸካ ጌርካ፡+ ካብ ኢድካ ብእትህቦ መስዋእቲ ፍታው፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል።+ 11  ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ፡+ ንስኻ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ምስ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ምስ ዘለዉ ጓናን ዘኽታምን* መበለትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ተሓጐስ። 12  ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፣+ ነዚ ስርዓታት እዚ ድማ ሓልዎን ግበሮን። 13  “ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቝ ዘይትኻን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ+ ኣብዕል። 14  ንስኻ ኸኣ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ምስ ዘለዉ ሌዋውን ጓናን ዘኽታምን መበለትን ብበዓልካ ተሓጐስ።+ 15  የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ እቶትካን ኵሉ ተግባርካን ኪባርኸልካ፡+ ንስኻ ኸኣ ኣብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ኽትሕጐስ ጥራይ ኢኻ+ እሞ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ኣምላኽካ በዓል ኣብዕል።+ 16  “ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ፦ ኣብ በዓል ቅጫን+ በዓል ሰሙናትን+ በዓል ዳስን፣+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። 17  ነፍሲ ወከፍ ዜምጽኦ መባእ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበካ በረኸት ይኹን።+ 18  “ኣብ ኵለን እተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታት* ፈራዶን+ ኣሕሉቕን ሽም፣ ንሳቶም ከኣ ንህዝቢ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። 19  ፍትሒ ኣይተቕንን፡+ ኣይተዳሉ፡+ ወይ ጉቦ ኣይትቀበል፣ ጉቦስ ኣዒንቲ ጥበበኛታት የዕውር፡+ ዘረባ ጻድቃን ድማ የቕንን እዩ። 20  ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ነታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽትርስተያን፡ ፍትሒ፡ እወ፡ ፍትሒ ስዓብ።+ 21  “ጥቓ እቲ ንዓኻ እትሰርሖ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ዝዀነ ኦም ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኪኸውን ኣይትትከል። 22  “የሆዋ ኣምላኽካ ዚጸልኦ ሓወልቲ ኣምልኾ ኸኣ ንዓኻ ኣይተቑም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሉን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ውሽጢ ዅለን እተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኣፍ ደገታትካ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።