ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 14:1-29

ትሕዝቶ

  • ዘይግቡእ መግለጺ ሓዘን (1, 2)

  • ንጹህን ርኹስን ምግቢ (3-21)

  • ንየሆዋ ዚውሃብ ዕሽር (22-29)

14  “ንስኻትኩም ደቂ የሆዋ ኣምላኽኩም ኢኹም። ሰብነትኩም ኣይትብጥሑ፡+ ወይ ብዛዕባ ምዉት ግምባርኩም ላጺኹም ኣይተብርሑ።*+  ንስኻስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቕዱስ ህዝቢ ኢኻ፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ህዝቡ፡ ፍሉይ ጥሪቱ* ኽትከውን ሓርዩካ ኣሎ።+  “ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ።+  እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦+ ብዕራይ፡ በጊዕ፡ ጤል፡  እራብ፡ ሰስሓ፡ ሜዳቝ፡ ጤል በረኻ፡ ዓጋዜን፡ በጊዕ በረኻ፡ በጊዕ ከረን፣  ሸዀናኡ እተሰንጠቐን ኣብ ክልተ እተመቕለን መጕስዕ ዚመልስን ዘበለ ብልዑ።  ግናኸ፡ መጕስዕ ካብ ዚመልሱ ወይ ሸዀናኦም ካብ እተሰንጠቐ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፦ ገመልን ማንቲለን ጊሐን መጕስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸዀናአን ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳተን ንዓኻትኩም ርኹሳት እየን።+  ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ እተሰንጠቐ እዩ፡ መጕስዕ ግና ኣይትመልስን እያ። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋአን ኣይትብልዑ፡ ገምበን እውን ኣይትተንክዩ።  “ኣብ ማያት ካብ ዚነብር ኵሉ እዚ ብልዑ፦ ክንፍን ቅርፍትን ዘለዎም ዘበለ ብልዑ።+ 10  ክንፍን ቅርፍትን ዘይብሎም ዘበሉ ግና ኣይትብልዑ። ንዓኻትኩም ርኹሳት እዮም። 11  “ንጽህቲ ዘበለት ዑፍ ብልዑ። 12  ግናኸ፡ ዘይብልዑ እዚኣቶም እዮም፦ ንስሪ፡ ወሓጥ ዓሳ፡ ጸሊም ጉማ፡+ 13  ጉዛ፡ ሊሎ፡ ሽላ በብዓይነቱ፡ 14  ኳዅ በብዓይነቱ፡ 15  ሰገን፡ ጕንጓ፡ ሮብራ፡ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፡ 16  ንእሽቶ ጕንጓ፡ ነዊሕ ዝእዝኑ ጕንጓ፡ ደርሆ ማይ፡ 17  ሓሓት፡ ጉማ፡ ኮርሞራንት፡ 18  ራዛ፡ ሰብ ጸራድ በብዓይነቱ፡ ኩምብራዛ፡ መንካዕ። 19  ክንፊ ዘለዎ ዅሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር* እውን ርኹስ እዩ፡ ኣይበላዕ። 20  ንጹህ ዘበለ በራሪ ፍጡር ብልዑ። 21  “ሕሉቕ ዘበለ ኣይትብልዑ።+ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ንዘሎ ጓና ሃቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ፡ ወይ ንጓና ይሸየጥ። ከመይሲ፡ ንስኻ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቕዱስ ህዝቢ ኢኻ። “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።+ 22  “ካብቲ ዓመት ዓመት ዘርእኻ ኣብ ግራት ዜፍርዮ ዅሉ፡ ብርግጽ ዕሽር ሃብ።+ 23  ንየሆዋ ኣምላኽካ ምፍራህ ወትሩ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡+ ዕሽር እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኸብትኻን ጤለ በጊዕካን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብታ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ብላዕ።+ 24  “ግናኸ፡ መገዲ እንተ ነዊሑካ፡ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ+ ኻባኻ ስለ ዝረሓቐት ድማ፡ ናብኣ ጾይርካ ኸተምጽኦ እንተ ዘይክኢልካ፡ (ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኺባርኸካ እዩ) 25  ሽዑ ናብ ገንዘብ ለውጦ፡ ነቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ኺድ። 26  በቲ ገንዘብ ድማ ዝበሃግካዮ* ዘበለ፡ ማለት ከብትን ኣባጊዕን ኣጣልን ወይንን ካልእ ኣልኮላዊ መስተን ባህ ዝበለካ* ዅሉን ዓድግ፣ ንስኻን ቤተ ሰብካን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብኡ ብልዓዮን ተሓጐስን።+ 27  ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን እሞ፡ ዕሽሽ ኣይትበሎ።+ 28  “ኣብ መወዳእታ ሰሰለስተ ዓመት፡ ኵሉ ዕሽር እቶት እታ ዓመት እቲኣ ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ኣክቦ።+ 29  የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እቲ እትገብሮ ምእንቲ ኺባርኸካ፡+ እቲ ምሳኻ ግደ ወይ ርስቲ ዘይብሉ ሌዋውን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ዘለዉ ጓናን ዘኽታምን* መበለትን መጺኦም፡ ክሳዕ ዚጸግቡ ይብልዑ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይተብርሑ።”
ወይ፡ “ዜኽብሮ ገንዘቡ።”
ወይ፡ “ሓሸራ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ ዝበሃገቶ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ ዝደለየቶ።”
ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሉን።”