ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 13:1-18

ትሕዝቶ

  • ከሓድቲ እንታይ ኪግበሩ ኸም ዘለዎም (1-18)

13  “ኣብ ማእከልካ ነብዪ ወይ ብሕልሚ ዚንበ እንተ ተንሲኡ እሞ፡ ምልክት ወይ ትእምርቲ እንተ ሂቡካ፡  እቲ ዝበለካ ምልክት ወይ ትእምርቲ ኸኣ እንተ ተፈጺሙ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ‘ንኺድ እሞ፡ ነገልግሎም’ ድማ እንተ ኢሉካ፡  ንየሆዋ ኣምላኽኩም ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን* እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ+ የሆዋ ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፡+ ቃል እቲ ነብዪ ወይ እቲ ሓላሚ ኣይትስማዕ።+  ደድሕሪ የሆዋ ኣምላኽኩም ደኣ ኺዱ፡ ንዕኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱ ኸኣ ሓልዉ፡ ድምጹ ድማ ስምዑ፡ ንዕኡ ኸኣ ኣገልግሉ፡ ናብኡ እውን ልገቡ።+  እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላሚ እቲ ግና፡ ካብቲ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝኣዘዘካ መገዲ ኼልግሰካ ኢሉ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩምን ካብ ቤት ባርነት እተበጀወኩምን የሆዋ ኣምላኽኩም ክትዓልዉ ስለ ዘተባብዐ፡ ይቀተል።+ ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+  “ሓውካ ወዲ ኣዴኻ፡ ወይ ወድኻ፡ ወይ ጓልካ፡ ወይ እተፍቅራ ሰበይትኻ፡ ወይ እትቐርቦ ፈታዊኻ፡* ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ‘ንኺድ፡ ነገልግል’ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓቢሉካ፡+  ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ኣብ ጥቓኻ ወይ ኣብ ርሑቕካ ዚርከቡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ድማ እንተ ዀይኖም፡  ሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ ኸኣ፣+ ኣይትደንግጸሉ፡ ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትሕብኣዮ እውን፣  ብርግጽ ቅተሎ ደኣ።+ ንምቕታሉ፡ ቅድም ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ትኹን፣ ድሕሪኡ፡ ኢድ ኵሉ እቲ ህዝቢ።+ 10  ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ የሆዋ ኣምላኽካ ኼርሕቐካ ስለ ዝደለየ፡ ብዳርባ እምኒ ቕተሎ።+ 11  ሽዑ፡ ኵሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኣብ መንጎኻ ድማ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይኪደግሙን እዮም።+ 12  “ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ኽትቅመጠለን ዚህበካ ኸተማታትካ፡ 13  ‘ዘይጠቕሙ ሰባት፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ “ንኺድ፡ ነገልግል” ኢሎም ንነበርቲ እታ ኸተማኦም ኬስሕቱ ኻብ መንጎኻ ወጺኦም’ ኪብሃል እንተ ሰሚዕካ፡ 14  ነቲ ነገር ኣጻርዮ፡ ኣጸቢቕካ ድማ መርምሮን ሕተተሉን፣+ እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ መንጎኻ ኸም እተገብረ ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ 15  ንነበርቲ እታ ኸተማ ብርግጽ ብሰይፊ ውቕዓዮም።+ ንዓኣን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን፡ እንተላይ ንማላ፡ ብሰይፊ ኣጥፍኣያ።+ 16  ኵሉ እቲ ምርኮኣ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣንድዳ፡ ምርኮኣ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ምሉእ መስዋእቲ ኪኸውን እዩ። ንሓዋሩ ዅምራ ዑናታት ትኹን። ዳግም ኣይትሰራሕ። 17  የሆዋ ኻብቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኺምለስን ምእንቲ ኺምሕረካን ምእንቲ ኺርሕርሓልካን ከምቲ ንኣቦታትና ዝመሓለሎም ምእንቲ ኼብዝሓካን፡+ ኢድካ ኻብቲ ንጥፍኣት እተፈልየ* ገለ እኳ ኣይትውሰድ።+ 18  እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱ ብምሕላው ንየሆዋ ኣምላኽካ ተኣዘዞ፣* በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ ቕኑዕ ትገብር።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻ።”
ወይ፡ “እተሓረመ።”
ወይ፡ “ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስማዕ።”