ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 12:1-32

ትሕዝቶ

  • ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቦታ ኣምልኹ (1-14)

  • ስጋ ብላዕ፡ ደም ግና ኣይትብላዕ (15-28)

  • ብኻልኦት ኣማልኽቲ ኣብ መጻወድያ ኣይትእቶ (29-32)

12  “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብታ ምድሪ ብህይወት ኣብ እትነብሩለን ኵለን መዓልትታት ተጠንቂቕኩም እትገብርዎ ስርዓታትን ፍርድታትን እዚ እዩ።  ንዅሉ እቲ እቶም እተልቅቕዎም ኣህዛብ ንኣማልኽቶም ዜገልግሉሉ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራን ኰነ፡ ኣብ ኵርባታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ልሙዕ ኣእዋም ዘሎ ቦታታት ፈጺምኩም ኣጥፍእዎ።+  መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ሰባብሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾኦም* ብሓዊ ኣንድዱ፡ ቅሩጽ ምስልታት ኣማልኽቶም ቍረጹ፡+ ስማቶም ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ኣጥፍኡ።+  “ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከምኡ ጌርኩም ኣይተምልኽዎ።+  ግናኸ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣብታ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያን ኣብ መንጎ ዅሎም ነገዳትኩም ዚነብረላን ቦታ ድለይዎ፡ ናብኣ እውን ኪዱ።+  ዚሓርር መስዋእትኹምን+ መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን+ ካብ ኢድኩም ዚውሃብ መባእን+ መስዋእቲ መብጽዓኹምን መስዋእቲ ፍታውኩምን+ በዅሪ ኸብትኹምን ጤለ በጊዕኩምን+ ከኣ ናብኣ ኣምጽኡ።  የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዝባረኸካ፡ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ብልዑ፡+ ብዅሉ ተግባርኩም ድማ ተሓጐሱ።  “ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘለና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ* ኣይትግበሩ፣  ምኽንያቱ፡ ክሳዕ ሕጂ ናብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዚህበኩም መዕረፊትን ርስትን ኣይኣቶኹምን። 10  ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም+ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ክትርስተይዋ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም፡ ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ዅሎም ጸላእትኹም ብርግጽ ዕረፍቲ ኺህበኩም እዩ፡ ብደሓን እውን ክትቅመጡ ኢኹም። 11  ኵሉ እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፡ ማለት ዚሓርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን+ ካብ ኢድኩም ዚውሃብ መባእን ኵሉ እቲ ንየሆዋ ኽትመባጽዑ ዝሓረኹምዎ መስዋእቲ መብጽዓን፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ኣምጽኡ።+ 12  ንስኻትኩም፡ ኣወዳትኩም፡ ኣዋልድኩም፡ ተባዕትዮ ባሮትኩም፡ ኣንስትዮ ባሮትኩም፡ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ስለ ዘይብሉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም* ዘሎ ሌዋዊ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ተሓጐሱ። 13  ዚሓርር መስዋእትኻ ኣብ ዝዀነ ዝረኣኻዮ ቦታ ኸይትስውእ ተጠንቀቕ።+ 14  ዚሓርር መስዋእትኻ ኣብታ የሆዋ ኣብ ሓደ ኻብ ነገዳትካ ዝሓረያ ቦታ ደኣ ሰውእ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ኸኣ ኣብኣ ግበር።+ 15  “ኣብ ዝበሃግካዮ እዋን፡* ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ በረኸት፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትካ* ሓሪድካ ስጋ ኽትበልዕ ትኽእል ኢኻ።+ ከምቲ ሰስሓ ወይ እራብ ዚብላዕ ገይሩ፡ ከምኡ ርኹስ ኰነ ንጹህ ሰብ ኪበልዖ ይኽእል እዩ። 16  ግናኸ፡ ነቲ ደም ከም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡+ ኣይትብልዓዮ።+ 17  ካብ ዕሽር እኽልኻ፡ ወይ ካብ ጕዕሽ ወይንኻ፡ ወይ ካብ ዘይትኻ፡ ወይ ካብ በዅሪ ኸብትኻን ጤለ በጊዕካን፡+ ወይ ካብ እተመባጻዕካዮ ዘበለ መስዋእቲ መብጽዓኻ፡ ወይ ካብ መስዋእቲ ፍታውካ፡ ወይ ካብ ኢድካ ኻብ እትህቦ መባእ፡ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ኽትበልዕ ኣይኪፍቀደልካን እዩ። 18  ነዝስ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ዘሎ ሌዋውን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ደኣ ብልዓዮ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ተግባራትካ ኽትሕጐስ ኢኻ። 19  ኣብ ምድርኻ ብህይወት ክሳዕ ዝነበርካ፡ ንሌዋዊ ዕሽሽ ከይትብሎ ተጠንቀቕ።+ 20  “የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ዘተስፈወካ+ ሃገርካ ምስ ኣግፍሐ፡ ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሃግካ፡* ‘ስጋ ኽበልዕ እደሊ እየ’ እንተ ኢልካ፡ ኣብ ዝበሃግካዮ እዋን* ስጋ ኽትበልዕ ትኽእል ኢኻ።+ 21  እታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሓረያ ቦታ+ እንተ ርሒቓትካ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ካብተን የሆዋ ዝሃበካ ኸብትኻ ወይ ጤለ በጊዕካ ሓሪድካ፡ ኣብ ዝበሃግካዮ እዋን* ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ብላዕ። 22  ከምቲ ሰስሓን እራብን እትበልዕ፡+ ከምኡ ጌርካ ኽትበልዖ ትኽእል ኢኻ፣ ርኹስ ኰነ ንጹህ ሰብ፡ ክልቲኦም ኪበልዕዎ ይኽእሉ እዮም። 23  ደም ከይትበልዕ ጥራይ ብጽኑዕ ወስን፣+ ከመይሲ፡ ደም፡ ህይወት* እዩ፣+ ህይወት* ድማ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ። 24  ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዓዮ።+ 25  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ብምግባርካ፡ ንዓኻን ብድሕሬኻ ኸኣ ንደቅኻን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣይትብልዓዮ። 26  ናብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ኽትመጽእ ከለኻ፡ እቲ ናትካ ቕዱስ ነገራትን መስዋእቲ መብጽዓኻን ጥራይ ኣምጽእ። 27  ኣብኣ ድማ ነቲ ዚሓርር መስዋእትኻ፡ ስጋኡን ደሙን፡+ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ ሰውኣዮ፣ ደም መስዋእቲ ሕሩድካ ኸኣ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ ይፍሰስ፣+ ነቲ ስጋ ግና ክትበልዖ ትኽእል ኢኻ። 28  “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ብምግባርካ ንዓኻን ብድሕሬኻ ኸኣ ንደቅኻን ወትሩ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ንዅሉ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ተጠንቂቕካ ተኣዘዞ። 29  “የሆዋ ኣምላኽካ ነዞም እተልቅቖም ኣህዛብ ምስ ኣጥፍኦም እሞ፡ ኣብታ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ 30  ካብ ቅድሜኻ ምስ ጠፍኡ ኣብ መጻወድያ ኸይትኣቱ ተጠንቀቕ። ብዛዕባ ኣማልኽቶም፡ ‘እዞም ኣህዛብ እዚኦም ከመይ ገይሮም ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነይሮም፧ ኣነ እውን ከምኡ ኽገብር እየ’ ኢልካ ኸይትሓትት ተጠንቀቕ። 31  ንኣማልኽቶም እቲ የሆዋ ዚጸልኦ ፍንፉን ዘበለ ይገብሩሎም፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ንኣማልኽቶም ብሓዊ የንድዱሎም እዮም እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ። 32  እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ቓል ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።+ ኣብኡ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ እውን ኣይትነክዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ቅኑዕ ዝመሰሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትኩም።”
ወይ፡ “ከም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ውሽጢ ዅሉ ኣፍ ደገታትካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ ስለ ዝበሃገቶ።”
ወይ፡ “ከም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ከም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”