ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘካርያስ 8:1-23

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንጽዮን፡ ሰላምን ሓቅን ይህባ (1-23)

    • የሩሳሌም፡ “ከተማ ሓቂ” (3)

    • “ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ” (16)

    • ካብ ጾም ናብ በዓል (18, 19)

    • ‘ሃየ ንየሆዋ ንድለዮ’ (21)

    • ዓሰርተ ሰባት ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ ኺሕዙ እዮም (23)

8  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸ፦  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ምእንቲ ጽዮን ብዓብዪ ቕንኣት ክቐንእ እየ፣+ ብዓብዪ ነድሪ እውን ክቐንኣላ እየ።’”  “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ናብ ጽዮን ክምለስ፡+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ፣+ የሩሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ* ኽትብሃል እያ፣+ ከረን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እውን ቅዱስ ከረን ኪብሃል እዩ።’”+  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ነፍሲ ወከፎም ብምኽንያት ብዝሒ ዕድመኦም* በትሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም።+  ኣደባባያት እታ ኸተማ ኸኣ በቶም ኣብኡ ዚጻወቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልእ እዩ።’”+  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ነቶም በተን መዓልትታት እቲአን ካብዚ ህዝቢ እዚ ዚተርፉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እኳ እንተ መሰሎም፡ ንዓይ እውንዶ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኺመስለኒ እዩ፧’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንህዝበይ ካብ ምድሪ ምብራቕን ካብ ምድሪ ምዕራብን አድሕኖም ኣለኹ።+  ከምጽኦም ከኣ እየ፣ ኣብ የሩሳሌም እውን ኪነብሩ እዮም።+ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ብሓቅን* ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።’”+  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣቱም ሕጂ ነዘን በታ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ መሰረት ቤት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ እተዘርባ ቓላት ካብ ኣፍ ነብያት እትሰምዑ ዘለኹም፡+ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።*+ 10  ቅድሚ እታ ግዜ እቲኣስ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዓስቡ ኣይረክብን እዩ ነይሩ።+ ኣነ ዅሉ ሰብ ኣንጻር ሓድሕዱ ገይረዮ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ፡ ብሰንኪ ተጻራሪ ንምውጻእን ንምእታውን ሰላም ኣይነበረን።’ 11  “‘ሕጂ ግና ምስ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክኸውንን እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 12  ‘ዘርኢ ሰላምሲ ኺዝራእ እዩ፣ ተኽሊ ወይኒ ኸኣ ፍሪኡ ኺፈሪ እዩ፣ ምድሪ ድማ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣+ ሰማያት እውን ኣውሎም ኪህቡ እዮም። ንተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ነዚ ዅሉ ኸውርሶ እየ።+ 13  ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን፡ ከምቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መራገሚ ዝዀንኩም፡+ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፣ በረኸት እውን ክትኰኑ ኢኹም።+ ኣይትፍርሁ!+ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።’*+ 14  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ከምቲ ኣቦታትኩም ስለ ዘቘጡዑኒ መዓት ከምጽኣልኩም ዝቘረጽኩ እሞ ዘይተጥዓስኩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ 15  “ከምኡ ድማ በዛ ግዜ እዚኣ ንየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ጽቡቕ ክገብረለን ቈሪጸ ኣለኹ።+ ኣይትፍርሁ!”’+ 16  “‘እቲ ኽትገብርዎ ዚግብኣኩም ነገር እዚ እዩ፦ ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ፣+ እቲ ኣብ ኣፍ ደገታትኩም እትገብርዎ ፍርድታት ከኣ ብሓቂ ይኹን፡ ሰላም እውን የስፍን።+ 17  ንሓድሕድኩም ብልብኹም መዓት ኣይትሕሰቡ፣+ ማሕላ ሓሶት እውን ኣይትፍተዉ።+ ነዚ ዅሉስ እጸልኦ እየ’+ ይብል የሆዋ።” 18  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 19  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ጾም ራብዐይቲ ወርሕን+ ጾም ሓምሸይቲ ወርሕን+ ጾም ሻውዐይቲ ወርሕን+ ጾም ዓስረይቲ ወርሕን+ ንቤት ይሁዳ ኣጋጣሚ ፍስሃን ሓጐስን፡ በዓላት ታሕጓስ ኪኸውን እዩ።+ ስለዚ፡ ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።’ 20  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝብታትን ነበርቲ ብዙሓት ከተማታትን ገና ኺመጹ እዮም፣ 21  ነበርቲ ሓንቲ ኸተማ ድማ ናብቶም ናይታ ሓንቲ ኸይዶም፡ “ሞገስ የሆዋ ኽንልምንን* ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ክንደልዮንሲ ሃየ ንኺድ። ኣነ እውን ክኸይድ እየ” ኺብሉ እዮም።+ 22  ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ከኣ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎን+ ሞገስ የሆዋ ኺልምኑን* ኪመጹ እዮም።’ 23  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘በተን መዓልትታት እቲአን፡ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት+ ንሓደ ኣይሁዳዊ* ወለል ዚብል ክዳኑ* ሒዞም፡ እወ ኣጽኒዖም ሒዞም፡ “ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡+ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና”+ ኺብልዎ እዮም።’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተኣማንነት።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
ወይ፡ “ብተኣማንነትን።”
ወይ፡ “ኣጆኹም።”
ወይ፡ “ኣጆኹም።”
ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኸነፈሽሕውን።”
ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኼፈሽሕዉን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ።”
ወይ፡ “ወሰን ክዳኑ።”