ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘካርያስ 13:1-9

ትሕዝቶ

  • ጣኦታትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪውገዱ እዮም (1-6)

    • ናይ ሓሶት ነብያት ኪሓፍሩ እዮም (4-6)

  • እቲ ጓሳ ኺውቃዕ እዩ (7-9)

    • ሲሶ ኺጸርዩ እዮም (9)

13  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንቤት ዳዊትን ንነበርቲ የሩሳሌምን፡ ንምንጻህ ሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዒላ ኽትክፈተሎም እያ።+  “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ስማት ጣኦታት ካብታ ምድሪ ኽድምስስ እየ፡+ ደጊም እውን ኣይኪዝከሩን እዮም፣ ካብታ ምድሪ ድማ ነብያትን+ መንፈስ ርኽሰትን ከወግድ እየ።  ሓደ ሰብ መሊሱ እንተ ተነብዩ ኸኣ፡ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ‘ብስም የሆዋ ሓሶት ስለ እተዛረብካ፡ ብህይወት ኣይክትነብርን ኢኻ’ ኺብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ ብሰሪ ምንባዩ ኺወግእዎ እዮም።+  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለዉ ብራእዮም ኪሓፍሩ እዮም፣ ኬታልሉ ኢሎም ከኣ ጸጓር ባርኖስ ኣይኪለብሱን እዮም።+  ነፍሲ ወከፍ ድማ፡ ‘ነብዪ ኣይኰንኩን። ንእሽቶ ኸለኹ ሰብ ስለ ዝዓደገኒ፡ መሬት ዚሓርስ ሰብ ደኣ እየ’ ኺብል እዩ።  ‘እዚ ኣብ መንጎ መንኵባትካ* ዘሎ ኣቝሳል እንታይ እዩ፧’ ተባሂሉ እንተ ተሓቲቱ ኸኣ፡ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ኣቝሳል እዩ’ ኢሉ ኺምልስ እዩ።   “ኦ ሰይፊ፡ ኣንጻር ጓሳይ፡+ ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝዀነ ሰብ ንቓሕ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፡+ እተን መጓሰ* ድማ ፋሕ ይበላ፣+ ኢደይ ከኣ ኣንጻር እቶም ንኣሽቱ ኽመልስ እየ።”   “ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ” ይብል የሆዋ፡ “ክልተ ኣፍ ኣብኣ ኺምንቈሱን ኪጠፍኡን* እዮም፣ እቶም ሲሶ ድማ ኣብኣ ኺተርፉ እዮም።   ነቶም ሲሶ ኸኣ ብሓዊ ኣሕሊፈ ኸምጽኦም፡ ከምቲ ብሩር ዚጸሪ ድማ ከጽርዮም፡ ከምቲ ወርቂ ዚፍተን እውን ክፍትኖም እየ።+ ስመይ ኪጽውዑ እዮም፣ ኣነ እውን ክምልሰሎም እየ። ኣነ፡ ‘ህዝበይ እዮም’ ክብል እየ፣+ ንሳቶም ከኣ፡ ‘የሆዋ ኣምላኽና እዩ’ ኺብሉ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣእዳውካ።” ማለት፡ ኣብ ደረት ወይ ኣብ ዝባን።
ወይ፡ “ኣባጊዕ።”
ወይ፡ “ኪሞቱን።”