ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘካርያስ 12:1-14

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኪከላኸለለን እዩ (1-9)

    • የሩሳሌም፡ “ከቢድ እምኒ” (3)

  • ነቲ እተወግአ ዋይዋይ ይብሃለሉ (10-14)

12  ከቢድ መልእኽቲ፦ “ቃል የሆዋ ብዛዕባ እስራኤል” ይብል እቲ ሰማያት ዝዘርግሐ፡+ መሰረት ምድሪ ዝሰረተ፡+ መንፈስ* ሰብ ከኣ ኣብ ውሽጡ ዝገበረ የሆዋ።  “እንሆ፡ ንየሩሳሌም፡ ኣብ ዙርያ ንዘለዉ ህዝብታት ሰንከልከል እተብል ጽዋእ* ክገብራ እየ፣ ይሁዳ ድማ ክትክበብ እያ፣ የሩሳሌም እውን ከምኡ።+  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየሩሳሌም፡ ንዅሎም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ። ኵሎም እቶም ዜልዕልዋ ብርግጽ ኣመና ኪቘስሉ እዮም፣+ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸኣ ኣንጻራ ኺእከቡ እዮም።+  በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡ “ንዅሉ ፈረስ ብስምባድ፡ ንተወጣሒኡ ድማ ብጽላለ ኽወቅዕ እየ። ኣዒንተይ ኣብ ቤት ይሁዳ ኼተኵራ እየን፣ ንዅሉ ፈረስ ህዝብታት ግና ብዑረት ክወቅዕ እየ።  ሹማምንቲ* ይሁዳ ኸኣ ብልቦም፡ ‘ነበርቲ የሩሳሌም ብኣምላኾም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብርታዐይ እዮም’ ኪብሉ እዮም።+  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንሹማምንቲ ይሁዳ ኣብ መንጎ ዕንጨይቲ ኸም ምድጃ ሓዊ፡ ኣብ መንጎ ተር ዝበለ ዕጻድ ከም ፋና ሓዊ ኽገብሮም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ብየማንን ብጸጋምን ዘለዉ ህዝብታት ኪበልዕዎም እዮም፣+ የሩሳሌም ከኣ ኣብ ቦታኣ፡* ኣብ የሩሳሌም፡ ከም ብሓድሽ ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም።+  “የሆዋ ድማ ጽባቐ* ቤት ዳዊትን ጽባቐ* ነበርቲ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ እምብዛ ኸይዓብስ፡ ቅድም ድንኳናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ።  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣብ ዙርያ ነበርቲ የሩሳሌም ኰይኑ ኺከላኸለሎም እዩ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኻባታቶም ዚዕንቀፍ* ከም ዳዊት፡ ቤት ዳዊት እውን ከም ኣምላኽ፡ ከምቲ ቐቅድሚኦም ዚኸይድ መልኣኽ የሆዋ ኪኸውን እዩ።+  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንዅሎም እቶም ኣንጻር የሩሳሌም ዚመጹ ኣህዛብ ብርግጽ ከጥፍኦም እየ።+ 10  “ኣብ ቤት ዳዊትን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌምን መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምትዎ እዮም፣+ ከምቲ ንሓደ በይኑ ውሉድ ዋይዋይ ዚብሃለሉ ገይሮም ከኣ ዋይዋይ ኪብሉሉ እዮም፣ ከምቲ ንበዅሪ ወዲ ዚሕዘነሉ ገይሮም ድማ ኣምሪሮም ኪሓዝኑሉ እዮም። 11  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዋይዋይታ የሩሳሌም፡ ከም ዋይዋይታ ሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ፡ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ 12  እታ ምድሪ ኸኣ ዋይዋይ ክትብል እያ፣ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ንበይኑ፣ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይና፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ ዓሌት ቤት ናታን+ ንበይና፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ 13  ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይና፡+ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ ዓሌት ሺምዓውያን+ ንበይኖም፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ 14  ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትንፋስ።”
ወይ፡ “ጭሔሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሸኻት።” ሸኽ፡ ሹም ነገድ እዩ።
ወይ፡ “ኣብ ግቡእ ቦታኣ።”
ወይ፡ “ግርማ።”
ወይ፡ “ግርማ።”
ወይ፡ “ዝደኸመ።”