ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 3:1-17

ትሕዝቶ

  • መስዋእቲ ሕብረት (1-17)

    • ስብሒ ወይ ደም ኣይትብልዑ (17)

3  “‘መስዋእቱ መስዋእቲ ሕብረት*+ እንተ ዀይኑ እሞ፡ ካብ ከብቲ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ እንተ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥዑይ የቕርብ።  ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ መስዋእቱ የንብር፣ እቲ መስዋእቲ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይተሓረድ። ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ።  ገለ ኻብቲ መስዋእቲ ሕብረት፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የቕርበሉ፦+ እዚ ኸኣ እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን+  ክልቲአን ኵሊት ምስቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ ምስተን ኰላሊት እውን ይፍለ።+  ደቂ ኣሮን ድማ ኣብቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ንዚሓርር መስዋእቲ የሕርርዎ፣+ እዚ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።+  “‘እቲ ንየሆዋ ንመስዋእቲ ሕብረት ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ዀይኑ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጥዑይ የቕርብ።+  ንመስዋእቱ ገንሸል* እንተ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ።  ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ መስዋእቱ የንብር፣ እቲ መስዋእቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይተሓረድ። ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ።  ንስብሒ እቲ መስዋእቲ ሕብረት፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የቕርቦ።+ ነቲ ኣብ ጥቓ ቐራጺቶ ዘሎ ዀልኰል ብምሉኡን እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን ይፍለ፣ 10  ንኽልቲአን ኵሊት ምስቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሒ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ ምስተን ኰላሊት እውን ይፍለ።+ 11  እቲ ኻህን ድማ ኣብቲ መሰውኢ እንጌራ* ኪኸውን የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።+ 12  “‘መስዋእቱ ጤል እንተ ዀይና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርባ። 13  ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ የንብር፣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ትተሓረድ። ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደማ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ። 14  እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ዜቕርቦ ኽፋል፡ እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን+ 15  ክልቲአን ኵሊትን ምስቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ ምስተን ኰላሊት እውን ይፍለ። 16  እቲ ኻህን ድማ ኣብቲ መሰውኢ ምግቢ* ኪኸውን የሕርሮ፣ እዚ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። ኵሉ ስብሒ ናይ የሆዋ እዩ።+ 17  “‘እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን፦ ስብሒ ዘበለ ወይ ደም+ ዘበለ ኣይትብልዑ።’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መስዋእቲ ሰላም።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ማለት፡ ግደ ኣምላኽ ዝዀነ መስዋእቲ ሕብረት።
ቃ.ቃ.፡ “እንጌራ፡” ማለት፡ ግደ ኣምላኽ ዝዀነ መስዋእቲ ሕብረት።