ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 26:1-46

ትሕዝቶ

  • ካብ ኣምልኾ ጣኦት ርሓቕ (1, 2)

  • ተኣዛዝነት ዜምጽኦ በረኸት (3-13)

  • ዘይተኣዛዝነት ዜስዕቦ መቕጻዕቲ (14-46)

26  “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ከንቱ ኣማልኽቲ ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ፣+ ጽሩብ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ኣምልኾ እውን ንዓኻትኩም ኣይተቝሙ፣+ ክትሰግዱሉ ኢልኩም+ ድማ ቅሩጽ እምኒ ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።+  ሰናብተይ ሓልዉ፡ ንመቕደሰይ ከኣ ኣኽብሩ።* ኣነ የሆዋ እየ።  “‘ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሊኹምን እንተ ጌርኩምዎን፡+  ዝናም ብግዜኡ ኽህበኩም እየ፣+ ምድሪ ኸኣ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣+ ኣእዋም መሮር እውን ፍሪኡ ኺህብ እዩ።  ወቕቲ መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይንኹም፡ ምቕንጣብ ወይኒ ድማ ክሳዕ ወቕቲ ምዝራእ ኪበጽሕ እዩ፣ ክሳዕ እትጸግቡ እንጌራኹም ክትበልዑ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ብደሓን ክትቅመጡ ኢኹም።+  ኣብታ ምድሪ ሰላም ክህብ እየ፣+ ማንም ከየፍረሃኩም ድማ ክትድቅሱ ኢኹም፣+ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጽንት እየ፡ ሰይፊ ውግእ ኸኣ ብምድርኹም ኣይኪሓልፍን እዩ።  ጸላእትኹም ክትሰጕጉ፡ ንሳቶም ድማ ብርግጽ ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።  ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ን100 ኺሰጕጉ፡ 100 ኻባኻትኩም ከኣ ን10,000 ኪሰጕጉ እዮም፣ ጸላእትኹም ድማ ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+  “‘ኣብ ቅድመይ ሞገስ ክትረኽቡ ኢኹም፡* ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን ከኣ እየ።+ ኪዳነይ ድማ ምሳኻትኩም ከጽንዕ እየ።+ 10  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረየ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ኸለኹም፡ ነቲ ሓድሽ ቦታ ምእንቲ ኽትረኽቡሉ ነቲ ነባር ከተውጽእዎ ኢኹም። 11  ማሕደረይ ኣብ ማእከልኩም ክገብር፡+ ኣነ* እውን ኣይክድርብየኩምን እየ። 12  ኣብ መንጎኹም ክመላለስ፡ ኣምላኽኩም ከኣ ክኸውን እየ፣+ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም።+ 13  ድሕሪ ደጊም ባሮቶም ምእንቲ ኸይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። ኣርዑትኩም ሰበርኩ፣ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱ* ኸኣ ገበርኩኹም። 14  “‘ግናኸ፡ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ወይ እዚ ዅሉ ትእዛዛት እንተ ዘይሓሊኹም፡+ 15  ሕግታተይ ድማ እንተ ነጺግኩም፡+ ኵሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኸይትሕልዉ ኸኣ ፍርድታተይ እንተ ፈንፊንኩም፡* ኪዳነይ ድማ እንተ ጥሒስኩም፡+ 16  ኣነ ኸኣ እዚ ኽገብረኩም እየ፣ ብጭንቂ፡ ከምኡ እውን ኣዒንቲ ብዜድክምን ህይወት* ብዜማስንን ዓባይ ሰዓልን ብርቱዕ ረስንን ክቐጽዓኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ኽትዘርኡ ኢኹም።+ 17  ገጸይ ናባታትኩም ገይረ ኽጻረረኩም እየ፣ ብጸላእትኹም ድማ ክትሰዓሩ ኢኹም።+ እቶም ዚጸልእኹም ኪረግጹኹም እዮም፣+ ሓደ እኳ ኸይሰጐጐኩም ክትሃድሙ ኢኹም።+ 18  “‘በዚ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። 19  ነቲ ነቓጽ ትዕቢትኩም ክሰብሮ፡ ሰማያትኩም ከም ሓጺን፡+ ምድርኹም ድማ ከም ነሓሲ ኽገብሮ እየ። 20  ምድርኹም ፍሪኣ ስለ ዘይትህብ፡+ ኣእዋም ምድርኹም ከኣ ስለ ዘይፈሪ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ኽትውድኡ ኢኹም። 21  “‘ገና እንተ ተጻሪርኩምንን ክትሰምዑኒ እንተ ዘይደሊኹምን፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽወቕዓኩም እየ። 22  ኣራዊት መሮር ክሰድደልኩም እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ደቅኹም ኪቐትሉ፡+ እንስሳታት ዘቤትኩም ኬጽንቱ፡ ቍጽርኹም ድማ ኬውሕዱ እዮም፣ መገድታትኩም ከኣ ኪባድም እዩ።+ 23  “‘ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ እንተ ዘይተኣሪምኩምለይ፡+ ንዓይ ብምጽራር ድማ እንተ ተመላሊስኩም፡ 24  ኣነ እውን ንዓኻትኩም ብምጽራር ክመላለስ እየ፣ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ከኣ ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽወቕዓኩም እየ። 25  ኪዳነይ ብምፍራስኩም ሕነ ዚፈዲ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኹም ኬምጽእ እየ።+ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተኣኪብኩም፡ ናብ ማእከልኩም ሕማም ክሰድድ እየ፡+ ናብ ኢድ ጸላኢ ድማ ክትውሃቡ ኢኹም።+ 26  ቀረብ* እንጌራኹም ምስ ኣጥፋእኩ፡+ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓንቲ እቶን ጥራይ ኪስንክታኦ፡ እንጌራኹም ከኣ ብሚዛን ተዓቂኑ ኺውሃበኩም እዩ፣+ በሊዕኩም ድማ ኣይክትጸግቡን ኢኹም።+ 27  “‘ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ንዓይ ብምጽራር ከኣ እንተ ተመላሊስኩም፡ 28  ኣበርቲዐ ኽጻረረኩም፡+ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ድማ ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። 29  ስጋ ኣወዳትኩም ክትበልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።+ 30  እተምልኹሉ በረኽትታትኩም ከጥፍእ፡+ መሰውኢ ዕጣንኩም ክቘርጽ፡ ሬሳታትኩም ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ጽዩፋት ጣኦታትኩም* ክጽፍጽፍ እየ፣+ ኣነ* ኸኣ ፈንፊነኩም ካባኻትኩም ክርሕቕ እየ።+ 31  ከተማታትኩም ንሰይፊ ኽህበን፡+ ንመቓድስኩም ድማ ከባድመን እየ። ጥዑም ጨና መስዋእትኹም ከኣ ኣይከጫኑን እየ። 32  ኣነ ባዕለይ ንምድርኹም ከባድማ እየ፣+ ኣብኣ ዚቕመጡ ጸላእትኹም ድማ ተገሪሞም ኪጥምትዋ እዮም።+ 33  ንዓኻትኩም ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም፡+ ደድሕሬኹም ድማ ሰይፊ ኽመልሕ እየ፣+ ምድርኹም ክትባድም፡+ ከተማታትኩም ከኣ ኪዓንዋ እየን። 34  “‘ሽዑ፡ እታ ምድሪ በቲ እትባድመሉ ዅሉ መዓልትታት፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ከለኹም፡ ሰናብታ ኽትከፍል እያ። ሽዑ፡ እታ ምድሪ ሰናብታ ኽትከፍል ስለ ዘለዋ፡ ክትዓርፍ* እያ።+ 35  ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትቅመጡ ኸለኹም፡ ብሰናብትኹም ስለ ዘይዓረፈት፡ ብዅሉ እቲ እትባድመሉ መዓልትታት ክትዓርፍ እያ። 36  “‘ነቶም ዝተረፉ ድማ፡+ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ንልቦም ብቕብጸት ክመልኦ እየ፣ ሓሸሽ ዚብል ደሃይ ቈጽሊ ኸኣ ኬህድሞም እዩ፣ ካብ ሰይፊ ኸም ዚሃድም ኪሃድሙ፡ ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም ድማ ኪወድቁ እዮም።+ 37  ሓደ እኳ ከይሰጐጎም፡ ካብ ሰይፊ ከም ዚሃድሙ ዀይኖም፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኺዕንቀፉ እዮም። ንጸላእትኹም ምቅዋም ከኣ ኣይክትክእሉን ኢኹም።+ 38  ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክትጠፍኡ ኢኹም፡+ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ክትውሕጠኩም እያ። 39  እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ፡ ብሰንኪ ስሕተቶም ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ኪምህምኑ እዮም።+ እወ፡ ብሰንኪ ስሕተት ኣቦታቶም ኪምህምኑ እዮም።+ 40  ሽዑ፡ ስሕተቶምን ስሕተትን ጥልመትን ኣቦታቶምን ኪናዘዙ፡+ ንዓይ እናተጻረሩ ብምምልላሶም ድማ ከም ዝጠለሙኒ ኺእመኑ እዮም።+ 41  ኣነ እውን ንዓታቶም ብምጽራር ክመላለስ፡+ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ከእትዎም እየ።+ “‘ሽዑ፡ እቲ ዘይግዙር* ልቦም ይትሕት ይኸውን፣+ ንስሕተቶም ከኣ ኪኸፍሉ እዮም። 42  ነቲ ምስ ያእቆብ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይን+ ምስ ይስሃቅ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይን+ ከኣ ክዝክር እየ፣ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ+ እውን ክዝክር፡ ነታ ምድሪ ድማ ክዝክራ እየ። 43  ነታ ምድሪ ምስ ሓደግዋ፡ ንሳቶም ከየለዉ ባዲማ ኸላ ሰናብታ ኽትከፍል እያ፣+ ንሳቶም* ከኣ ንፍርድታተይ ነጺጎምዎን ንሕግታተይ ፈንፊኖምዎን እዮም እሞ፡ ብዛዕባ ስሕተቶም ኪኸፍሉ እዮም።+ 44  እዚ ዅሉ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ፡ ነቲ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ጥሒሰ፡+ ጠሪሰ ኣይክሓድጎምን፡+ ክሳዕ ዚጸንቱ ኸኣ ኣይክድርብዮምን እየ። 45  ነቲ ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ ምስቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም+ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን+ ክዝክረሎም እየ። ኣነ የሆዋ እየ።’” 46  እቲ የሆዋ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ብሙሴ ኣቢሉ ኣብ ከረን ሲና ዘቘሞ ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግታትን እዚ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ፍርሁ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጸይ ናባኻትኩም ክመልስ እየ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀኒዕኩም ከም እትኸዱ።”
ወይ፡ “ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “በትሪ።” እንጌራ ንምንባር ዜገልግል በትሪ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ሰንበት ክትሕሉ።”
ወይ፡ “ነቓጽ።”
ወይ፡ “ነፍሶም።”