ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 24:1-23

ትሕዝቶ

  • ንቐነዲል ማሕደር ዚኸውን ዘይቲ (1-4)

  • ቅጫታት እንጌራ ምርኣይ (5-9)

  • ስም ኣምላኽ ዝጸረፈ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ (10-23)

24  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “እቲ ቐነዲል ወትሩ ምእንቲ ኺበርህ፡ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ እተጐድአ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም።+  ኣሮን ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ምስክር፡ እቲ ቐነዲል ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ወትሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውላዕ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።  ነቲ ቐነዲል ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዴል+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ።  “ድኹም ሓርጭ ወሲድካ 12 ዓንኬላዊ ቕጫ ሰንክት። ንሓደ ቕጫ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ይኹን።  ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ሰደቓ ድማ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በብሽዱሽተ ደራሪብካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ።+  ኣብ ለልዕሊ እቲ መስርዕ ጽሩይ ጻዕዳ ዕጣን ኣንብር፣ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ዚኸውን እንጌራ ኸኣ ኪኸውን እዩ።  ሰንበት ሰንበት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ።+ እዚ ንእስራኤላውያን ናይ ሓዋሩ ኺዳን እዩ።  ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ከኣ ይኹን፣+ ካብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ንዕኡ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኖም ይብልዕዎ።+ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት እዩ።” 10  ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ድማ፡ ሓደ ወዲ እስራኤላዊት ሰበይትን ግብጻዊ ሰብኣይን ነበረ፣+ ንሱን ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ከኣ ኣብ ሰፈር ተባእሱ። 11  ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ፡ ነቲ ስም* ጸረፈን ረገመን።+ ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ።+ ኣዲኡ ኸኣ ሸሎሚት፡ ጓል ዲብሪ ኻብ ነገድ ዳን ነበረት። 12  ውሳነ የሆዋ ክሳዕ ዚግለጸሎም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሕዎ።+ 13  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 14  “ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፣ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ የንብሩ፣ ድሕሪኡ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ።+ 15  ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ እንተ ረጊሙ፡ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 16  ስለዚ፡ እቲ ስም የሆዋ ዚጸርፍ፡ ብርግጽ ይቀተል።+ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ብርግጽ ይቕተሎ። ጓና ዀነ ወዲ ዓዲ፡ ስም ኣምላኽ ዚጸርፍ ይቀተል። 17  “‘ሰብ፡ ህይወት ሰብ ምስ ዚቐትል፡* ብርግጽ ይቀተል።+ 18  እንስሳ ዘቤት ወቒዑ ዝቐተለ፡* ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት* ይኽሓስ። 19  ሰብ ንብጻዩ ምስ ዚጐድኦ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይገበር።+ 20  ኣብ ክንዲ መስበርቲ፡ መስበርቲ፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ይገበር።+ 21  እንስሳ ወቒዑ ዝቐተለ፡ ይኽሓስ፣+ ሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ግና፡ ይቀተል።+ 22  “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ዀነ ንወዲ ዓዲ፡+ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።’” 23  ሙሴ ኸኣ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 4.4 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ንመዘከርታ።”
ማለት፡ ኣብ ፍ. 15ን 16ን ከም እተሓበረ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም።
ወይ፡ “ነፍሲ ሰብ ወቒዑ ምስ ዚቐትል።”
ወይ፡ “ነፍሲ እንስሳ ወቒዑ ዝቐተለ።”
ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ።”