ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 19:1-37

ትሕዝቶ

  • እተፈላለየ ሕግታት ቅድስና (1-37)

    • ግቡእ ዓጺድ (9, 10)

    • ንጸማምን ንዕዉርን ምሕላይ (14)

    • ሕሜት (16)

    • ኣይትቀየም (18)

    • ስሒርን ጥንቈላን ተኸልኪሉ (26, 31)

    • ውቃጦ ተኸልኪሉ (28)

    • ንኣረገውቲ ምኽባር (32)

    • ኣተሓሕዛ ስደተኛታት (33, 34)

19  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦  “ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ።+  “‘ነፍሲ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቦኡን የኽብር፣*+ ሰናብተይ ከኣ ሓልዉ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።  ናብ ከንቱ ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡+ ወይ ንርእስኹም ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበሩ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።  “‘ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ምስ እትስውኡ፡+ ተቐባልነት ከም እትረኽቡ ጌርኩም ሰውኡ።+  በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽብሒታን ይበላዕ፣ እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ።+  ገለ ኻብኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበሊዑ ግና፡ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ኣይቅቡልን እዩ።  እቲ ዝበልዐ፡ ነቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።  “‘ዓጺድ ምድርኹም ክትዓጽዱ ኸለኹም፡ ንደረት ግራትካ ምሉእ ብምሉእ ኣይትዕጸዶ፣ ንቐሪም* ዓጺድካ እውን ኣይትእረዮ።+ 10  ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ንዝተረፈ ድማ ኣይትኣክቦ፡ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ንዝወደቐ ኣይትእረዮ። ንድኻን* ንጓናን ደኣ ሕደጎ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 11  “‘ኣይትስረቑ፡+ ኣይተታልሉ፡+ ንሓድሕድኩም ከኣ ኣይትተሓሳሰዉ። 12  ንስም ኣምላኽካ ምእንቲ ኸይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶት ኣይትምሓሉ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 13  ንብጻይካ ኣይትዓምጾ፡+ ኣይትዝመቶ።+ ውዕለት ወዓላይ ድማ ክሳዕ ንግሆ ምሳኻ ኣይሕደር።+ 14  “‘ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ወይ ኣብ ቅድሚ ዕዉር መዐንቀፊ ኣይተንብር፣+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 15  “‘ብፍርድኹም ኣይትዓምጹ። ንድኻ ኣይተዳሉ፡ ወይ ንሃብታም ኣብሊጽካ ኣይትርአ።+ ንብጻይካ ብፍትሒ ፍረዶ። 16  “‘ሕሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣብ መንጎ ህዝብኻ ኣይትዙር።+ ኣብ ልዕሊ ህይወት* ብጻይካ ኣይትለዓል።*+ ኣነ የሆዋ እየ። 17  “‘ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ።+ ምስኡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጸውር፡ ንብጻይካ ግንሓዮ።+ 18  “‘ኣብ ልዕሊ ደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን+ ኣይትቀየምን፣ ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 19  “‘ሕግታተይ ሓልዉ፦ ክልተ ዓይነት እንስሳ ዘቤት ኣይተዳቕል። ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ።+ ብኽልተ ዓይነት ፈትሊ ተሓዋዊሱ እተሰርሐ ኽዳን ከኣ ኣይትከደን።+ 20  “‘ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቂሱ እሞ ምስኣ ብስጋ እንተ ተራኺቡ፡ ንሳ ድማ ንኻልእ እተሓጽየት ክነሳ ዘይተበጀወት ወይ ሓራ ዘይወጸት ገረድ እንተ ዀይና፡ ይቀጽዑ። ግናኸ፡ ንሳ ሓራ ኣይነበረትን እሞ፡ ኣይቀተሉ። 21  ንሱ ኸኣ ንመስዋእቲ በደሉ ዚኸውን ድዑል መስዋእቲ በደል፡ ናብ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ።+ 22  ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ፡ እቲ ኻህን በቲ ንመስዋእቲ በደል ዚኸውን ድዑል ገይሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ። እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ። 23  “‘ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዝዀነ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ድማ ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍሪኡ ኸም ዘይንጹህን ክልኩልን* ጌርኩም ርኣይዎ። ሰለስተ ዓመት ክልኩል* ይኹነልኩም፡ ኣይበላዕ። 24  ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ግና፡ ብዘሎ ፍሪኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምሕጓስ ይቀደስ።+ 25  ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ከኣ፡ ፍሪኡ ብልዑ፣ በዚሑ ድማ ኪፈርየልኩም እዩ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 26  “‘ገለ እኳ ምስ ደሙ ኣይትብልዑ።+ “‘ፋል ወይ ስሒር ኣይትግበሩ።+ 27  “‘ጭሕሚ ጕንዲ እዝንኹም ኣይትላጽዩ፡* ወይ ወሰነ ወሰን ጭሕምኻ ኣይትጸይቕ።+ 28  “‘ብዛዕባ ምዉት ሰብ፡* ስጋኹም ኣይትብጥሑ፣+ ኣብ ሰብነትኩም ከኣ ውቃጦ ኣይትግበሩ። ኣነ የሆዋ እየ። 29  “‘እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትምንዝርን ብንውርምና ምእንቲ ኸይትመልእን፡+ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ።+ 30  “‘ሰናብተይ ሓልዉ፡+ ንመቕደሰይ ከኣ ኣኽብሩ።* ኣነ የሆዋ እየ። 31  “‘ብኣታቶም ምእንቲ ኸይትረክስ፡ ናብ ጠየቕቲ መናፍስቲ ኣይትኺዱ፡+ ንጠንቈልቲ ድማ ኣይትሕተቱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 32  “‘ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡+ ንኣረጋዊ ኣኽብሮ፡+ ንኣምላኽካ እውን ፍርሃዮ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 33  “‘ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ምድርኹም እንተ ተቐሚጡ፡ ኣይትግፍዕዎ።+ 34  ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡+ እቲ ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ኣብ መንጎኹም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡+ ከም ነፍስኻ ኸኣ ኣፍቅሮ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 35  “‘ንውሓት፡ ክብደት፡ ወይ ስፍሪ ኽትዕቅኑ ኸለኹም፡ ዘይቅኑዕ መዐቀኒ ኣይትጠቐሙ።+ 36  ልክዕ ሚዛንን ልክዕ መምዘንን ልክዕ መስፈር እኽልን* ልክዕ መስፈር ፈሳስን* ተጠቐሙ።+ ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 37  ኵሉ ሕግታተይን ኵሉ ፍርድታተይን ሓልዉን ስዓቡን።+ ኣነ የሆዋ እየ።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ይፍራህ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ንተረፍ።”
ወይ፡ “ንውጹዕን።”
ቃ.ቃ.፡ “ደም።”
ወይ፡ “ህይወት ብጻይካ ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ኸሎ፡ ስቕ ኣይትበል” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኸም ዕልቦኡ ዘይንጹህ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘይተገዝረ።”
ወይ፡ “ኣይትቐምቅሙ፣ ኣይትቝረጹ።”
ወይ፡ “ምውትቲ ነፍሲ።” እታ ኣብዚ ዘላ ነፈሽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ንምዉት ተመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ፍርሁ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልክዕ ኤፋ።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ልክዕ ሂን።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።