ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 18:1-30

ትሕዝቶ

  • ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ (1-30)

    • ንከነኣናውያን ኣይትምሰልዎም (3)

    • ምስ መቕርባ ዚግበር ክልኩል ጾታዊ ርክብ (6-18)

    • ብግዜ ጻግነ (19)

    • ግብረ ሶዶም (22)

    • ምስ እንስሳ ዚግበር ጾታዊ ርክብ (23)

    • ‘ንጹሃት እንተ ዘይኴንኩም፡ እታ ምድሪ ኽትተፍኣኩም እያ’ (24-30)

18  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+  ከም ግብሪ እቶም ኣብታ እትቕመጥዋ ዝነበርኩም ምድሪ ግብጺ ዚነብሩ ኣይትግበሩ፣ ከም ግብሪ እቶም ኣነ ናብኣ ኣብ ዘእትወኩም ምድሪ ከነኣን ዚነብሩ ድማ ኣይትግበሩ፣+ ብሕግታቶም እውን ኣይትመላለሱ።  ፍርድታተይ ግበሩ፡ ሕግታተይ ከኣ ሓልዉ፡ ብእኡ እውን ተመላለሱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።  ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፣ ዚገብሮ ዘበለ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ ኣነ የሆዋ እየ።  “‘ካባኻትኩም ሓደ እኳ ምስ ቀረባ ዘመዱ ጾታዊ ርክብ ኪገብር* ኣይቕረብ።+ ኣነ የሆዋ እየ።  ምስ ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር፣ ምስ ኣዴኻ እውን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። ንሳ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።  “‘ምስ ሰበይቲ ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንኣቦኻ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ።*  “‘ምስ ሓብትኻ፡ ማለት ምስ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት ትወለድ ወይ ኣብ ወጻኢ፡ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ 10  “‘ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ ሕፍረትካ እየን እሞ፡ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 11  “‘ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኻብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 12  “‘ምስ ኣሞኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።+ 13  “‘ሓትኖኻ ቐረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 14  “‘ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ብምግባር፡ ንዕኡ ንሕፍረት ኣይተቃልዓዮ።* ንሳ ዘመድካ እያ።+ 15  “‘ምስ ሰበይቲ ወድኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንሳ ሰበይቲ ወድኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 16  “‘ምስ ሰበይቲ ሓውካ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንሓውካ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ።* 17  “‘ምስ ሰበይትን ምስ ጓላን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ብስጋ ኽትራኸብ ኢልካ ጓል ወዳን ጓል ጓላን ኣይትውሰድ። ንሳተን ቀረባ ኣዝማዳ እየን፣ እዚ ጽያፍ* እዩ። 18  “‘ሓብታ ብህይወታ ኸላ፡ ንሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ሓብታ ኸም መቐናቕንቲ ሰበይቲ ጌርካ ኣይትውሰዳ፡+ ምስኣ እውን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 19  “‘ሰበይቲ ብጻግኒኣ ረኺሳ ኸላ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ኣይትቕረባ።+ 20  “‘ከይትረክስሲ፡ ምስ ሰበይቲ ብጻይካ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ 21  “‘ካብ ዘርእኻ ሓደ እኳ ንሞሌኽ ኪቐርብ* ኣይትፍቀድ።+ በዚ ኸምዚ፡ ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 22  “‘ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ጌርካ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ።+ እዚ ፍንፉን እዩ። 23  “‘ከይረክስሲ፡ ሰብኣይ ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ኣይግበር። ሰበይቲ እውን ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ርእሳ ኣይተቕርብ።+ እዚ ዘይባህርያዊ እዩ። 24  “‘እቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጕጎም ኣህዛብ በዚ ዅሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዅሉ ኣይትርከሱ።+ 25  ስለዚ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት፣ ብሰንኪ ስሕተታ ድማ፡ ኣነ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኸምጽኣላ እየ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ንነበርታ ኽትተፍኦም እያ።+ 26  ንስኻትኩም ግና ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፣+ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓና፡ ካብዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ሓደ እኳ ኣይትግበሩ።+ 27  ከመይሲ፡ እቶም ቅድሜኹም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት ገይሮም እዮም፣+ ስለዚ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት። 28  እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኣህዛብ ኸም እትተፍኦም፡ ንዓኻትኩም እውን ከይትተፍኣኩም። 29  ካብዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ ኵሎም እቶም ከምኡ ዝገበሩ* ኻብ ህዝቦም ኪምንቈሱ እዮም። 30  ብእኡ ኸይትረኽሱስ፡ ከምቲ ቕድሜኹም ዚግበር ዝነበረ ፍንፉን ልምድታት ብዘይምግባር፡+ ኣብ ቅድመይ ዘሎኩም ግዴታ ሓልዉ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ኪቐልዕ።” ኣብዝን ኣብ ዚቕጽል ኣጋጣሚታትን።
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ኣቦኻ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃኑ ኣይትቕላዕ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓውካ እዩ።”
ወይ፡ “ዜሕፍር ተግባር፣ ብዕልግና።”
ወይ፡ “ኪውፈ፣ ኪስዋእ።”
ወይ፡ “ኵለን እተን ከምዚ ዝገበራ ነፍሳት።”