ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 16:1-34

ትሕዝቶ

  • መዓልቲ ዕርቂ (1-34)

16  ድሕሪ ሞት እቶም ናብ የሆዋ ብምቕራቦም ዝሞቱ ኽልቲኦም ደቂ ኣሮን፡+ የሆዋ ንሙሴ ተዛረቦ።  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ ብደበና+ ኣብቲ መኽደኒ ኽርአ እየ እሞ፡+ ንሓውካ ኣሮን፡ ከይመውትሲ፡+ ናብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ+ ዘሎ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደኒ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኸይኣቱ ንገሮ።+  “ኣሮን ናብቲ መቕደስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡+ ንዚሓርር መስዋእቲ+ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ ይምጻእ።  ወለል ዚብል ቅዱስ በፍታ ይከደን፡+ ብስረ* በፍታ+ ድማ ንሰብነቱ* ይኽደን፡ ቅናት በፍታ+ ኸኣ ይተዓጠቕ፡ ርእሱ እውን ብመጠምጠምያ በፍታ+ ይጠምጥም። እዚ፡ ቅዱስ ክዳውንቲ እዩ።+ ብማይ ይተሓጸብ+ እሞ፡ ይልበሶ።  “ካብ ኣኼባ እስራኤላውያን+ ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክልተ ወጠጦ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ይውሰድ።  “ኣሮን ድማ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፣ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ የተዓርቕ።+  “ነቶም ክልተ ወጠጦ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም።  ኣሮን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ወጠጦ ዕጫ የውድቕ፣ እቲ ሓደ ዕጫ ንየሆዋ፡ እቲ ኻልኣይ ዕጫ ድማ ንዓዛዜል* ይኹን።  ኣሮን ከኣ ነቲ ብዕጫ ንየሆዋ ዝበጽሖ ወጠጦ የቕርቦ፡+ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ይሰውኣዮ። 10  እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሖ ወጠጦ ግና፡ ንዓዛዜል ናብ በረኻ ምእንቲ ኺስደድ፡ ብህይወቱ ኸሎ ንምትዕራቑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ይበል።+ 11  “ኣሮን ከኣ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፣ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዓርቕ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዶ።+ 12  “ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ+ ድማ በቲ መትሓዝ ሓዊ+ ገይሩ ጓህሪ መሊኡ ይውሰድ፣ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን+ ከኣ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ፡ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ።+ 13  ከይመውትሲ፡ ነቲ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ ሓዊ ይግበሮ፣+ እቲ ደበና ዕጣን ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር+ ዘሎ መኽደን ታቦት የጐልብቦ።+ 14  “ካብ ደም+ እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ብሸነኽ ምብራቕ ብኣጻብዑ ይንጸግ፣ ካብቲ ደም ከኣ ብኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ።+ 15  “ነቲ ምእንቲ ህዝቢ ዚኸውን ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ይሕረዶ፣+ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ፣+ በቲ ደሙ+ ድማ ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፣ ናብቲ መኽደንን ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደንን ይንጸግ። 16  “ብዛዕባ ርኽሰት እስራኤላውያንን ብዛዕባ ኣበሳኦምን ብዛዕባ ሓጢኣቶምን+ ነቲ መቕደስ የተዓርቆ፣ ነቲ ኣብ መንጎኦም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ። 17  “ኬተዓርቕ ኢሉ ናብቲ መቕደስ ካብ ዚኣትወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ሓደ እኳ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን። ንርእሱን ንቤቱን ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤልን ከኣ የተዓርቕ።+ 18  “ናብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ+ ወጺኡ ኸኣ፡ ንዕኡ የተዓርቆ፣ ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ወጠጦን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይልከዮ። 19  ካብቲ ደም ከኣ ብኣጻብዑ ሸውዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግ፣ ካብ ርኽሰት እስራኤላውያን ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን። 20  “ነቲ መቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ነቲ መሰውእን+ ኣተዓሪቑ ምስ ወድአ ኸኣ፡+ ነቲ ህያው ወጠጦ የቕርቦ።+ 21  ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኣእዳዉ ኣብ ርእሲ እቲ ህያው ወጠጦ የንብር እሞ፡ ኵሉ ስሕተት እስራኤላውያንን ኵሉ ኣበሳኦምን ኵሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ወጠጦ ኸኣ የንብሮ እሞ፡+ ብኢድ ሓደ ነዚ እተመደበ* ሰብኣይ ገይሩ ናብ በረኻ ይስደዶ። 22  እቲ ወጠጦ ኸኣ፡ ንዅሉ ስሕተቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ምድረ በዳ ይጹሮ፣+ ነቲ ወጠጦ ድማ ናብ በረኻ ይስደዶ።+ 23  “ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ እሞ፡ ነቲ ናብቲ መቕደስ ኪኣቱ ኸሎ ዚኽደኖ ኽዳውንቲ በፍታ የውጽኣዮ፣ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ። 24  ኣብ ቅዱስ ቦታ ድማ ሰብነቱ* ብማይ ይተሓጸብ፡+ ክዳውንቱ ኸኣ ይከደን፣+ ወጺኡ ድማ ነቲ ዚሓርር መስዋእቱን+ ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ እቲ ህዝብን+ ይሰውእ፡ ንርእሱን ነቲ ህዝብን ከኣ የተዓርቕ።+ 25  ንስብሒ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ። 26  “እቲ ነቲ ወጠጦ ንዓዛዜል+ ዝሰደደ ኸኣ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ኸኣ ናብ ሰፈር ኪኣቱ ይኽእል እዩ። 27  “እቶም ደሞም ንምትዕራቕ ተባሂሉ ናብቲ መቕደስ ዝኣተወ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣትን ከኣ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ይወሰዱ፣ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ድማ ብሓዊ ይንደድ።+ 28  እቲ ዜንድዶም ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ኸኣ ናብ ሰፈር ኪኣቱ ይኽእል እዩ። 29  “እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም፦ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚቕመጥ ጓና፡ ርእስኹም ኣሕስሙ፡* ገለ ዕዮ እውን ኣይትዕየዩ።+ 30  በታ መዓልቲ እቲኣ ንጹሃት ምእንቲ ኽትብሃሉስ፡ ክትተዓረቑ ኢኹም።+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ክትነጽሁ ኢኹም።+ 31  ንዓኻትኩም ምሉእ ዕረፍቲ እተዕርፉላ ሰንበት እያ፣ ርእስኹም* ከኣ ኣሕስሙ።+ እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 32  “እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ+ ኻህን ኪኸውን እተቐብአን+ እተሸመን* ካህን+ የተዓርቕ፣ ነቲ ኽዳውንቲ በፍታ፡+ ነቲ ቕዱስ ክዳውንቲ ድማ ይከደን።+ 33  ነቲ ቕዱስ መቕደስን+ ንድንኳን ምርኻብን+ ነቲ መሰውእን+ ከኣ የተዓርቕ፣ ንኻህናትን ንዅሉ ህዝቢ እቲ ጉባኤን እውን የተዓርቕ።+ 34  ንእስራኤላውያን ካብ ኵሉ ሓጢኣቶም ሓንሳእ ኣብ ዓመት ንምትዕራቕ፡+ እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም።”+ ንሱ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መረሃጫ።”
ወይ፡ “ንእተቓልዐ ስጋኡ።”
ትርጉሙ፡ “ዚጠፍእ ወጠጦ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “እተዳለወ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋኡ።”
ወይ፡ “ነፍሳትኩም ኣሕስሙ።” ብሓፈሻኡ፡ “ርእስኻ ምሕሳም” ንእተፈላለየ ዓይነት ርእሰ ምሕሳም፡ እንተላይ ንጾም ከም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ።
ወይ፡ “ነፍሳትኩም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ እተመልአ።”