ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 12:1-8

ትሕዝቶ

  • ድሕሪ ሕርሲ ዚግበር ስርዓት ንጽህና (1-8)

12  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰበይቲ እንተ ጠኒሳ፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ርኽሰት ጻግኒኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትረክስ።+  ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።+  ንዚቕጽል 33 መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ደም፡ ገዛእ ርእሳ ተንጽህ። መዓልትታት ንጽህናኣ ኽሳዕ ዚመልኣ ድማ ቅዱስ ዘበለ ኣይትተንኪ፡ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ።  “‘ጓል እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ፡ 14 መዓልቲ ትረክስ። ንዚቕጽል 66 መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ደም፡ ገዛእ ርእሳ ተንጽህ።  ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ንጽህናኣ ምስ መልአት፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸል* ንዚሓርር መስዋእቲ፡+ ጫቚት ርግቢ ወይ ባሬቶ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን ተምጽእ።  ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ፡ የተዓርቃ ኸኣ፡ ካብ ምፍሳስ ደማ እውን ትነጽህ። ወዲ ወይ ጓል ንዝወለደት ዚኸውን ሕጊ እዚ እዩ።  ንበጊዕ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብላ ግና፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ፡+ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ትውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።’”

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።