ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 11:1-47

ትሕዝቶ

  • ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳታት (1-47)

11  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘እትበልዕዎም ህያዋን ፍጡራት* ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦+  ሸዀናኡ እተሰንጠቐን ሸዀናኡ እተመቕለን መጕስዕ ዚመልስን ዘበለ ብልዑ።  “‘ግናኸ፡ መጕስዕ ካብ ዚመልሱ ወይ ሸዀናኦም ካብ እተሰንጠቐ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፦ ገመል መጕስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ።+  ጊሐ+ ድማ መጕስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ።  ማንቲለ ኸኣ መጕስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ።  ሓሰማ+ ድማ ሸዀናኣ እተሰንጠቐን ሸዀናኣ እተመቕለን እያ፡ መጕስዕ ግና ኣይትመልስን እያ። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ።  ካብ ስጋአን ኣይትብልዑ፡ ገምበን እውን ኣይትተንክዩ። ንሳተን ንዓኻትኩም ርኹሳት እየን።+  “‘ኣብ ማያት ካብ ዘሎ ዅሉ እዚ ብልዑ፦ ኣብ ማያት፡ ማለት ኣብ ባሕርታት ወይ ኣብ ኣፍላግ ካብ ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅርፍትን ዘለዎም ዘበለ ብልዑ።+ 10  ኣብ ማያት ካብ ዘለዉ ሓሰኽሰኽ ዚብሉን ካብ ኵሎም ህያዋን ፍጡራትን፡* ኣብ ባሕርታትን ኣብ ኣፍላግን ዚነብሩ ኽንፍን ቅርፍትን ዘይብሎም ዘበሉ ግና፡ ንዓኻትኩም ፍንፉናት እዮም። 11  እወ፡ ንዓኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፣ ካብ ስጋኦም ከኣ ኣይትብልዑ፡+ ንገምቦም እውን ፈንፍንዎ። 12  ኣብ ማያት ዘሎ ኽንፍን ቅርፍትን ዘይብሉ ዅሉ፡ ንዓኻትኩም ፍንፉን እዩ። 13  “‘ካብ በረርቲ ፍጡራት፡ ፍንፉናት ብምዃኖም እትፍንፍንዎም እሞ ዘይብልዑ እዚኣቶም እዮም፦ ንስሪ፡+ ወሓጥ ዓሳ፡ ጸሊም ጉማ፡+ 14  ጉዛ፡ ሊሎ በብዓይነቱ፡ 15  ኳዅ በብዓይነቱ፡ 16  ሰገን፡ ጕንጓ፡ ሮብራ፡ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፡ 17  ንእሽቶ ጕንጓ፡ ኮርሞራንት፡ ነዊሕ ዝእዝኑ ጕንጓ፡ 18  ደርሆ ማይ፡ ሓሓት፡ ጉማ፡ 19  ራዛ፡ ሰብ ጸራድ በብዓይነቱ፡ ኩምብራዛ፡ መንካዕ። 20  ብኣርባዕተ መሓውሩ ዚኸይድ ክንፊ ዘለዎ ዅሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር፡* ንዓኻትኩም ፍንፉን እዩ። 21  “‘ብኣርባዕተ መሓውሮም ካብ ዚኸዱ ኽንፊ ዘለዎም ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ፍጡራት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚኸዱሉ ኣእጋሮም መላግቦ ዘለዎ ኣብ ምድሪ ዚነጥሩሉ ኣእጋር ዘለዎም ጥራይ ብልዑ። 22  ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ በብዓይነቶም ዚፈልሱ ኣንበጣን ካልኦት ዚብልዑ ኣንበጣን+ ዕንጭራርን ጐደበን። 23  ኣርባዕተ ዝመሓውሩ ዅሉ ኽንፊ ዘለዎ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር፡ ንዓኻትኩም ፍንፉን እዩ። 24  በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ዅሉ፡ ክሳዕ ምሸት ይረክስ።+ 25  ገምቦም ዚጸውር ዘበለ ዅሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፣+ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። 26  “‘ኵሉ ሸዀናኡ እተሰንጠቐ፡ ግናኸ ዘይተመቕለን መጕስዕ ዘይመልስን፡ ንዓኻትኩም ርኹስ እዩ። ዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ይረክስ።+ 27  ብኣርባዕተ መሓውሮም ካብ ዚኸዱ ፍጡራት፡ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድ ዘበለ ዅሉ፡ ንዓኻትኩም ርኹስ እዩ። ገምቦም ዚትንኪ ዘበለ ዅሉ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። 28  ገምቦም ዚጸውር ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፣+ ክሳዕ ምሸት እውን ይረክስ።+ እዚኣቶም ንዓኻትኩም ርኹሳት እዮም። 29  “‘ንዓኻትኩም ርኹሳት ዝዀኑ ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ፍጡራት ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ ፍልፈል፡ ኣንጭዋ፡+ ጠበቕ በብዓይነቱ፡ 30  ጥፍንቕ፡ ዓብዪ ጠበቕ፡ ጠበቕ ማይ፡ ሓማት ተመን፡ ነፋሒቶ። 31  እዞም ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ፍጡራት ንዓኻትኩም ርኹሳት እዮም።+ ገምቦም ዚትንኪ ዘበለ ዅሉ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።+ 32  “‘ምስ ሞቱ ዚወድቅዎ ዘበለ ዅሉ፡ ኣቕሓ ዕንጨይቲ ዀነ፡ ክዳን ኰነ፡ ቈርበት ኰነ፡ ወይ ማቕ ይረክስ። ዚዕየዮ ዘበለ ኣቕሓ ኣብ ማይ ይተኣለኽ፣ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ። 33  ዚወድቅዎ ዘበለ ኣቕሓ መሬት ኵሉ ኸኣ፡ ስበርዎ፣ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ድማ ይረክስ።+ 34  ካብ ከምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዝመጸ ማይ ዝኣተዎ ምግቢ ይረክስ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዘሎ ዅሉ ዚስተ መስተ እውን ይረክስ። 35  ገምቦም ዝወደቖ ዘበለ ዅሉ ይረክስ። እቶን ኰነ ወይ ምድጃ ይሰበር። ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንዓኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። 36  ዓይኒ ማይን ማይ ዚዕቈረሉ ሓጽብን ጥራይ ንጹህ ይኹን፣ ገምቦም ዚትንኪ ዘበለ ዅሉ ግና ይረክስ። 37  ገምቦም ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወዲቑ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 38  ኣብ ልዕሊ ዘርኢ፡ ማይ እንተ ተገይሩ እሞ፡ ገለ ኻብ ገምቦም እንተ ወዲቕዎ፡ እቲ ዘርኢ ንዓኻትኩም ርኹስ እዩ። 39  “‘ንምግቢ ዚዀነኩም እንስሳ እንተ ሓሊቑ፡ ገምቡ ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።+ 40  ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ።+ ነቲ ገምቡ ዝጾረ ኸኣ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። 41  ኵሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር ፍንፉን እዩ፣+ ኣይበላዕ። 42  ብኸብዱ ዚንፈሓዅ ዘበለ ፍጡርን ብኣርባዕተ እግሩ ዚኸይድ ዘበለ ፍጡርን ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎም ኣብ ምድሪ ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ዘበሉ ፍጡራት፡ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም።+ 43  ሓሰኽሰኽ ብዚብል ዘበለ ፍጡር ርእስኹም* ኣይተፈንፍኑ፣ ብኣታቶም ድማ ርእስኹም ኣይተርክሱ፡ ዘይንጹሃት እውን ኣይትኹኑ።+ 44  ኣነስ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ፣+ ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡+ ተቐደሱን ቅዱሳት ኩኑን።+ ኣብ ምድሪ ብዚንቀሳቐስ ኵሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር ርእስኹም* ኣይተርክሱ። 45  ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ መሪሐ ዘደይበኩም ዘለኹስ ኣነ የሆዋ እየ፣+ ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡+ ቅዱሳት ኩኑ።+ 46  “‘ብዛዕባ እንስሳታትን ብዛዕባ በረርቲ ፍጡራትን ኣብ ማያት ውንጅርጅር ብዛዕባ ዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን* ኣብ ምድሪ ሓሰኽሰኽ ብዛዕባ ዚብል ኵሉ ፍጡርን፡* እቲ ሕጊ እዚ እዩ፣ 47  እዚ ድማ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብልዑን ዘይብልዑን ህያዋን ፍጡራት ምእንቲ ኽትፈልዩ እዩ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንስሳታት።”
ወይ፡ “ነፍሳትን።”
ወይ፡ “ኵሉ ሓሸራ።”
ወይ፡ “ነፍስኹም።”
ወይ፡ “ነፍስኹም።”
ወይ፡ “ነፍስን።”
ወይ፡ “ነፍስን።”