ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሌዋውያን 10:1-20

ትሕዝቶ

  • ሓዊ የሆዋ ንናዳብን ኣቢሁን ቀተሎም (1-7)

  • ንኻህናት ብዛዕባ ብልዕን መስተን እተዋህቦም ስርዓት (8-20)

10  ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡+ ነናቶም መትሓዝ ሓዊ ወሲዶም፡ ሓዊ ገበሩሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጣን+ ኣንበሩሉ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ዘይተፈቕደ ሓዊ ኣቕረቡ።+  ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ድማ በልዖም እሞ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞቱ።+  ሽዑ፡ ሙሴ ንኣሮን፡ “የሆዋ እተዛረቦ እዚ እዩ፦ ‘ኣብ መንጎ እቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፣+ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ ድማ ክኽበር እየ’” በሎ። ኣሮን ከኣ ስቕ በለ።  ሙሴ ድማ ንሚሻኤልን ንኤሊጻፋንን፡ ደቂ ዑዚኤል፡+ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፡ “ቅረቡ እሞ ንኣሕዋትኩም ካብ ቅድሚ እቲ መቕደስ ናብ ወጻኢ ሰፈር ጾይርኩም ውሰድዎም” በሎም።  ንሳቶም ከኣ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ በቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ጾይሮም ናብ ወጻኢ ወሰድዎም።  ሽዑ፡ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከምዚ በሎም፦ “ከይትሞቱ እሞ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ኣኼባ ኸይቍጥዖስ፡ ርእስኹም ኣይተወንጭሩ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ።+ ነቶም የሆዋ ብሓዊ ዝቐተሎም፡ ኣሕዋትኩም ብዘለዉ ቤት እስራኤል ኪበኽዩሎም እዮም።  ዘይቲ ቕብኣት የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።”+ ንሳቶም ድማ ከም ቃል ሙሴ ገበሩ።  የሆዋ ኸኣ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንስኻን ምሳኻ እውን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ከይትሞቱስ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ።+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም። 10  እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቅዱስን ርኹስን፡ ኣብ መንጎ ዘይንጹህን ንጹህን ንምፍላይ፡+ 11  ንእስራኤላውያን ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦም ስርዓታት ንምምሃር እዩ።”+ 12  ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ነቲ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ውሰድዎ፣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡+ ቅጫ ጌርኩም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ብልዕዎ።+ 13  ካብቲ ንየሆዋ ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ፡ እዚ እጃምካን እጃም ደቅኻን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ብልዕዎ፣+ ከመይሲ፡ ከምኡ እየ ተኣዚዘ። 14  ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን እግሪ ቕዱስ ግደን+ እውን፡ ካብ መስዋእቲ ሕብረት እስራኤላውያን እጃምካን እጃም ደቅኻን ኪኸውን ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ጽሩይ ቦታ ብልዕዎ።+ 15  ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ንምውዝዋዝ፡ እግሪ ቕዱስ ግደን ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ምስቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ስብሕን ኬምጽኡ እዮም፣ እዚ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ ንዓኻን ምሳኻ እውን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ እጃም ይኹን።”+ 16  ሙሴ ኸኣ ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝዀነ ወጠጦ ኣጸቢቑ ደለዮ፣+ ከም ዝሓረረ ድማ ፈለጠ። ሽዑ፡ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ተቘጥዖም፦ 17  “ስሕተት እቲ ኣኼባ ምእንቲ ኽትጾሩን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ኸተተዓርቕዎምን፡ መስዋእቲ ሓጢኣት ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ንዓኻትኩም ከኣ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ቅዱስ ቦታ ዘይበላዕኩምዎ፧+ 18  እንሆ፡ ደሙ ናብ ውሽጢ እቲ መቕደስ ኣይኣተወን።+ ከምቲ እተኣዘዝክዎ፡ ኣብቲ መቕደስ ብርግጽ ክትበልዕዎ ምተገብኣኩም ነይሩ።” 19  ኣሮን ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እንሆ፡ ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን ዚሓርር መስዋእቶምን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕሪቦም እዮም፣+ ንዓይ ከኣ ከምዚ ዝበለ በጺሑኒ እዩ። ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲ፡ ንየሆዋ ባህ መበሎዶ፧” 20  ሙሴ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ዓገበ።

እግረ ጽሑፍ