ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 9:1-23

ትሕዝቶ

  • መሰናድዎ ድሒሩ ዚግበር ፋስጋ (1-14)

  • ደበናን ሓውን ኣብ ልዕሊ ማሕደር (15-23)

9  ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ+ እታ ኻልአይቲ ዓመት፡ የሆዋ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “እስራኤላውያን ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ+ መስዋእቲ ፋስጋ+ የዳልዉ።  ኣብ መበል 14 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ፡ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ኣዳልዉ። ከም ኵሉ ሕግታቱን ከም ኵሉ ስርዓታቱን ጌርኩም ኣዳልውዎ።”+  ሙሴ ኸኣ ንእስራኤላውያን መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ተዛረቦም።  ንሳቶም ድማ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኣብ በረኻ ሲና መስዋእቲ ፋስጋ ኣዳለዉ። እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ከምኡ ገበሩ።  ሬሳ ብምትንካዮም* ዝረኸሱ ሰባት ድማ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ኣይከኣሉን። እቶም ሰባት እቲኦም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣሮንን ቀሪቦም፡+  “ሬሳ ብምትንካይና* ረኺስና ኢና። ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ ኸይነቕርብ ስለምንታይ እንኽልከል፧”+ በልዎ።  ሙሴ ኸኣ፡ “የሆዋ ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኽሰምዕሲ፡ ኣብኡ ጽንሑ” በሎም።+  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 10  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ዝዀነ ሰብ ሬሳ ብምትንካዩ* እኳ እንተ ረኸሰ፡+ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እኳ እንተሎ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ የዳሉ። 11  ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡+ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ጽልግልግ ምስ በለ* የዳልውዎ። ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።+ 12  ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣየትርፉ፣+ ካብ ዓጽሙ ኸኣ ገለ እኳ ኣይስበሩ።+ ከም ኵሉ ሕጊ ፋስጋ ገይሮም የዳልውዎ። 13  ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ንጹህ ክነሱ፡ ወይ ኣብ መገዲ ዘይኰነ ኽነሱ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ንምድላው ዕሽሽ እንተ ኢሉ፡ መስዋእቲ የሆዋ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ስለ ዘየቕረበ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።+ እቲ ሰብ እቲ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 14  “‘ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና እንተሎ፡ ንሱ እውን ንየሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ የዳሉ።+ ከም ሕግን ስርዓትን ፋስጋ ገይሩ ይግበር።+ ንጓና ዀነ ወይ ንወዲ ዓዲ ሓደ ሕጊ ይሃሉኹም።’”+ 15  በታ እቲ ማሕደር እተተኽለላ መዓልቲ ድማ፡+ ደበና ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር፡ ኣጐልበቦ፣ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ግና ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ።+ 16  ወትሩ ከምኡ ይኸውን ነበረ፦ ብመዓልቲ እቲ ደበና የጐልብቦ ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ትርኢት ሓዊ።+ 17  እቲ ደበና ኻብቲ ድንኳን ምስ ዚልዓል፡ እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ይነቕሉ ነበሩ፣+ እቲ ደበና ኣብ ዚጸንሓሉ ቦታ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።+ 18  እስራኤላውያን ብትእዛዝ የሆዋ ይነቕሉ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ኸኣ ይሰፍሩ ነበሩ።+ እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ክሳዕ ዝጸንሐ፡ ሰፊሮም ይጸንሑ ነበሩ። 19  እቲ ደበና ብዙሕ መዓልትታት ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር እንተ ጸንሐ፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ይእዘዝዎ፡ ካብኡ እውን ኣይነቕሉን ነበሩ።+ 20  ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ደበና ንሒደት መዓልትታት ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ይጸንሕ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ብትእዛዝ የሆዋ ሰፊሮም ይጸንሑ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ድማ ይነቕሉ ነበሩ። 21  ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ደበና ኻብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ጥራይ ይጸንሕ ነበረ፣ ንግሆ እቲ ደበና ምስ ተላዕለ ኸኣ፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ምስ ተላዕለ፡ ይነቕሉ ነበሩ።+ 22  እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ክልተ መዓልቲ፡ ወይ ወርሒ፡ ወይ ካብኡ ዝነውሐ ኽሳዕ ዝጸንሐ፡ እስራኤላውያን ሰፊሮም ይጸንሑ፡ ካብኡ ድማ ኣይነቕሉን ነበሩ። ምስ ተላዕለ ግና፡ ይነቕሉ ነበሩ። 23  ብትእዛዝ የሆዋ ይሰፍሩ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ኸኣ ይነቕሉ ነበሩ። ነቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታ ድማ ይሕልዉ ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
ወይ፡ “ብነፍሲ ሰብ።”
ወይ፡ “ብነፍሲ ሰብ።”
ወይ፡ “ብነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”