ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 8:1-26

ትሕዝቶ

  • ኣሮን ሸውዓተ ቐንዴል ኣብርሀ (1-4)

  • ሌዋውያን ነጽሁ፣ ኬገልግሉ ጀመሩ (5-22)

  • ኣብ ኣገልግሎት ሌዋውያን እተገብረ ቐይዲ ዕድመ (23-26)

8  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፦ ‘ቀነዲል ከተብርህ ከለኻ፡ እቲ ሸውዓተ ቐንዴል ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዘሎ ቦታ ይብራህ።’”+  ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረ፦ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ቐነዲል ነቲ ኣብ ቅድሚ ቐዋሚ ቐንዴል+ ዘሎ ቦታ ኸም ዜብርህ ገበሮ።  ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፦ ካብ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ እተሰርሐ ነበረ፣ ካብ ጕንዱ ኽሳዕ ዕምባባታቱ፡ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ እተሰርሐ ነበረ።+ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዘርኣዮ ራእይ+ ኰይኑ እተገብረ ነበረ።  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ውሰዶም፡ ኣንጽሃዮም ከኣ።+  ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፦ ካብ ሓጢኣት ዜንጽህ ማይ ንጸገሎም፡ ብዘሎ ሰብነቶም ድማ ብመላጸ ይላጸዩ፡ ክዳውንቶም እውን ይሕጸቡ፡ ይንጽሁ ኸኣ።+  ድሕርዚ፡ ሓደ ዝራብዕ፡+ ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ይውሰዱ፣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ከኣ ካልእ ዝራብዕ ውሰድ።  ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፣ ንዅሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ኣክቦ።+ 10  ንሌዋውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸተቕርቦም ከለኻ፡ እስራኤላውያን ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ።+ 11  ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፡ ካብ እስራኤላውያን መስዋእቲ ውዝወዛ+ ኪዀኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦም፡* ኣገልግሎት የሆዋ ኸኣ ይግበሩ።+ 12  “ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ዝራብዓት የንብሩ፣+ ንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዓርቖም+ ከኣ፡ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንየሆዋ ሰውኣዮም። 13  ንሌዋውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ደው ኣብሎም እሞ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ኣቕርቦም።* 14  ንሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ፍለዮም፣ ሌዋውያን ድማ ናተይ ኪዀኑ እዮም።+ 15  ድሕሪኡ፡ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ኺኣትዉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኣንጽሃዮም፡ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ድማ ኣቕርቦም።* 16  ከመይሲ፡ ካብ መንጎ እስራኤላውያን ንዓይ እተዋህቡ ውህበት እዮም። ኣብ ክንዲ ዅሎም በዅሪ* እስራኤላውያን፡+ ንዓይ ክወስዶም እየ። 17  ስለምንታይሲ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡+ ኵሉ በዅሪ እስራኤላውያን ናተይ እዩ። በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝቐተልኩላ መዓልቲ፡+ ንዓይ ቀዲሰዮም እየ። 18  ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን ከኣ፡ ንሌዋውያን ክወስዶም እየ። 19  ህዝቢ እስራኤል ናብቲ መቕደስ ብምቕራቦም ናብ እስራኤላውያን መዓት ምእንቲ ኸይወርድ፡+ ሌዋውያን ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉን+ ንእስራኤላውያን ኬተዓርቑን፡ ካብ እስራኤላውያን ንኣሮንን ንደቁን ከም ውህበት ክህቦም እየ።” 20  ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያንን ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም። እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩሎም። 21  ሌዋውያን ከኣ ነጽሁ፡ ክዳውንቶም እውን ሓጸቡ፣+ ድሕሪኡ፡ ኣሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ኣቕረቦም።*+ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዓረቖም።+ 22  ድሕርዚ፡ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ ኣተዉ። ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩሎም። 23  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24  “ንሌዋውያን ዚምልከት እዚ እዩ፦ ካብ ወዲ 25 ዓመት ንላዕሊ፡ ምስቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ጕጅለ ይጸምበር። 25  ካብ ወዲ 50 ዓመት ንላዕሊ ግና፡ ምስቶም ጕጅለ ኻብ ምግልጋል የቋርጽ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ኣየገልግል። 26  ነቶም ኣብ ክንክን ድንኳን ምርኻብ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋቱ ኼገልግል ይኽእል እዩ፣ ኣብቲ ኣብኡ ዚግበር ኣገልግሎት ግና ኣይዕየ። ብዛዕባ ሌዋውያንን ብዛዕባ ሓላፍነታቶምን ከምኡ ግበር።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ይወዝውዞም።”
ቃ.ቃ.፡ “ወዝውዞም።”
ቃ.ቃ.፡ “ወዝውዞም።”
ወይ፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ በዅሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ወዝወዞም።”