ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 7:1-89

ትሕዝቶ

  • ንመመረቕታ ማሕደር ዝቐረበ መባእ (1-89)

7  ሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝወድኣላ መዓልቲ+ ንዕኡን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን+ ቀብኦን+ ቀደሶን። ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡+  እቶም ሹማምንቲ እስራኤል፡+ እቶም ርእስታት ማይ ቤታቶም፡ መባእ ኣቕረቡ። እዞም ኣብቲ ምዝገባ መሪሕነት ዝነበሮም ሹማምንቲ ነገዳት፡  ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላን 12 ብዕራይን፡ ማለት ክልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፡ ነፍሲ ወከፍ ሹም ከኣ ሓደ ብዕራይ ከም መባእ ኣምጽኡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር ድማ ኣቕረብዎ።  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦  “እዚ ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኬገልግል እዩ እሞ፡ ካባታቶም ተቐበሎ፣ ንሌዋውያን ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከምቲ ንኣገልግሎቱ ዜድልዮ ሃቦም።”  ሙሴ ኸኣ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሃቦም።  ንደቂ ጌርሾን ከምቲ ንኣገልግሎቶም ዜድልዮም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሃቦም፣+  ንደቂ መራሪ ድማ ከምቲ ንኣገልግሎቶም ዜድልዮም ኣርባዕተ ሰረገላን ሸሞንተ ብዕራይን ሃቦም፣ እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ነበረ።+  ንደቂ ቀሃት ግና፡ ኣገልግሎቶም ኣብ መቕደስ ስለ ዝነበረ፡+ ነቲ ቕዱስ ነገራት ድማ ኣብ መንኵቦም ይጾርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይሃቦምን።+ 10  እቶም ሹማምንቲ ኸኣ ኣብ መመረቕታ*+ እቲ መሰውኢ፡ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ መባኦም ኣቕረቡ። እቶም ሹማምንቲ መባኦም ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ምስ ኣቕረቡ፡ 11  የሆዋ ንሙሴ፡ “ንመመረቕታ እቲ መሰውኢ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ መባኦም የቕርቡ” በሎ። 12  እቲ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ። 13  መባኡ ኸኣ፦ ብሲቃል መቕደስ*+ 130 ሲቃል* ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 14  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ* ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 15  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣* 16  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 17  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል* ዓመትን። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ።+ 18  ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ መባእ ኣቕረበ። 19  ዘቕረቦ መባእ ከኣ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 20  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 21  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 22  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 23  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ። 24  ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን 25  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 26  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 27  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 28  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 29  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ። 30  ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር 31  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 32  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 33  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 34  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 35  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር እዚ እዩ። 36  ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ 37  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 38  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 39  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 40  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 41  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ እዚ እዩ። 42  ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ጋድ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል 43  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 44  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 45  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 46  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 47  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ። 48  ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ 49  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 50  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 51  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 52  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 53   ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ። 54  ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር 55  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 56  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 57   ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 58  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 59  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር እዚ እዩ። 60  ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም+ ደቂ ብንያም፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ 61  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 62  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 63  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 64  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 65  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ እዚ እዩ። 66  ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ሹም፡ ደቂ ዳን፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ 67  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 68  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 69  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 70  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 71  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ እዚ እዩ። 72  ኣብ መበል 11 መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን 73  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 74  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 75  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 76  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 77  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን እዚ እዩ። 78  ኣብ መበል 12 መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን 79  ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 80  10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 81  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 82  ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 83  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን እዚ እዩ። 84  እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ፡ ካብቶም ሹማምንቲ እስራኤል እተዋህበ መባእ መመረቕታኡ+ እዚ እዩ፦ 12 ጻሕሊ ብሩር፡ 12 ጭሔሎ ብሩር፡ 12 ጽዋእ ወርቂ፡+ 85  ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር 130 ሲቃል ዚምዘን፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ 70 ሲቃል ዚምዘን፡ ኵሉ ኣቕሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ+ 2,400 ሲቃል ኰነ፣ 86  እተን ዕጣን ዝመልኣ 12 ጽዋእ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዓዓሰርተ ሲቃል ዚምዘና፡ ኵሉ ወርቂ እቲ ጽዋኣት 120 ሲቃል ኰነ። 87  ኵሎም እቶም ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ 12 ዝራብዕ፡ 12 ድዑል፡ 12 ገንሸል ዓመት መምስ መስዋእቲ እኽሊ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ 12 ወጠጦ፣ 88  ኵሎም እቶም ንመስዋእቲ ሕብረት ዚዀኑ ኸብቲ ድማ፡ 24 ብዕራይ፡ 60 ድዑል፡ 60 ድቤላ፡ 60 ገንሸል ዓመት ኰኑ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ+ እተዋህበ መባእ መመረቕታኡ+ እዚ እዩ። 89  ሙሴ ምስ ኣምላኽ* ንምዝራብ+ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዚኣቱ፡ ካብ ልዕሊ መኽደን ታቦት ምስክር፡+ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል+ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፣ ኣምላኽ ከኣ ይዛረቦ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ወፈያ።”
ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ንእሽቶ ጭሔሎ።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ምስኡ።”