ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 5:1-31

ትሕዝቶ

  • ንርኹስ ምውሻብ (1-4)

  • ኑዛዘን ካሕሳን (5-10)

  • ብዝሙት ንእተጠርጠረት ብማይ ምፍታን (11-31)

5  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንዅሉ ድዉይን+ ንዅሉ ፈሳሲ ዚክዓዎን+ ንዅሉ ብምዉት ሰብ* ዝረኸሰን+ ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም።  ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ ኣውጽእዎም። ንሰፈራት እቶም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘለኹ+ ምእንቲ ኸይብክሉ፡+ ካብ ሰፈር ኣውጽእዎም።”  እስራኤላውያን ከኣ ከምኡ ገበሩ፡ ካብ ሰፈር ድማ ኣውጽእዎም። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ፡ እስራኤላውያን ከምኡ ገበሩ።  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ሓደ ኻብቲ ሰብ ዚገብሮ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ ንየሆዋ ኸኣ እንተ ጠሊምዎ፡ እቲ ሰብ* እቲ በዳሊ ዀይኑ ኣሎ።+  እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ፡*+ ምሉእ ካሕሳ በደሉ ኸኣ ይምለስ፡ ሓምሻይ ኣፍ ድማ ይወስኸሉ፡+ ነቲ ዝበደሎ እውን ይሃቦ።  እቲ እተበደለ፡ ነቲ ኻሕሳ ዚቕበል ናይ ቀረባ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፡ ናብ የሆዋ ይመለስ፡ ምስቲ ዜተዓርቐሉ ድዑል ዕርቂ ድማ፡ ናይቲ ኻህን ይኹን።+  “‘ካብ እስራኤላውያን ንኻህን ዚቐርብ ኵሉ ቕዱስ መባእ፡+ ናቱ ይኹን።+ 10  ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅዱስ ነገር፡ ናቱ ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኻህን ዚህቦ፡ ናይቲ ኻህን ይኹን።’” 11  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንሰብኣይ፡ ሰበይቱ ስሒታ እንተ ጠሊማቶ፡ 13  ካልእ ሰብኣይ ከኣ ምስኣ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡+ እዚ ግና ብሰብኣያ እንተ ዘይተፈሊጡ፡ ካብኡ ኸኣ እንተ ተሰቲሩ፡ ማለት ረኺሳ ኽነሳ፡ ምስክር እንተ ዘይተረኺቡላ እሞ እንተ ዘይተታሒዛ፡ ከምዚ ይገበር፦ 14  እቲ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ምስ ረኸሰት እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ ወይ ሰበይቱ ኸይረኸሰት እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ 15  እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ። ምስኣ ድማ መስዋእታ ዚኸውን ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ሓርጭ ስገም የምጽእ። ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ፡ ማለት በደል ዜዘክር መስዋእቲ እኽሊ ስለ ዝዀነ፡ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፡ ጻዕዳ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ። 16  “‘እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ።+ 17  እቲ ኻህን ከኣ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቕዱስ ማይ ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ ገለ ኻብቲ ኣብ ባይታ እቲ ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ፡ ኣብቲ ማይ ይግበሮ። 18  እቲ ኻህን ከኣ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ፡ ጸጕሪ እታ ሰበይቲ ድማ ይፍታሕ፡ ነቲ ንመዘከርታ ዚኸውን መስዋእቲ እኽሊ፡ ማለት ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ኣብ ኢዳ የንብር፣ እቲ ኻህን ከኣ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሓዝ።+ 19  “‘እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ ኸምዚ ኢሉ የምሕላ፦ “ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣይኪ ኸለኺ፡+ ካልእ ሰብኣይ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይገይሩ፡ እንተ ዘይስሒትክን እንተ ዘይረኺስክን፡ ካብ ሳዕቤን እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ እዚ ሓራ ኹኒ። 20  ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣይኪ ኸለኺ፡ ስሒትኪ እንተ ረኺስኪ፡ ብዘይካ ምስ ሰብኣይኪ ድማ ምስ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ እንተ ጌርኪ+ ግና፡—” 21  ሽዑ፡ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ዜጠቓልል ማሕላ የምሕላ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነታ ሰበይቲ ኸምዚ ይበላ፦ “የሆዋ ንሰለፍኪ* ብምውዳቑን* ንኸብድኺ ብምንፋሑን፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ። 22  እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ንኸብድኺ ኺነፍሕን ንሰለፍኪ* ኼውድቕን* ናብ ኣምዑትኪ ይእቶ።” እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ኣሜን! ኣሜን!”* ትበል። 23  “‘እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፎ፡ በቲ መሪር ማይ ድማ ይደምስሶ። 24  ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ የስትያ፣ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ድማ ናብኣ ይእቶ እሞ፡ ይምረራ። 25  እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ+ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዞ፡ ናብቲ መሰውኢ እውን የቕርቦ። 26  እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ ኪኸውን ዕማዅ ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣+ ድሕሪኡ፡ ነታ ሰበይቲ፡ እቲ ማይ የስትያ። 27  ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ዀይና፡ ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ናብኣ ኣትዩ ኺመርራ እዩ፣ ከብዳ ኸኣ ኪንፋሕ እዩ፡ ሰለፋ* ድማ ኪወድቕ* እዩ፣ እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ መንጎ ህዝባ መራገሚ ኽትከውን እያ። 28  እታ ሰበይቲ እንተ ዘይረኺሳ፡ ንጽህቲ ድማ እንተ ዀይና ግና፡ ካብዚ መቕጻዕቲ እዚ ሓራ ኽትከውን እያ፣ ክትጠንስን ዘርኢ ኽትረክብን እያ። 29  “‘ሕጊ ቕንኢ እዚ እዩ፦+ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣያ ኸላ፡ እንተ ስሒታን እንተ ጠሊማቶን፡ 30  ወይ ሰብኣይ እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ ንሰበይቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኵሉ እዚ ሕጊ እዚ ይግበረላ። 31  እቲ ሰብኣይ ድማ ካብ በደል ሓራ ይኸውን፣ ሰበይቱ ግና ብበደላ ተሓታቲት ክትከውን እያ።’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ይናዘዙ።”
ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 2.2 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ንኣካላት መፍረ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ብምምህማኑን።” እዚ ንምምካን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ንኣካላት መፍረ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ኼማህምንን።” እዚ ንምምካን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ይኹን! ይኹን!”
ንኣካላት መፍረ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ኪምህምን።” እዚ ንምምካን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።