ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 4:1-49

ትሕዝቶ

  • ኣገልግሎት ቀሃታውያን (1-20)

  • ኣገልግሎት ጌርሾናውያን (21-28)

  • ኣገልግሎት መራራውያን (29-33)

  • ክለሳ እቲ ቘጸራ (34-49)

4  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦  “ካብ መንጎ ደቂ ሌዊ፡ ደቂ ቀሃት+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ይቈጸሩ።  እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዚዓዪ ጕጅለ እተመደቡ+ ኻብ ወዲ 30+ ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት+ ዘበሉ ዅሎም ይቈጸሩ።  “ደቂ ቀሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዚዓይዎ+ ቕዱስ ቅዱሳን ዝዀነ ኣገልግሎት እዚ እዩ፦  እቲ ሰፈር ምስ ዚነቅል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ+ የውርድዎ፡ ነቲ ታቦት+ ምስክር ከኣ ብእኡ ይኽደንዎ።  ቈርበት ታሓሽ* ኣብ ልዕሊኡ ገይሮም ይኽደንዎ፡ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዓለባ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይግበሩሉ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትውዎ።  “ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ+ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ነቲ ጻሕልታትን ጽዋኣትን ጭሔሎታትን ዓታሩ መስዋእቲ መስተን የንብሩ፣+ እቲ ወትሩ ዚቐርብ እንጌራ+ ድማ ኣብኡ ይኹን።  ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ውጹእ ቀይሕ ዓለባ ይዘርግሑ፡ ብቘርበት ታሓሽ* ድማ ይኽደንዎ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትውዎ።  ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ ነቲ ዚበርህ ቀዋሚ ቐንዴልን+ ነቲ ቐነዲሉን+ ነቲ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን ነቲ ናቱ መትሓዚታት ሓውን+ ንዅሉ እቲ መመላእታኡ ዚኸውን ዘይቲ ዚሕዙሉ ኣቕሑኡን ይኽደንዎ። 10  ነዝን ንዅሉ ኣቕሑኡን ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ድማ ኣብ መሰላ* የንብርዎ። 11  ኣብ ልዕሊ እቲ ወርቃዊ መሰውኢ+ እውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፣ ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ከኣ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ ኣብ ቦታኡ የእትውዎ። 12  ንዅሉ እቲ ወትሩ ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣቕሑ+ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ የንብርዎ፡ ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ከኣ ኣብ መሰላ* የንብርዎ። 13  “ነቲ ሓምዅሽቲ* ድማ ካብቲ መሰውኢ+ ይጕሓፍዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጁዅ ዝሕብሩ ዓለባ ጸምሪ ይዘርግሑ። 14  ንዅሉ እቲ ኣብቲ መሰውኢ ዜገልግሉሉ ኣቕሑ፡ ነቲ መትሓዚታት ሓውን ሻኳታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ኵሉ ኣቕሑ እቲ መሰውእን+ ኣብ ልዕሊኡ የንብሩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ቈርበት ታሓሽ* ይዘርግሑ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትዉዎ። 15  “እቲ ሰፈር ኪነቅል ከሎ፡ ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን+ ንዅሉ ኣቕሑ እቲ መቕደስን ከዲኖም ይወድኡ። ድሕሪኡ፡ ደቂ ቀሃት መጺኦም ይጹርዎ፡+ ምእንቲ ኸይሞቱ ግና ነቲ መቕደስ ኣይተንክይዎ።+ እቲ ምስ ድንኳን ምርኻብ ዚተሓሓዝ ሓላፍነት* ደቂ ቀሃት እዚ እዩ። 16  “ሓላፍነት ኣልኣዛር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ድማ ሓለዋ* ዘይቲ መብራህትን+ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ናይ ወትሩ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን እዩ።+ ሓለዋ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፡ እንተላይ መቕደስን ኣቕሑኡን፡ ሓላፍነቱ እዩ።” 17  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 18  “ነገድ ዓሌታት ቀሃታውያን+ ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይመንቈሱ። 19  ኪነብሩ እምበር፡ ናብቲ ቕዱስ ቅዱሳን ብምቕራቦም ምእንቲ ኸይሞቱ፡+ እዚ ግበሩሎም። ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣገልግሎቶምን ኣብ ጸጾሮምን ይመድብዎም። 20  ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ቕዱስ ነገራት ንቕጽበት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”+ 21  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 22  “ደቂ ጌርሾን+ በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ይቈጸሩ። 23  ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝግቦም። 24  ዓሌታት ጌርሾናውያን እተመደብዎ ኣገልግሎትን ጾርን እዚ እዩ፦+ 25  ምጻር ዓለባታት ድንኳን እቲ ማሕደርን+ እቲ ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚድረብ ቈርበት ታሓሽን*+ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን+ 26  መኸወሊታት* ኣጸድን+ መጋረዲ* ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን+ ኣግማዱን ኣቕሑኡን ኵሉ እቲ ንኣገልግሎቱ ዚኸውንን እዩ። ዕዮኦም እዚ እዩ። 27  ኵሉ ኣገልግሎትን ጾርን ጌርሾናውያን+ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኣሮንን ደቁን ይኹን። እዚ ዅሉ ጾር ሓላፍነቶም ኪኸውን መድብዎ። 28  ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፣+ ሓላፍነታቶም ከኣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር+ ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። 29  “ንደቂ መራሪ+ ድማ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝግቦም። 30  ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝግቦም። 31  ነቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዘለዎም ኣገልግሎት ብእተተሓሓዘ ዚጾርዎ ሓላፍነት እዚ እዩ፦+ መቓናት ሉሕ+ እቲ ማሕደርን ተገዳማቱን+ ኣዕኑዱን+ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ 32  ኣዕኑድ+ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ ሽኻላቱን+ ኣግማዱ ምስ ኵሉ ኣቕሑኡን ምስዚ ዚተሓሓዝ ኵሉ ኣገልግሎትን። በብስሞም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኺጾርዎ እተዋህቦም ሓላፍነት መድብዎም። 33  ዓሌታት ደቂ መራሪ+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ዜገልግልዎ ኣገልግሎት እዚ እዩ።”+ 34  ድሕርዚ፡ ሙሴን ኣሮንን ሹማምንቲ+ እቲ ኣኼባን ንደቂ ቀሃታውያን+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝገብዎም፣ 35  ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝገብዎም።+ 36  ድምር እቶም በብዓሌቶም እተመዝገቡ 2,750 ነበረ።+ 37  እቶም ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን እተመዝገቡ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም። ሙሴን ኣሮንን በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ መዝገብዎም።+ 38  ደቂ ጌርሾን+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ፣ 39  እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም ተመዝገቡ። 40  ድምር እቶም በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን እተመዝገቡ 2,630 ነበረ።+ 41  እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሾን እተመዝገቡ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም። ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ የሆዋ መዝገብዎም።+ 42  ደቂ መራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ፣ 43  እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም ተመዝገቡ።+ 44  ድምር እቶም በብዓሌቶም እተመዝገቡ 3,200 ነበረ።+ 45  እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተመዝገቡ፡ እቶም ሙሴን ኣሮንን በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ዝመዝገብዎም እዚኣቶም እዮም።+ 46  ሙሴን ኣሮንን ሹማምንቲ እስራኤልን ንዅሎም እዞም ሌዋውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝገብዎም፣ 47  ካብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ነበሩ፣ ኵላቶም ድማ ምስ ድንኳን ምርኻብ ብዚተሓሓዝ ኬገልግሉን ኪጾሩን ተመደቡ።+ 48  ድምር እቶም እተመዝገቡ 8,580 ነበረ።+ 49  ብትእዛዝ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም እተመደበሉ ኣገልግሎትን ጾርን ተመዝገቡ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ተመዝገቡ።

እግረ ጽሑፍ

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ኸም ቃሬዛ ዝበለ መጾሪ።
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ኸም ቃሬዛ ዝበለ መጾሪ።
ማለት፡ ብስብሒ እቲ መስዋእቲ ዝጠስጠሰ ሓምዅሽቲ።
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ጾር።”
ወይ፡ “ሓላፍነት።”
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”