ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 36:1-13

ትሕዝቶ

  • ወረስቲ ንዝዀና ኣዋልድ እተዋህበ ሕጊ መርዓ (1-13)

36  ርእስታት ዓሌት ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡+ ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ናብ ቅድሚ ሙሴን ናብ ቅድሚ እቶም ርእስታት እስራኤላውያን ዝዀኑ ሹማምንትን ቀሪቦም ተዛረቡ።  ከምዚ ድማ በሉ፦ “የሆዋ ንጐይታይ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤላውያን ርስቲ ኽትከውን ብዕጫ ኺዕድሎም ኣዚዝዎ እዩ፣+ የሆዋ ድማ ንጐይታይ፡ ርስቲ ሓውና ጸሎፍሓድ፡ ንኣዋልዱ ኺህበን ኣዚዝዎ እዩ።+  ንሳተን ካብ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ሰብኡት እንተ ተመርዕየን፡ ርስቲ እተን ኣንስቲ ኻብ ርስቲ ኣቦታትና ኺውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ተመርዕየን ዝኸዳኦ ነገድ ድማ ኪውሰኽ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብቲ ብዕጫ እተረስተናዮ ኺንከ እዩ።  ንህዝቢ እስራኤል ዓመት እልልታ+ ምስ ኰነሎም ከኣ፡ ርስቲ እተን ኣንስቲ ናብ ርስቲ እቲ ተመርዕየን ዝኸዳኦ ነገድ ኪውሰኽ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ርስተን ካብ ርስቲ ነገድ ኣቦታትና ኺንከ እዩ።”  ሙሴ ድማ ብትእዛዝ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ።  የሆዋ ንኣዋልድ ጸሎፍሓድ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፦ ‘ንዝደለያኦ ይመርዓዋ፣ ግናኸ፡ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦአን ጥራይ ይኹን።  እስራኤላውያን ርስቲ ነገድ ኣቦታቶም የጽንዑ እምበር፡ ርስቲ እስራኤላውያን ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ።  ካብ ነገዳት እስራኤል ርስቲ እተረስተየት ዘበለት ጓል ድማ፡ ካብ ነገድ ኣቦኣ ንእተወልደ፡ ሰበይቱ ትኹን፣+ በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ርስቲ ኣቦታቶም ኪርስተዩ ይኽእሉ።  ነገዳት እስራኤል ረርስቶም የጽንዑ እምበር፡ ርስቲ ዘበለ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።’” 10  ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ።+ 11  ስለዚ፡ እተን ማሕላ፡ ቲርጻ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ኖዓ ዚብሃላ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ፡+ ንደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ። 12  ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ንእተወልዱ ሰብኡት፡ ኣንስቲ ዀና፣ በዚ ኸምዚ፡ ርስተን ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦአን ተረፈ። 13  እቲ የሆዋ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡ ንእስራኤላውያን ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ