ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 35:1-34

ትሕዝቶ

  • ከተማታት ሌዋውያን (1-8)

  • ከተማታት ዕቝባ (9-34)

35  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ+ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን፡ ካብቲ ዚርስተይዎ ርስቲ ንሌዋውያን ዚነብሩለን ከተማታት ኪህብዎም፡ ኣዝዞም፣+ ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ መጓሰዪ እውን ንሌዋውያን ይሃብዎም።+  ንሳቶም ከኣ ነተን ከተማታት ይንበሩለን፣ እቲ መጓሰዪታት ድማ ንማሎምን ንጥሪቶምን ንዅሉ ኻልእ እንስሳኦምን ይኹን።  እቲ ንሌዋውያን እትህብዎም ናይተን ከተማታት መጓሰዪታት፡ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ፡ 1,000 እመት* ይኹን።  ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ኣብ ማእከል ሓዲግኩም፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ምብራቕ፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ደቡብ፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ምዕራብ፡ 2,000 እመት ድማ ብሸነኽ ሰሜን ለክዑ። እዚ ነተን ከተማታቶም መጓሰዪታት ኪኸውን እዩ።  “እተን ንሌዋውያን እትህብወን ከተማታት፡ ሰብ ዝቐተለ ኪሃድመለን እትህብወን 6 ኸተማታት ዕቝባ፡+ ኣብ ልዕሊአን ድማ 42 ከተማታት ይኹና።  ብድምር ከኣ ንሌዋውያን 48 ከተማታት፡ መምስ መጓሰዪታተን ሃብዎም።+  እተን እትህብዎም ከተማታት፡ ካብ ርስቲ እስራኤላውያን ሃብዎም።+ ካብቶም ብዙሓት፡ ብዙሓት ውሰዱ፣ ካብቶም ሒደት ድማ፡ ሒደት ውሰዱ።+ ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ እተረስተዮ ርስቲ፡ ካብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።”  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 10  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ትኣትዉ ኣለኹም።+ 11  ብዘይፍላጥ ሰብ* ዝቐተለ ዚሃድመለን ከተማታት ዕቝባ ኪዀና፡ ንዓኻትኩም ዚምሽኣ ኸተማታት ሕረዩ።+ 12  እቲ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኸይቈመ ምእንቲ ኸይመውት፡+ እተን ከተማታት እቲአን ንዓኻትኩም ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ይኹናኹም።+ 13  እተን እትህብወን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ኪዀና እየን። 14  ሰለስተ ኸተማ ኣብ ክነጀው ሸነኽ ዮርዳኖስ፡+ ሰለስተ ኸተማ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ከተማታት ዕቝባ ኪዀና ሃቡ። 15  እተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ እቲአን ንእስራኤላውያንን ንጓናን+ ኣብ መንጎኹም ንዘሎ ሰፋርን፡ ኰታስ ብዘይፍላጥ ሰብ* ንዝቐተለ ዘበለ ዅሉ ዚሃድመለን መዕቈቢ ይኹና።+ 16  “‘ግናኸ፡ ብንዋት ሓጺን እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል።+ 17  ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ ድማ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል። 18  ኪቐትል ብዚኽእል ንዋት ዕንጨይቲ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ ድማ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል። 19  “‘እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ይቕተሎ። ምስ ዚረኽቦ፡ ባዕሉ ይቕተሎ። 20  ብጽልኢ እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ሓሊኑ* ገለ ነገር እንተ ደርብዩሉ እሞ እንተ ሞይቱ፡+ 21  ወይ ብጽልኢ ተደሪኹ ብኢዱ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ዝወቕዐ ብርግጽ ይቀተል። ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ምስ ዚረኽቦ፡ ይቕተሎ። 22  “‘ግናኸ፡ ብጽልኢ ዘይኰነስ፡ ብድንገት እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ከይሓለነ* ኣቕሓ እንተ ደርብዩሉ፡+ 23  ወይ ከይረኣዮ እምኒ እንተ ደርብዩሉ፡ ጸላኢኡ ወይ ጕድኣቱ ዚደሊ ድማ እንተ ዘይነይሩ እሞ እቲ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ 24  ሽዑ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቲ ዝወቕዐን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳይ ደምን በዚ ፍርዲ እዚ ይፍረድ።+ 25  እቲ ኣኼባ ነቲ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም የድሕኖ፣ ናብታ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ዕቝባ ኸኣ ይምለሶ፣ እቲ ብቕዱስ ዘይቲ እተቐብአ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብኣ ይቀመጥ።+ 26  “‘ግናኸ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ዶብ እታ ዝሃደመላ ኸተማ ዕቝባኡ እንተ ወጺኡ፡ 27  እቲ ፈዳይ ደም ከኣ ኣብ ወጻኢ ዶብ እታ ኸተማ ዕቝባኡ እንተ ረኺብዎ እሞ ነቲ ሰብ ዝቐተለ እንተ ቐቲልዎ፡ ዕዳ ደም የብሉን። 28  ከመይሲ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ ዕቝባኡ ኪቕመጥ ይግብኦ ነይሩ እዩ፣ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና፡ ናብታ ምድሪ ርስቱ ኺምለስ ይኽእል እዩ።+ 29  እዚ ድማ ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ንውሉድ ወለዶኹም ንፍርዲ ዚኸውን ሕጊ ይኹነልኩም። 30  “‘ሰብ* ዝቐተለ ዘበለ ቐታል ነፍሲ ብምስክርነት* መሰኻኽር ይቀተል፣+ ብምስክርነት ሓደ ምስክር ጥራይ ግና፡ ሓደ* እኳ ኣይቀተል። 31  ሞት ዚግብኦ ቐታል ነፍሲ ብርግጽ ይቀተል ደኣ እምበር፡ ካብኡ ጋር ነፍሲ* ኣይትቀበሉ።+ 32  ናብ ከተማ ዕቝባኡ ኻብ ዝሃደመ እውን፡ ሊቀ ኻህናት ከይሞተ ናብ ምድሩ ተመሊሱ ምእንቲ ኪቕመጥ ኢልኩም፡ ጋር ኣይትቀበሉ። 33  “‘ደም ንምድሪ ይብክላ እዩ እሞ፡ ነታ እትነብሩላ ምድሪ ኣይትበክልዋ፣+ ኣብ ምድሪ ንዝፈሰሰ ደም ከኣ፡ ብዘይካ ብደም እቲ ዘፍሰሶ፡ ብኻልእ ዕርቂ የልቦን።+ 34  ኣነ የሆዋ ኣብ ማእከል ህዝቢ እስራኤል እነብር ኣለኹ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝነብረላ፡ ንስኻትኩም ድማ እትቕመጡላ ምድሪ ኣይተርክስዋ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣድብዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከየድበየ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኣፍ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።