ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 34:1-29

ትሕዝቶ

  • ዶባት ከነኣን (1-15)

  • ነታ ምድሪ ኺመቕሉ እተመዘዙ ሰባት (16-29)

34  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡+ ወሰናት እታ ርስቲ ዀይና እትውሃበኩም ምድሪ፡ ማለት ምድሪ ከነኣን፡ እዚ እዩ።+  “‘ደቡባዊ ዶብኩም ካብቲ ኣብ ጐድኒ ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ኣትሒዙ ይኺድ፣ ብምብራቕ ዘሎ ናይ ደቡብ ዶብኩም ድማ ካብ ጫፍ ባሕሪ ጨው* ይኹን።+  ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም+ ሓሊፉ ናብ ጺን ምእንቲ ኪቕጽል ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ኸኣ ደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ይኹን። ብሓጻር-ኣዳር+ ኣቢሉ ኸይዱ ድማ ናብ ዓጽሞን ይቐጽል።  እቲ ዶብ ኣብ ዓጽሞን ናብ ርባ* ግብጺ ኣቢሉ ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ድማ ባሕሪ* ይኹን።+  “‘ምዕራባዊ ዶብኩም እቲ ዓብዪ ባሕርን* ገማግሙን ይኹን። ምዕራባዊ ዶብኩም እዚ ይኹን።+  “‘ሰሜናዊ ዶብኩም ከኣ እዚ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ምልክት ዶብኩም ግበሩ።+  ካብ ከረን ሆር ክሳብ ለቦ-ሓማት*+ ምልክት ዶብ ግበሩ፣ ጫፍ እቲ ዶብ ድማ ኣብ ጸዳድ ይኹን።+  እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ሓጻር-ዔናን ይኹን።+ ሰሜናዊ ዶብኩም እዚ ይኹን። 10  “‘ብምብራቕ ድማ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳብ ሼፋም ዶብኩም ኪኸውን ምልክት ግበሩ። 11  እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ናብ ምብራቕ ዓዪን ኣቢሉ ይኺድ፣ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ፡ ምብራቓዊ ቝልቍለት ባሕሪ ኪነረት* ይሳገር።+ 12  እቲ ዶብ ድማ ናብ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ባሕሪ ጨው ይኹን።+ ምድርኹምን ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶባታን እዚ ይኹን።’”+ 13  ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ከምቲ የሆዋ ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትውሃብ ዝኣዘዞ ጌርኩም ብዕጫ ተማቒልኩም እትርስተይዋ ምድሪ እዚኣ እያ።+ 14  ነገድ ሮቤላውያን በብማይ ቤቶምን ነገድ ጋዳውያን በብማይ ቤቶምን ፍርቂ ነገድ ምናሴንሲ ርስቶም ወሲዶም እዮም።+ 15  እቶም ክልተ ነገድን ፈረቓን ናብ ምብራቕ እቲ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ዘሎ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ርስቶም ወሲዶም እዮም።”+ 16  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17  “ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ዚመቕሉኹም ሰባት እዚ እዩ፦ ካህን ኣልኣዛርን+ እያሱ+ ወዲ ነዌን። 18  ነታ ምድሪ ንርስትኹም ምእንቲ ኽትመቕልዋ ድማ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ።+ 19  ስማት እቶም ሰባት እዚ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፡+ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፣ 20  ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፡+ ሸሙኤል ወዲ ዓሚሁድ፣ 21  ካብ ነገድ ብንያም፡+ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን፣ 22  ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡+ ሹም ቡቂ ወዲ ዩግሊ፣ 23  ካብ ደቂ ዮሴፍ፡+ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡+ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ፣ 24  ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡+ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን፣ 25  ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡+ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ፣ 26  ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡+ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን፣ 27  ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡+ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ፣ 28  ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡+ ሹም ጰዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።” 29  እቶም ንእስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ከነኣን ምድሪ ኺመቕልዎም የሆዋ ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ “ምዉት ባሕሪ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡ ወይ ባሕሪ መዲተራነያን።
ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”
ማለት፡ ቀላይ ጌንሳሬጥ፡ ወይ ባሕሪ ገሊላ።