ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 33:1-56

ትሕዝቶ

  • ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ እተጓዕዝዎ ጕዕዞ (1-49)

  • ከነኣን ንምሓዝ እተዋህበ ትእዛዝ (50-56)

33  ህዝቢ እስራኤል በብሰራዊቶም+ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሙሴን ኣሮንን+ ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡+ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዙ ዝገበርዎ ጕዕዞ እዚ እዩ።  ሙሴ ነቲ ብትእዛዝ የሆዋ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኺጕዓዙ ኸለዉ ዚነቕሉሉ ቦታታት ይምዝግቦ ነበረ፣ እቲ ኻብ ሓደ ዚነቕሉሉ ቦታ ናብ ካልእ እተጓዕዝዎ ጕዕዞ እዚ እዩ፦+  ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ።+ ድሕሪ ፋስጋ ኣብ ዘላ መዓልቲ፡+ እስራኤላውያን ብትብዓት* ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ግብጻውያን ወጹ።  ግብጻውያን ከኣ ነቶም የሆዋ ኣብ መንጎኦም ዝቐተሎም ኵሎም በዅራት ይቐብሩ ነበሩ፣+ የሆዋስ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶም ፍርዲ ፈጺሙ ነበረ።+  እስራኤላውያን ከኣ ካብ ራዕምሴስ ነቒሎም፡ ኣብ ሱኮት ሰፈሩ።+  ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ።+  ካብ ኤታም ነቒሎም ከኣ፡ ናብታ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ዘላ ጲሃሒሮት ተመልሱ፣+ ኣብ መንጽር ሚግዶል ድማ ሰፈሩ።+  ካብ ጲሃሒሮት ነቒሎም ከኣ፡ ብማእከል ባሕሪ+ ገይሮም ናብ በረኻ+ ተሳገሩ፣ ኣብ በረኻ ኤታም+ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ድማ፡ ኣብ ማራ ሰፈሩ።+  ካብ ማራ ነቒሎም ከኣ፡ ናብ ኤሊም መጹ። ኣብ ኤሊም ድማ 12 ዓይኒ ማይን 70 ኦም ተምርን ነበረ፣ ስለዚ፡ ኣብኣ ሰፈሩ።+ 10  ካብ ኤሊም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ሰፈሩ። 11  ካብ ቀይሕ ባሕሪ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ።+ 12  ካብ በረኻ ሲን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዶፍቃ ሰፈሩ። 13  ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ። 14  ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብታ ነቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ዘይነበራ ረፊዲም ሰፈሩ።+ 15  ካብ ረፊዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲና ሰፈሩ።+ 16  ካብ በረኻ ሲና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባ ሰፈሩ።+ 17  ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጸሮት ሰፈሩ።+ 18  ካብ ሓጸሮት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ። 19  ካብ ሪትማ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሞን-ጰሬጽ ሰፈሩ። 20  ካብ ሪሞን-ጰሬጽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሊብና ሰፈሩ። 21  ካብ ሊብና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ። 22  ካብ ሪሳ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ። 23  ካብ ቄሄላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረን ሸፈር ሰፈሩ። 24  ካብ ከረን ሸፈር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ። 25  ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ። 26  ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከኣ፡+ ኣብ ታሓት ሰፈሩ። 27  ካብ ታሓት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ። 28  ካብ ታራ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ። 29  ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ። 30  ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። 31  ካብ ሞሴሮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ብነ-ያዓቃን ሰፈሩ።+ 32  ካብ ብነ-ያዓቃን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሖር-ሃጊድጋድ ሰፈሩ። 33  ካብ ሖር-ሃጊድጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ።+ 34  ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ። 35  ካብ ዓብሮና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ሰፈሩ።+ 36  ካብ ዔጽዮን-ገበር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ በረኻ ጺን፡+ ማለት ቃዴስ፡ ሰፈሩ። 37  ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ።+ 38  ካህን ኣሮን ከኣ ብትእዛዝ የሆዋ ናብ ከረን ሆር ደየበ፣ እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል 40 ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ ድማ ኣብኡ ሞተ።+ 39  ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ 123 ዓመት ነበረ። 40  ንጉስ ዓራድ፡+ እቲ ኣብ ነጌብ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዚቕመጥ ዝነበረ ከነኣናዊ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ከም ዝመጹ ሰምዐ። 41  ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡+ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ። 42  ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ። 43  ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።+ 44  ካብ ኦቦት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ ዶብ ሞኣብ ዘሎ ዒየ-ዓባሪም ሰፈሩ።+ 45  ካብ ዒዪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዲቦን-ጋድ ሰፈሩ።+ 46  ካብ ዲቦን-ጋድ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ሰፈሩ። 47  ካብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ኔቦ+ ዘሎ ኣኽራን ዓባሪም+ ሰፈሩ። 48  ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ሰፈሩ።+ 49  ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤት-የሺሞት ክሳብ ኣቤል-ሺጢም፡+ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ሰፈሩ። 50  የሆዋ ድማ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 51  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ትኣትዉ ኣለኹም።+ 52  ንዅሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም፣ ኵሉ ቕሩጽ ኣእማኖምን+ ኵሉ ፍሱስ ምስልታቶምን+ ኣዕንዉ፣ ኵሉ እቲ ዜምልኹሉ በረኽትታት ድማ ኣፍርሱ።+ 53   ኣነ ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ብርግጽ ክህበኩም እየ እሞ፡ ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 54  ነታ ምድሪ ኣብ መንጎ ዓሌታትኩም ብዕጫ ተማቒልኩም+ ተረስተይዋ። ነቶም ብዙሓት፡ ርስቲ ኣግፍሑሎም፣ ነቶም ሒደት ከኣ፡ ርስቲ ኣንእሱሎም።+ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጫኡ ዝበጽሓቶ ይረስተ። በብነገዳት ኣቦታትኩም ተረስተዩ።+ 55  “‘ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጒጕኩምዎም ግና፡+ እቶም ዘትረፍኩምዎም ኣብ ኣዒንትኹም ከም መሳቐዪ፡ ኣብ ጐድንኹም ከኣ ከም እሾዅ ኪዀኑኹም እዮም፣ ኣብታ እትቕመጡላ ምድሪ ድማ ኬጨንቑኹም እዮም።+ 56  ኣነ ኸኣ ከምቲ ንዓታቶም ክገብሮም ዝሓሰብኩ፡ ንዓኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብልዕልቲ ኢድ።”