ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 32:1-42

ትሕዝቶ

  • ሰፈራት ብምብራቕ ዮርዳኖስ (1-42)

32  ደቂ ሮቤልን+ ደቂ ጋድን+ ድማ ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦም፣ ምድሪ ያዕዜርን+ ምድሪ ጊልዓድን ከኣ ንማል ዚኸውን ጽቡቕ ቦታ ኸም ዝዀነ ረኣዩ።  ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ቀሪቦም ከምዚ በሉ፦  “ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራን ሔስቦንን+ ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን+ ቤዖንን፡+  እዛ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤል ዝሰዓራ ምድሪ፡+ ንማል እትኸውን ጽብቕቲ ምድሪ እያ፣ ገላዉኻ ኸኣ ብዙሓት ማል ኣለዋና።”+  ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺብናስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንገላዉኻ ርስቲ ጌርካ ትወሃብ። ንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና” በሉ።  ሙሴ ድማ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብዚ ተቐሚጥኩም ከለኹምዶ፡ ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ኪኸዱ እዮም፧  ስለምንታይ ንህዝቢ እስራኤል ናብታ የሆዋ ዚህቦም ምድሪ ኸይሳገሩ ተስፋ እተቝርጽዎም፧  ንኣቦታትኩም ነታ ምድሪ ኺርእዩ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ እዮም ገይሮም።+  ናብ ስንጭሮ* ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ረኣይዋ፡+ ንህዝቢ እስራኤል ናብታ የሆዋ ዚህቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኣቝረጽዎም።+ 10  በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓ የሆዋ ነደደ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ መሓለ፦+ 11  ‘እቶም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ኻብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት፡ ብምሉእ ልቦም ስለ ዘይሰዓቡኒ፡ ነታ ኣነ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም+ ምድሪ ኣይኪርእይዋን እዮም፣+ 12  ብዘይካ እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዝሰዓብዎ ካሌብ+ ወዲ የፉነ እቲ ቄኒዛውን እያሱ+ ወዲ ነዌን፡ ካልኦት ኣይኪርእይዋን እዮም።’+ 13  ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ዚገብር ዝነበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእ ድማ፡+ 40 ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኣበሎም።+ 14  ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል እተበርትዑ ዘርኢ ሓጥኣን ሰባት ኴንኩም ኣብ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሲእኩም ኣለኹም። 15  ካብ ምስዓቡ እንተ ተመሊስኩም፡ ንሱ እውን ብርግጽ መሊሱ ኣብ በረኻ ኺሓድጎም እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ድማ ጥፍኣት ከተምጽኡ ኢኹም።” 16  ንሳቶም ከኣ ጸኒሖም ናብኡ ቐሪቦም ከምዚ በሉ፦ “ኣብዚ ንማልና ደምበታት፡ ንቘልዑና ድማ ከተማታት ንስራሕ። 17  ንሕና ግና ናብ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም፡ ንውግእ ድሉዋት ኴንና፡+ ቀቅድሚ እስራኤላውያን ንኺድ። ቈልዑና ኸኣ ካብ ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ዚመጽእ ሓደጋ ዕቝባ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ እተዓርዳ ኸተማታት ይቀመጡ። 18  ነፍሲ ወከፍ ካብ እስራኤላውያን ረርስቱ ኽሳዕ ዚርስተ፡ ናብ ኣባይትና ኣይክንምለስን ኢና።+ 19  ርስትና ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ስለ እተቐበልና፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ኣብ ክንዮኡን ምሳታቶም ኣይክንርስተን ኢና።”+ 20  ሙሴ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዚ ነገር እዚ እንተ ጌርኩም፡ ማለት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ኣልዒልኩም፡+ 21  ጸላእቱ ኻብ ቅድሚኡ ኺሰጕጎም ከሎ፡ ኵላትኩም ኣጽዋር ኣልዒልኩም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊርኩም፡+ 22  እታ ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ እትግዛእ ከምኡ እንተ ጌርኩም፡+ ድሕሪኡ ኽትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋን እስራኤልን ድማ ብዘይ በደል ትዀኑ። ሽዑ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርስትኹም ክትከውን እያ።+ 23  እዚ እንተ ዘይጌርኩም ግና፡ ንየሆዋ ኽትብድልዎ ኢኹም። ሓጢኣትኩም ከም ዜርክበኩም ድማ ፍለጡ። 24  ንቘልዑኹም ከተማታት፡ ንመጓሰኹም ከኣ ደምበታት ስርሑ፣+ እቲ ቓል ዝኣቶኹምዎ ድማ ግበርዎ።” 25  ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ከኣ ንሙሴ ኸምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝኣዘዞ ኺገብሩ እዮም። 26  ቈልዑናን ኣንስትናን ማልናን ኵሉ እንስሳታት ዘቤትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልዓድ ይኹኑ፣+ 27  ገላዉኻ ግና፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ንውግእ እተዓጥቁ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዋግኡ ኺሳገሩ እዮም።”+ 28  ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን ንርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ። 29  ሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ኵላቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ተዓጢቖም ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮም፡ እታ ምድሪ ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዚኣ፡ ሽዑ ምድሪ ጊልዓድ ርስቲ ጌርኩም ሃብዎም።+ 30  ኣጽዋር ኣልዒሎም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳጊሮም ግና፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ መንጎኹም ይስፈሩ።” 31  ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ የሆዋ ንገላዉኻ ዝበሎም፡ ከምኡ ኽንገብር ኢና። 32  ኣጽዋር ኣልዒልና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ምድሪ ከነኣን ክንሳገር ኢና፣+ እቲ እንወርሶ ርስቲ ግና ኣብዚ ኣብ ክነጀው ሸነኽ ዮርዳኖስ ይኹነልና።” 33  ሙሴ ኸኣ ንዓታቶም፡—ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን+ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ+ ወዲ ዮሴፍን፡—መንግስቲ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ+ ንጉስ ባሳን፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ዘላ ምድሪ እተን ከተማታት፡ ኣብ ዙርያ እታ ምድሪ ዘለዋ ኸተማታት ሃቦም። 34  ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን+ ዓጣሮትን+ ዓሮዔርን+ 35  ዓጥሮት-ሾፋንን ያዕዜርን+ ዮግበሃን+ 36  ቤት-ኒምራን+ ቤት-ሃራንን+ ዚብሃላ እተዓርዳ ኸተማታትን ንመጓሰኦም ዚኸውን ደምበታትን ሰርሑ።* 37  ደቂ ሮቤል ከኣ ሔስቦንን+ ኤልዓለን+ ቂርያታዪምን+ 38  ኔቦን+ በዓል-ሜዖንን፡+—ስማተን እተለወጠ፡—ሲብማን ሰርሑ፣ ነተን ዳግም ዝሰርሕወን ከተማታት ድማ ስም ለወጡለን። 39  ደቂ ማኪር+ ወዲ ምናሴ ኸኣ ናብ ጊልዓድ ከይዶም ሓዝዋ፣ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ሰጐጕዎም። 40  ሙሴ ኸኣ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልዓድ ሃቦ፡ ንሱ ድማ ኣብኣ ተቐመጠ።+ 41  ያኢር ወዲ ምናሴ ኸኣ ከይዱ ዓድታት ድንኳናቶም ሓዘ፣ ሓዎት-ያኢር* ኢሉ ድማ ሰመየን።+ 42  ኖባ ኸኣ ከይዱ ንቄናትን ዓድታታን ሓዘ፣ ብስሙ ድማ ኖባ ኢሉ ሰመያ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ዳግም ሰርሑ።”
ትርጉሙ፡ “ዓድታት ድንኳናት ያኢር።”