ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 30:1-16

ትሕዝቶ

  • ሰብ ዚኣትዎ መብጽዓ (1, 2)

  • ኣንስትን ኣዋልድን ዚኣትዋኦ መብጽዓ (3-16)

30  ሙሴ ድማ ንርእስታት+ ነገዳት እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፦  ሰብ ንየሆዋ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡+ ወይ ኪሕረም ብምምብጻዕ ማሕላ እንተ ምሒሉ፡*+ ቃሉ ኣየፍርስ።+ ንዅሉ እቲ ኺገብሮ እተመባጽዖ ይግበሮ።+  “ሰበይቲ ብግዜ ንእስነታ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንየሆዋ እንተ ተመባጺዓ፡ ወይ ክትሕረም እንተ ተመባጺዓ፡  ኣቦኣ ኸኣ ንመብጽዓኣ ወይ ነቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ* እንተ ሰሚዕዎ እሞ፡ እንተ ዘይተቓዊምዋ፡ ኵሉ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ እውን ይቑም።  ኣቦኣ መብጽዓኣ ወይ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ ምስ ሰምዐ እንተ ኸልኪልዋ ግና፡ ኣይቑም። ኣቦኣ ስለ ዝኸልከላ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለላ እዩ።+  “ግናኸ፡ ተመባጺዓ ኸላ ወይ ብታህዋኽ ቃል ብምእታው ገዛእ ርእሳ ኣሲራ ኸላ እንተ ተመርዕያ፡  ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ዘይተቓዊምዋ፡ መብጽዓኣ ወይ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቑም።  ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኪልዋ ግና፡ ነቲ መብጽዓ ወይ ነቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ብታህዋኽ ዝኣተወቶ ቓል ኬፍርሶ ይኽእል እዩ፣+ የሆዋ ኸኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ።  “መበለት ወይ ፍትሕቲ መብጽዓ እንተ ተመባጺዓ ግና፡ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ይቑም። 10  “ግናኸ፡ ሰበይቲ ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ መብጽዓ እንተ ተመባጺዓ፡ ወይ ገዛእ ርእሳ ብምእሳር ክትሕረም እንተ ተመባጺዓ፡ 11  ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፡ እንተ ዘይተቓዊምዋ ወይ እንተ ዘይከልኪልዋ፡ ኵሉ መብጽዓኣ ወይ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቑም። 12  ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ንዅሉ መብጽዓኣ ወይ ነቲ ኽትሕረም ኢላ ብማሕላ ዝኣተወቶ መብጽዓ ፈጺሙ እንተ ኣፍሪስዎ ግና፡ ኣይቑም።+ ሰብኣያ ኣፍሪስዎ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። 13  ብዛዕባ ዅሉ መብጽዓ ወይ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ንርእሰ* ምሕሳም ዚእቶ መብጽዓ ምሕራም፡ ሰብኣያ የቝሞ፡ ወይ ሰብኣያ የፍርሶ። 14  ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ እንተ ዘይተቓዊምዋ ግና፡ ኵሉ መብጽዓኣ ወይ ኵሉ እቲ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቐውም። በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስለ ዘይተቓወማ፡ ኣቚምዎ እዩ። 15  ድሕሪ እታ ዝሰምዓላ መዓልቲ፡ ጸኒሑ እንተ ኣፍሪስዎ ግና፡ ሳዕቤናት በደላ ኺጸውር እዩ።+ 16  “እቲ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ኣቦን ኣብ ቤቱ እትነብር ንእሽቶ ጓሉን፡ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ስርዓታት እዚ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሲሩ።”
ወይ፡ “ነቲ ኽትሕረም ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መብጽዓ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”