ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 3:1-51

ትሕዝቶ

  • ደቂ ኣሮን (1-4)

  • ሌዋውያን ኬገልግሉ ተሓርዩ (5-39)

  • ምብጃው በዅራት (40-51)

3  በታ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና+ እተዛረበላ መዓልቲ፡ መስመር ወለዶ ኣሮንን ሙሴን* እዚ እዩ።  ስማት ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፦ ናዳብ እቲ በዅርን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን+ ኢታማርን።+  ስማት ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት ኪዀኑ እተሸሙ* ቕቡኣት ካህናት እዚ እዩ።+  ግናኸ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይተፈቕደ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞቱ፣ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን+ ኢታማርን+ ግና፡ ምስ ኣቦኦም ኣሮን ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንነገድ ሌዊ+ ኣምጺእካ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣሮን ደው ኣብሎም፣ ንሳቶም ከኣ የገልግልዎ።+  ኣገልግሎት ማሕደር እናገበሩ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ንዕኡን ንዅሉ እቲ ኣኼባን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።  ንዅሉ ኣቕሑ ድንኳን ምርኻብ ይከናኸኑ፡+ ኣገልግሎት ማሕደር እናገበሩ ድማ ንእስራኤላውያን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።+  ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም። ንሳቶም ካብ እስራኤላውያን ንዕኡ እተዋህቡ ውህበት እዮም።+ 10  ንኣሮንን ንደቁን ድማ ሽሞም፣ ንሳቶም ከኣ ክህነቶም ይፈጽሙ።+ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ይቀተል።”+ 11  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12  “እንሆ፡ ኣነ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ* እስራኤላውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ወሲደዮም እየ እሞ፡+ ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። 13  በዅሪ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ።+ በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡+ ኣብ እስራኤል በዅሪ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዓይ ቀዲሰዮ እየ።+ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ።” 14  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና+ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 15  “ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን መዝግቦም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ መዝግቦ።”+ 16  ሙሴ ኸኣ ብትእዛዝ የሆዋ፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ መዝገቦም። 17  ስማት ደቂ ሌዊ እዚ እዩ፦ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+ 18  ስማት ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶም እዚ እዩ፦ ሊብኒን ሺምዒን።+ 19  ደቂ ቀሃት ከኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ዓምራምን ይጽሃርን ኬብሮንን ዑዚኤልን።+ 20  ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ማሕሊን+ ሙሺን።+ ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም። 21  ካብ ጌርሾን፡ ዓሌት ሊብናውያንን+ ዓሌት ሺምዓውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም። 22  ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ እተመዝገቡ ዅሎም ተባዕትዮ ኸኣ፡ 7,500 ነበረ።+ 23  ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ እቲ ማሕደር፡+ ብሸነኽ ምዕራብ ሰፈሩ። 24  ሹም ማይ ቤት ጌርሾናውያን ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ። 25  ደቂ ጌርሾን+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘለዎም ሓላፍነት ከኣ፡ ክንክን እቲ ማሕደርን እቲ ድንኳንን+ መኽደኒኡን+ መጋረዲ*+ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን 26  መኸወሊታት*+ ኣጸድን መጋረዲ*+ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኵሉ እቲ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣገልግሎትን ነበረ። 27  ካብ ቀሃት፡ ዓሌት ዓምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት ቀሃታውያን+ እዮም። 28  ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ኸኣ፡ 8,600 ነበረ። ነቲ መቕደስ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ድማ ነበሮም።+ 29  ዓሌታት ደቂ ቀሃት ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ሰፈሩ።+ 30  ሹም ማይ ቤት ዓሌታት ቀሃታውያን ከኣ፡ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዚኤል እዩ።+ 31  ሓላፍነቶም ከኣ፡ ክንክን ታቦትን+ ሰደቓን+ ቀዋሚ ቐንዴልን+ መሰውኢታትን+ ኣብቲ መቕደስ ዜገልግል ኣቕሑን+ መጋረድን*+ ኵሉ እቲ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣገልግሎትን ነበረ።+ 32  ርእሲ ሹማምንቲ ሌዋውያን ድማ ኣልኣዛር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ነበረ። ንሱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክንክን መቕደስ ሓላፍነት ዝነበሮም፡ ሓላዊ* ነበረ። 33  ካብ መራሪ፡ ዓሌት ማሕላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም።+ 34  ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ እተመዝገቡ ዅሎም ተባዕትዮ፡ 6,200 ነበረ።+ 35  ሹም ማይ ቤት ዓሌታት መራሪ ኸኣ፡ ጹሪኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ብሸነኽ ሰሜን እቲ ማሕደር ሰፈሩ።+ 36  ሓላፍነት ደቂ መራሪ ድማ፡ ሓለዋ* መቓናት ሉሕ+ ማሕደርን ተገዳማቱን+ ኣዕኑዱን+ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን+ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኵሉን+ 37  ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ኣዕኑድን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ ሽኻላቱን ኣግማዱን ነበረ። 38  እቶም ኣብ መንጽር እቲ ማሕደር ብምብራቕ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዚሰፍሩ ኸኣ፡ ሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ መቕደስ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ከም ግዴታኦም ገይሮም ኪከናኸኑ ሓላፍነት ነበሮም። ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ኪቕተል ነበሮ።+ 39  ኵሎም እቶም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ የሆዋ በብዓሌቶም ዝመዝገብዎም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ሌዋውያን፡ 22,000 ነበሩ። 40  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ በዅራት እስራኤላውያን መዝግቦም፡+ ቍጸሮም፡ ስሞም ከኣ ጽሓፍ። 41  ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን፡+ ንእንስሳታት ዘቤት ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እንስሳታት ዘቤት እስራኤላውያን ንዓይ ውሰዶም።+ ኣነ የሆዋ እየ።” 42  ሙሴ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ንዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን መዝገቦ። 43  ቍጽሪ እቶም በብስሞም እተመዝገቡ ኻብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ በዅራት ድማ፡ 22,273 ነበረ። 44  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 45  “ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን፡ ንእንስሳታት ዘቤት ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ እንስሳታት ዘቤቶም ውሰድ፣ ሌዋውያን ከኣ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ። 46  ዋጋ በጃ+ እቶም ሓለፋ ሌዋውያን ዝዀኑ 273 በዅሪ እስራኤላውያን ድማ፡+ 47  ንነፍሲ ወከፍ ብሲቃል መቕደስ* ሓሙሽተ ሲቃል* ውሰድ።+ ሓደ ሲቃል፡ 20 ጌራ* እዩ።+ 48  ዋጋ በጃ እቶም ሓለፋኦም ዝዀኑ ኪኸውን ድማ፡ እቲ ገንዘብ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።” 49  ሙሴ ኸኣ ካብቶም ሕልፊ ዋጋ በጃ ሌዋውያን ዝዀኑ፡ ገንዘብ ዋጋ በጃ ወሰደ። 50  ካብ በዅራት እስራኤላውያን፡ ብሲቃል መቕደስ 1,365 ሲቃል ገንዘብ ወሰደ። 51  ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል* የሆዋ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ገንዘብ ዋጋ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ወለዶ ኣሮንን ሙሴን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዶም እተመልኡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጓና፡” ማለት፡ ካብ ዓሌት ኣሮን ዘይኰነ።
ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ በዅሪ።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃን።”
ወይ፡ “ሓላፊ።”
ወይ፡ “ሓላፍነት።”
ወይ፡ “ጓና።”
ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ጌራ፡ 0.57 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ።”