ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 28:1-31

ትሕዝቶ

  • ስርዓት እተፈላለየ መስዋእቲ (1-31)

    • መዓልታዊ መስዋእቲ (1-8)

    • መስዋእቲ ሰንበት (9, 10)

    • ወርሓዊ መስዋእቲ (11-15)

    • መስዋእቲ ፋስጋ (16-25)

    • መስዋእቲ በዓል ሰሙናት (26-31)

28  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘መስዋእተይ፡ ማለት እንጌራይ፡ ተጠንቂቕኩም ኣቕርቡለይ። ንጥዑም ጨና ዚዀነኒ ብሓዊ ዚግበር መስዋእተይ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ይገበር።’+  “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንየሆዋ እተቕርብዎ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዚ እዩ፦ ነቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ነንመዓልቲ ጥዑያት ክልተ ገንሸል* ዓመት።+  ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ሰውኣዮ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ* ሰውኣዮ፣+  ምስኡ ኸኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ብርብዒ ሂን* ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ ኣቕርብ።+  እዚ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ከረን ሲና ዝቘመ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ፣  ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ መስተ፡ ማለት ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይቕረብ።+ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ንየሆዋ መስዋእቲ መስተ ኪኸውን ኣብቲ መቕደስ ኣፍስሶ።  ጽልግልግ ምስ በለ* ኸኣ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ንግሆ ድማ ምስ መስዋእቲ እኽልን ምስ መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርብ።+  “‘ብመዓልቲ ሰንበት+ ድማ ጥዑያት ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣቕርብ። 10  እዚ ምስቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ መስተኡን ንሰንበት ዚኸውን ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።+ 11  “‘ኣብ መመጀመርታ ወርሒ* ድማ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ጥዑያት ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 12  ነንሓደ ዝራብዕ ድማ፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ ነቲ ሓደ ድዑል ከኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ 13  ነንሓደ ገንሸል ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ዀይኑ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቡ።+ 14  መስዋእቲ መስተኦም ከኣ ንዝራብዕ ፍርቂ ሂን ወይኒ፡+ ንድዑል ሲሶ ሂን፡+ ንገንሸል ከኣ ርብዒ ሂን ይኹን።+ እዚ ኣብ ምሉእ ዓመት ኣብ ወወርሒ ዚቐርብ ወርሓዊ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ። 15  ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ንየሆዋ ይሰዋእ። 16  “‘ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ፋስጋ የሆዋ ይኹን።+ 17  ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ እቲኣ ድማ፡ በዓል ይኹን። ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ።+ 18  ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 19  ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቡ። ጥዑያት እንስሳታት ይኹኑ።+ 20  ምስኡ ኸኣ ብዘይቲ ኻብ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ መስዋእቲ እኽሊ ሰውኡ፣+ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ንድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ይኹን። 21  ነቶም ሸውዓተ ገንሸል፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ሰውእ፣ 22  ንምትዕራቕኩም ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ሰውእ። 23  ብዘይካ እቲ ንናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ናይ ንግሆ ዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ፡ እዚ ሰውኡ። 24  ከምኡ ጌርኩም ኣብ መመዓልቲ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ እንጌራ፡ ማለት ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ሰውኡ። ምስቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ መስተኡን ይሰዋእ። 25  ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 26  “‘ብመዓልቲ በዅሪ ፍረ፡+ ንየሆዋ ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ኸተቕርቡ ኸለኹም፡+ ኣብቲ በዓል ሰሙናትኩም ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 27  ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 28  ንመስዋእቲ እኽሎም ድማ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 29  ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ድማ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ይኹን፣ 30  ንምትዕራቕኩም ከኣ ሓደ ወጠጦ ኣቕርቡ።+ 31  ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን፡ እዚ ሰውኡ። ጥዑያት እንስሳታት ይኹኑ፣+ ምስ መስዋእቲ መስተኦም ድማ ይቕረቡ።

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
ሓደ ሂን፡ 3.67 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 2.2 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዋርሕኩም።”