ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 25:1-18

ትሕዝቶ

  • እስራኤል ብኣዋልድ ሞኣብ ሓጥአ (1-5)

  • ፊንሃስ ስጕምቲ ወሰደ (6-18)

25  እስራኤል ኣብ ሺጢም ተቐሚጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡+ እቲ ህዝቢ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ።+  ንሳተን ከኣ ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ዓደማኦ፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዐ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ።+  እስራኤል ከኣ ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ሓበረ፣+ ቍጥዓ የሆዋ ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ።  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንዅሎም መራሕቲ* እዚ ህዝቢ እዚ ወሲድካ፡ ቀትሪ ምድሪ* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቐሎም” በሎ።  ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡+ “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ዝሓበሩ ሰቡ ይቕተል” በሎም።+  ሽዑሽዑ ግና፡ ሓደ ኻብ እስራኤላውያን፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ እስራኤላውያንን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እናበኸዩ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽአ።+  ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረኣዮ፡ ብኡብኡ ኻብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስአ፡ ኲናት* እውን ኣብ ኢዱ ወሰደ።  ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብቲ ድንኳን ኣትዩ ኸኣ፡ ንኽልቲኦም፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን፡—ንዓኣ ኣብ ረቃቒቶኣ፡—ወግኦም። ሽዑ፡ እቲ ኣብ እስራኤላውያን ዚወርድ ዝነበረ መቕዘፍቲ ደው በለ።+  እቶም በቲ መቕዘፍቲ ዝሞቱ ኸኣ፡ 24,000 ኰኑ።+ 10  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 11  “ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ንዓይ ዚቀናቐን ከቶ ብዘይምጽዋሩ፡ ቍጥዓይ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሊስዎ እዩ።+ ስለቲ ንበይነይ ዝደልዮ ተወፋይነት ኢለ ድማ ንእስራኤላውያን ኣየጽነትክዎምን።+ 12  ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘ንዕኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። 13  ንኣምላኹ ዚቀናቐን ስለ ዘይተጻወረን+ ንእስራኤላውያን ስለ ዘተዓረቖምን፡ እዚ ንዕኡን ንዘርኡ ድማ ብድሕሪኡን ኪዳን ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹን።’”+ 14  ስም እቲ ምስታ ሚድያናዊት እተቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ ነበረ፣ ሹም ማይ ቤት ስምኦናውያን ከኣ ነበረ። 15  ስም እታ እተቐትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ድማ፡ ኩዝቢ ጓል ጹር ነበረ፣+ ንሱ ኸኣ ኣብ ሚድያን መራሒ እንዳታት ማይ ቤት ነበረ።+ 16  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17  “ንሚድያናውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፣+ 18  ከመይሲ፡ ብነገር ጴዖርን+ ብነገር እታ ብዛዕባ ጴዖር መቕዘፍቲ ኣብ ዝወረደላ መዓልቲ+ እተቐትለት ኩዝቢ ሓብቶም ጓል ሹም ሚድያንን፡+ ብተንኰሎም ኣጨኒቖምኹም እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምስ በዓል ጴዖር።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእስታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ጸሓይ።”
ወይ፡ “ምስ በዓል ጴዖር።”
ወይ፡ “ሕላስ።”