ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 24:1-25

ትሕዝቶ

  • ሳልሳይ ምስላ በላዓም (1-11)

  • ራብዓይ ምስላ በላዓም (12-25)

24  በላዓም ድማ ንእስራኤል ምምራቕ፡ ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ* ምስ ረኣየ፡ ገጹ ናብ በረኻ መለሰ እምበር፡ ከም ብሓድሽ ናይ ጥፍኣት ፋል ኪደሊ ኣይከደን።+  በላዓም ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ እስራኤል በብነገዱ ሰፊሩ ምስ ረኣየ፡+ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጸ።+  እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+ “በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡   እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡ ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦+   ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ መሓድርካ ኽንደይ ይጽብቕ!+   ከም ስንጭሮታት፡* ኣብ ገምገም ፈለግ ከም ዘሎ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ የሆዋ ኸም ዝተኸሎ ዓልወታት፡ ኣብ ጥቓ ማይ ከም ዘሎ ቄድሮስ ነዊሕ ይዝርጋሕ።+   ካብ ክልተ መገለሊኡ ማይ ይጅርብብ፡ ዘርኡ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ይዝራእ።+ ንጉሱ+ ኸኣ ካብ ኣጋግ ኪዓቢ እዩ፡+ መንግስቱ እውን ልዕል ክትብል እያ።+   ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፣ ከም ኣቕርንቲ ጐባይ ይዀነሎም። ንኣህዛብ፡ ንጨቈንቱ ኺበልዖም እዩ፡+ ኣዕጽምቶም ኪቝርጥም፡ ብፍላጻታቱ ኺሰባብሮም እዩ።   ከም ኣንበሳ ተዀርምዩን በጥ ኢሉን ኣሎ፣ ከም ኣንበሳኸ፡ መን ደፊሩ የተንስኦ፧ ዚምርቑኻ ምሩቓት፡ ዚረግሙኻ ኸኣ ርጉማት እዮም።”+ 10  ባላቅ ከኣ ብበላዓም ነደረ። ባላቅ ድማ ብባጫ ብኣእዳዉ ኣጣቕዐ እሞ፡ ንበላዓም ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፣+ ንስኻ ግና ሰለስተ ሳዕ ካብ ምምራቕ ሓሊፍካ ሓንቲ ኣይገበርካን። 11  ሕጂ ቐልጢፍካ ናብ ቦታኻ ኺድ። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፣+ እንሆ ግና፡ የሆዋ ኸይትኸብር ከሊኡካ።” 12  በላዓም ከኣ ንባላቅ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነቶም ዝለኣኽካዮም ልኡኻት፡ 13  ‘ባላቅ፡ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እኳ እንተ ዚህበኒ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ሓሊፈ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ካብ ፍቓደይ* ኽገብር ኣይክእልን እየ። እቲ የሆዋ ዚብለኒ ጥራይ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፧+ 14  ሕጂ ኸኣ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ መጻኢ* ንህዝብኻ ዚገብሮ ንዓ ኽነግረካ።” 15  እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+ “በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡+ 16  እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡ ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦ 17  እርእዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ግና ኣይኰነን፣ እጥምቶ ኣለኹ፡ ቀረባ ግና ኣይኰነን። ካብ ያእቆብ ኰዀብ+ ኪወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ዘንጊ+ ኺትንስእ እዩ።+ ግምባር ሞኣብ፡* ቀረንቀራ ዅሎም ደቂ ህውከት ድማ ብርግጽ ኪሰብር እዩ።+ 18  ኤዶም ከኣ ርስቲ ኪኸውን፡+ እወ፡ ሰዒር+ ርስቲ ጸላእቱ ኪኸውን፡+ እስራኤል ከኣ ትብዓቱ ኼርኢ እዩ። 19  ካብ ያእቆብ ዝወጸ ድማ ኪገዝእ፡+ ካብታ ኸተማ ንዝተረፈ ኸኣ ኬጥፍእ እዩ።” 20  ንኣማሌቅ ምስ ረኣዮ፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦ “ኣማሌቅ ካብ ኣህዛብ ቀዳማይ እዩ፣+ ኣብ መወዳእታ ግና፡ ኪጠፍእ እዩ።”+ 21  ንቄናውያን+ ምስ ረኣዮም፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦ “እትቕመጠሉ ጽኑዕ፡ መንበሪኻ ኸኣ ኣብ ከውሒ እተነብረ እዩ። 22  ቃዪን ግና ኪነድድ እዩ። ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካኸ ኽንደይ ኰን ይኸውን፧” 23  ከምዚ ኢሉ ድማ ምስላኡ መሰለ፦ “ወዮ! ኣምላኽ ነዚ ኺገብር ከሎስ፡ መን ብህይወት ኪተርፍ እዩ፧ 24  ካብ ገምገም ኪቲም+ መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንኣሶር ከኣ ኪገፍዕዎ፡+ ንዔበር ድማ ኪገፍዕዎ እዮም። ንሱ እውን ፈጺሙ ኺጠፍእ እዩ።” 25  በላዓም+ ድማ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅ እውን መገዱ ኸደ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ጽቡቕ ከም ዝዀነ።”
ወይ፡ “ርባታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ልበይ።”
ወይ፡ “ኣብ መወዳእታ መዓልትታት።”
ወይ፡ “መታልሕ ሞኣብ።”