ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 23:1-30

ትሕዝቶ

  • ቀዳማይ ምስላ በላዓም (1-12)

  • ካልኣይ ምስላ በላዓም (13-30)

23  በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ሸውዓተ መሰውኢ ስርሓለይ እሞ፡+ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ” በሎ።  ባላቅ ከኣ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ። ባላቅን በላዓምን ድማ ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ።+  በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሓርር መስዋእትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ኸኣ ክኸይድ። ምናልባት የሆዋ ይራኸበኒ ይኸውን። እቲ ዚገልጸለይ ነገር ድማ፡ ክነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ መላጥ ኵርባ ኸኣ ደየበ።  ኣምላኽ ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡+ ንሱ ኸኣ፡ “ሸውዓተ መሰውኢ ሰሪዐ፣ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰዊአ” በሎ።  የሆዋ ኸኣ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ እሞ፡+ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረብ” በሎ።  ንሱ ድማ ተመልሰ፣ ባላቅን ኵሎም መሳፍንቲ ሞኣብን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ደው ኢሎም ረኣየ።  እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+ “ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ካብ ኣራም ኣምጽኣኒ፡+ ካብ ኣኽራን ምብራቕ፦ ‘ንዓ ንያእቆብ ርገመለይ። እወ፡ ንዓ ንእስራኤል ኰንኖ።’+   ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግሞ፧ የሆዋ ንዘይኰነኖኸ ኸመይ ኢለ ክዅንኖ፧+   ካብ ርእሲ ኣኻውሕ እርእዮም ኣለኹ፡ ካብ ኵርባታት ከኣ እጥምቶም ኣለኹ። ህዝቢ ዀይኖም በይኖም ይቕመጡ፣+ ንርእሶም ከኣ ምስ ኣህዛብ ኣይቈጽርዋን።+ 10  ንሓመድ ያእቆብ መን ኪቘጽሮ ይኽእል፧+ ንርብዒ እስራኤልከ መን ይጽብጽቦ፧ ሞት ጻድቃን እሙት፡* መወዳእታይ ከኣ ከም ናታቶም ይኹን።” 11  ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ፧ ንጸላእተይ ክትረግሞም እየ ኣምጺአካ፣ እንሆ ኸኣ፡ ካብ ምምራቕ ሓሊፍካ ሓንቲ ኣይገበርካን” በሎ።+ 12  ንሱ ድማ፡ “እቲ የሆዋ ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ኽዛረብዶ ኣይግብኣንን እዩ፧” ኢሉ መለሰ።+ 13  ባላቅ ከኣ፡ “በጃኻ ኣብኡ ዄንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ሓደ ኽፋሎም ጥራይ ኢኻ ኽትርኢ፡ ኵላቶም ኣይኰንካን ክትርኢ። ኣብኡ ንዓታቶም ርገመለይ” በሎ።+ 14  ናብ መሮር ጾፊም፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፣+ ሸውዓተ መሰውኢ ኸኣ ሰርሐ፣ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ።+ 15  በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሓርር መስዋእትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ኸኣ ንዕኡ ኽራኸቦ ኣብቲ ክኸይድ እየ” በሎ። 16  የሆዋ ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ ኸኣ፡+ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረብ” በሎ። 17  ንሱ ድማ ናብኡ መጸ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ይጽበ ነበረ፡ መሳፍንቲ ሞኣብ እውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ከኣ፡ “የሆዋ እንታይ ኢሉካ፧” ኢሉ ሓተቶ። 18  ንሱ ድማ እዚ ምስላ እዚ መሰለ፦+ “ባላቅ ተንስእ፡ ስማዕ። ኣታ ወዲ ጺጶር ጽን በል። 19  ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን፣+ ሓሳቡ ኸይልውጥ* ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን።+ ነቲ ዚብሎስ ኣይገብሮንዶ፧ ነቲ ዚዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧+ 20  እንሆ፡ ክምርቕ ተኣዚዘ እየ፣ ንሱ ባሪኹ እዩ እሞ፡+ ኣነ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ።+ 21  ኣንጻር ያእቆብ ዚግበር ስሒር ዕሽሽ ኣይብልን፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ዝዀነ ሽግር ኣይፈቅድን። የሆዋ ኣምላኹ ምሳታቶም እዩ፡+ ኣብ መንጎኦም ድማ ከም ንጉስ እልል ይብሃለሉ። 22  ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም።+ ከም ኣቕርንቲ ጐባይ ከኣ ይዀነሎም።+ 23  ኣንጻር ያእቆብሲ ናይ ጥፍኣት ፋል የልቦን፡+ ኣንጻር እስራኤል ከኣ ጥንቍልና የልቦን።+ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፡ ‘ኣምላኽ ዝገበሮ ርኣዩ!’ ይብሃል። 24  ከም ኣንበሳ ዝተንስአ ህዝቢ እንሆ፡ ከም ኣንበሳ ድማ ይልዓል።+ ግዳይ ክሳዕ ዚበልዕ፡ ደም ቅቱላት ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን።” 25  ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “ክትረግሞ ኻብ ዘይከኣልካስ፡ በል ኣይትመርቆ” በሎ። 26  በላዓም ከኣ ንባላቅ፡ “‘እቲ የሆዋ ዚብሎ ዅሉ እየ ዝገብር’ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፧” ኢሉ መለሰሉ።+ 27  ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “በጃኻ ንዓ፡ ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ። ኣብኡ ዄንካ ኽትረግመለይሲ፡ ምናልባት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን” በሎ።+ 28  ባላቅ ከኣ ንበላዓም ናብቲ ናብ የሺሞን* ኣቢሉ ዜማዕዱ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ።+ 29  በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ሸውዓተ መሰውኢ ስርሓለይ፣ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ከኣ ኣዳልወለይ” በሎ።+ 30  ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፣ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙት።”
ወይ፡ “ከይጠዓስ።”
ወይ፡ “ምድረ በዳ፣ በረኻ” ኪኸውን ይኽእል።