ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 19:1-22

ትሕዝቶ

  • ጣላ ላምን ዜንጽህ ማይን (1-22)

19  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦  “ስርዓት እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ሕጊ እዚ እዩ፦ ‘ጕድለት ዘይብላን ኣርዑት ዘይጾረትን ጥዕይቲ ሓምራ* ላም ኬምጽኡልካ፡+ ንእስራኤላውያን ንገሮም።  ንዓኣ፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ፣ ንሱ ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ትተሓረድ።  ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብ ደማ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ናብ ሸነኽ ቕድሚት እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ደማ ብቐጥታ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ።+  እታ ላም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ትንደድ። ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስ ፈርሳ ይንደድ።+  እቲ ኻህን ከኣ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ሃዛብን+ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፡ ናብቲ እታ ላም እትነድደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ።  እቲ ኻህን ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ* እውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕሪኡ ናብ ሰፈር ይእቶ፣ ግናኸ፡ እቲ ኻህን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።  “‘እቲ ነታ ላም ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ* እውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን።  “‘ንጹህ ዝዀነ ሰብ፡ ሓምዅሽቲ እታ ላም ኣኪቡ፡+ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ፣ እዚ ኸኣ ንምድላው ዜንጽህ ማይ ኪኸውን ብኣኼባ እስራኤላውያን ይተሓሎ።+ ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 10  እቲ ሓምዅሽቲ እታ ላም ዝኣከበ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። “‘እዚ ንእስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ 11  ሬሳ* ዝተንከየ ዘበለ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኸውን።+ 12  ንሱ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ በቲ ማይ* ገይሩ ይንጻህ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጺሁ ግና፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣይኪነጽህን እዩ። 13  ናይ ዝዀነ ዝሞተ ሰብ ሬሳ* ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሀ፡ ማሕደር የሆዋ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡+ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ እስራኤል ይመንቈስ።+ እቲ ዜንጽህ ማይ+ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ። ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ይጸንሕ። 14  “‘ሰብ ኣብ ድንኳን ምስ ዚመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፦ ኣብቲ ድንኳን ዚኣቱ ዘበለ ዅሉን ድሮ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ዘበለ ዅሉን፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። 15  ኣብ ልዕሊኡ እተኣስረ መኽደኒ ዘይብሉ ዅሉ ኽፉት ኣቕሓ ርኹስ ይኹን።+ 16  ኣብ መሮር ብሰይፊ እተቐትለ፡ ወይ ሬሳ፡ ወይ ዓጽሚ ሰብ፡ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።+ 17  ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓምዅሽቲ እቲ ዝሓረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፣ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኻብ ፈልፋሊ ማይ የፍስሱሉ። 18  ሓደ ንጹህ ሰብ+ ድማ ሃዛብ+ ይውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣቕሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን* ኣብ ልዕሊ እቲ ዓጽሚ ወይ ቅቱል ወይ ሬሳ ወይ መቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። 19  እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንጸግ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ካብ ሓጢኣት ኬንጽሆ እዩ፣+ ንሱ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ምሸት እውን ኪነጽህ እዩ። 20  “‘ዝረኸሰ እሞ ዘይነጽሀ ሰብ ግና፡ መቕደስ የሆዋ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብቲ ጉባኤ ይመንቈስ።+ እቲ ዜንጽህ ማይ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተነጽጎን፣ ስለዚ፡ ርኹስ እዩ። 21  “‘እዚ ድማ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹነሎም፦ እቲ ነቲ ዜንጽህ ማይ ዚነጽግ+ ክዳውንቱ ይሕጸብ፣ እቲ ነቲ ዜንጽህ ማይ ዚትንኪ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 22  ርኹስ ዝተንከዮ ዘበለ ነገር፡ ርኹስ ይኹን፣ ነቲ ነገር እቲ ዝተንከዮ ሰብ* ከኣ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቀያሕ።”
ቃ.ቃ፡ “ስጋኡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋኡ።”
ወይ፡ “ሬሳ ነፍሲ ሰብ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ብእኡ።”
ወይ፡ “ሬሳ፡ ማለት ነፍሲ ዝሞተ ሰብ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሳትን።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”