ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 17:1-13

ትሕዝቶ

  • ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮን ምልክት ኰነት (1-13)

17  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ካባታቶም ድማ ካብ ሹማምንቲ መማይ ቤት፡ ከካብ ማይ ቤት ሓደ በትሪ፡+ 12 በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ በበትሩ ጽሓፍ።  ነንርእሲ ማይ ቤት ሓሓደ በትሪ ስለ ዝዀነ፡ ስም ኣሮን ኣብ በትሪ ሌዊ ጽሓፍ።  ነቲ ኣባትር ኣብቲ ኣነ ንዓኻትኩም ወትሩ ዝግለጸሉ፡+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንብሮ።+  በትሪ እቲ ኣነ ዝሓረኽዎ ሰብ ድማ ክትጥጥዕ እያ፣+ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምዎ፡ ኣብ ልዕሌኹም እውን ዘጕረምረምዎ ምጕርምራም ከኣ ደው ከብሎ እየ።”+  ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፣ ኵሎም ሹማምንቲ ኸኣ ኣባትር፡ ማለት ነንሹም ማይ ቤት ሓደ በትሪ፡ 12 በትሪ ሃብዎ። በትሪ ኣሮን ከኣ ኣብ መንጎ እተን ኣባትር ነበረት።  ሙሴ ድማ ነቲ ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንበሮ።  ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስክር ምስ ኣተወ፡ እንሆ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሐት፣ ጠጥዕን ዕምባባን ከኣ ኣውጺኣ፡ ብሱል ለውዚ ድማ ፈርያ ነበረት።  ሙሴ ኸኣ ንዅለን ኣባትር ካብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣውጽአን። ንሳቶም ድማ ርእዮም ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ። 10  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “በትሪ ኣሮን+ ንደቂ ዕልወት+ ምልክት ክትኰኖም ምእንቲ ኽትሕሎ፡+ ኣብ ልዕለይ ምጕርምራሞም ድማ መወዳእታ ምእንቲ ኺግበረሉን ምእንቲ ኸይሞቱን፡ ናብ ቅድሚ እቲ ምስክር ምለሳ” በሎ። 11  ሙሴ ኸኣ ብኡብኡ ኸምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ። 12  እስራኤላውያን ድማ ንሙሴ፡ “ሕጂ ሞትና፡ ጠፋእና፡ ኵላትና ጠፋእና! 13  ናብ ማሕደር የሆዋ ዝቐረበ ዘበለ ዅሉ ኺመውት እዩ!+ በዚ ኸምዚዶ ሞይትና ኽንውዳእ ኢና፧” በልዎ።+

እግረ ጽሑፍ