ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 16:1-50

ትሕዝቶ

  • ዕልወት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን (1-19)

  • ፍርዲ ኣብቶም ዓለወኛታት (20-50)

16  ድሕርዚ፡ ቆራሕ+ ወዲ ይጽሃር፡+ ወዲ ቀሃት፡+ ወዲ ሌዊ፡+ ምስ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብን+ ምስ ኦን ወዲ ጰለትን፡ ደቂ ሮቤል፡+ ተንስኡ።  ንሳቶም ምስ 250 እስራኤላውያን ሰብኡት ኣንጻር ሙሴ ተንስኡ፣ እዚኣቶም ድማ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ፡ ካብቲ ጉባኤ እተሓርዩ ስሙያት ሰባት ነበሩ።  ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተኣኪቦም ድማ፡+ “ብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ኵላቶም ቅዱሳት እዮም፡+ የሆዋ ኸኣ ኣብ ማእከሎም እዩ+ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ። ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ጉባኤ የሆዋ ትዕበዩ ኣለኹም፧” በልዎም።  ሙሴ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብገጹ ተደፍአ።  ንቆራሕን ንዅሎም ደገፍቱን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ንግሆ፡ የሆዋ እቲ ናቱ ዝዀነን+ እቲ ቕዱስን እቲ ኪቐርቦ ዚግባእን+ መን ከም ዝዀነ ኼፍልጥ እዩ፣ እቲ ንሱ ዝሓረዮ+ ኸኣ ኪቐርቦ እዩ።  እዚ ግበሩ፦ ቆራሕን ኵሎም ደገፍትኻን+ መትሓዚታት ሓዊ ውሰዱ፡+  ጽባሕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ ሓዊ ግበሩሉ፡ ዕጣን እውን ግበሩሉ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ+ ሰብኣይ፡ ንሱ ቕዱስ እዩ። ኣቱም ደቂ ሌዊ፡+ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ!”  ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ ከምዚ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ በጃኹም ስምዑኒ።  ኣምላኽ እስራኤል ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩም፡+ ኣገልግሎት ማሕደር የሆዋ ክትፍጽሙን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ደው ኢልኩም ከተገልግልዎምን ኢሉ ድማ ክትቀርብዎ ዝፈቐደልኩምሲ ውሒዱኩም ድዩ፧+ 10  ንዓኻን ምሳኻ ድማ ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምሲ፡ ክህነትዶ ድማ ደሊኹም፧+ 11  ስለዚ፡ ንስኻን ኵሎም ደገፍትኻን ኣንጻር የሆዋ ኢኹም እተኣከብኩም። ኣሮንከ ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ፡ ንሱ እንታዋይ እዩ፧”+ 12  ሙሴ ድማ ንዳታንን ንኣቢራምን+ ደቂ ኤልያብ ልኢኹ ጸውዖም፣ ንሳቶም ግና ከምዚ በሉ፦ “ኣይንመጽእን! 13  ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፡ ጸባን መዓርን ካብ እተውሕዝ ምድሪ ዘደየብካናዶ ውሒዱ እዩ፧+ ሕጂ ኸኣ ኣብ ልዕሌናዶ መላኺ ኽትከውን* ትደሊ ኣለኻ፧ 14  ብዝተረፈስ፡ ጸባን መዓርን+ ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኣየእቶኻናን፡ ወይ ርስቲ ግራትን ኣታኽልቲ ወይንን ኣይሃብካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኦምዶ ኸተንቍር ደሊኻ፧ ኣይንመጽእን!” 15  ሙሴ ድማ ኣዝዩ ተቘጢዑ ንየሆዋ፡ “ናብ መስዋእቲ እኽሎም ኣይትጠምት። ካባታቶም ሓደ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩን፣ ካባታቶም እውን ንሓደ እኳ ኣይጐዳእኩን” በሎ።+ 16  ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ንስኻ ምስ ኵሎም ደገፍትኻ፡ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተረኸቡ። 17  ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ ይውሰድ፡ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ፡ ማለት 250 መትሓዝ ሓዊ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርብ፣ ንስኻን ኣሮንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ የቕርብ።” 18  ነፍሲ ወከፎም ድማ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ ወሰደ፣ ሓውን ዕጣንን ድማ ገበሩሉ፣ ምስ ሙሴን ምስ ኣሮንን ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው በሉ። 19  ቆራሕ ንደገፍቱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኪጻረሩ ኢሉ ምስ ኣከቦም፡+ ክብሪ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ተራእየ።+ 20  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 21  “ብቕጽበት ከጽንቶምሲ፡ ካብ መንጎ እዚ ጕጅለ እዚ ተፈለዩ።”+ 22  ሽዑ፡ ንሳቶም ብገጾም ተደፊኦም፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ኣታ ኣምላኽ መንፈስ ኵሉ ሰብ፡*+ ሓጢኣት ሓደ ሰብኣይሲ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እቲ ኣኼባዶ ኬቘጥዓካ እዩ፧” በሉ።+ 23  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24  “ነቲ ኣኼባ፡ ‘ካብ ዙርያ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ርሓቑ!’ ኢልካ ተዛረቦ።”+ 25  ድሕሪኡ፡ ሙሴ ተንሲኡ ናብ ዳታንን ኣቢራምን ከደ፣ እቶም ዓበይቲ እስራኤል+ ከኣ ሰዓብዎ። 26  ነቲ ኣኼባ ድማ፡ “በጃኹም፡ ካብ ድንኳናት እዞም እኩያት ሰባት እዚኦም ርሓቑ፣ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትዅስተሩ ኸኣ ናታቶም ዘበለ ኣይትተንክዩ” ኢሉ ተዛረቦ። 27  ብኡብኡ፡ ንሳቶም ካብ ዙርያ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ረሓቑ፣ ዳታንን ኣቢራምን ከኣ ወጺኦም፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ሕጻናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ። 28  ሙሴ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “እዚ ልበይ ዘንቀዶ* ኸም ዘይኰነ፡ ነዚ ዅሉ ግብሪ እዚ ኽገብር ድማ የሆዋ ኸም ዝለኣኸኒ፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፦ 29  እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ እንተ ሞይቶም፡ መቕጻዕቶም ከኣ ከም መቕጻዕቲ ዅሉ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ የሆዋ ኣይለኣኸንን።+ 30  ግናኸ፡ የሆዋ ዘይተለምደ ነገር እንተ ገይሩ፡ ምድሪ ተኸፊታ* ኸኣ ንዓታቶምን ንዘለዎም ኵሉን እንተ ውሒጣቶም፡ ብህይወቶም ከለዉ ድማ ናብ መቓብር* እንተ ወሪዶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንየሆዋ ኸም ዝነዓቕዎ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።” 31  እዚ ዅሉ ዘረባ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨድደት።+ 32  ምድሪ ኸኣ ተኸፊታ፡* ንዓታቶም ምስ ቤተ ሰቦምን ምስ ናይ ቆራሕ+ ዘበሉ ዅሎምን ምስ ኵሉ ጥሪቶምን ወሓጠቶም። 33  ንሳቶምን ናታቶም ዘበለ ዅሉን ብህይወቶም ከለዉ ናብ መቓብር* ወረዱ፣ ምድሪ ኸኣ ደፈነቶም፣ ካብ ማእከል እቲ ጉባኤ ድማ ጠፍኡ።+ 34  ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ከኣ፡ ብሰንኪ ኣውያቶም፡ “ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ። 35  ካብ የሆዋ ድማ ሓዊ ወጸ፡+ ነቶም ዕጣን ዜቕርቡ ዝነበሩ 250 ሰባት ከኣ በልዖም።+ 36  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 37  “ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እቲ መትሓዚታት ሓዊ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ካብቲ ሓዊ ኼውጽኦ ንገሮ።+ ነቲ ሓዊ ኣርሕቕ ኣቢሉ ፋሕ ኬብሎ እውን ንገሮ። 38  መትሓዚታት ሓዊ እቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ፡* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብምቕራቡ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ መለበጢ እቲ መሰውኢ+ ኪኸውን ረቂቕ ቀጸላ ይግበርዎ። ንእስራኤላውያን ከኣ ምልክት ይኹን።”+ 39  ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ መትሓዚታት ሓዊ ነሓሲ ወሰዶ፡ ንመለበጢ እቲ መሰውኢ ኪኸውን ከኣ ቀጥቀጦ፣ 40  ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ እውን ገበረ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኰነ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኸይቀርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ደገፍቱን ከይከውን፡+ ንእስራኤላውያን መዘከርታ ዀነ።+ 41  ንጽብሒቱ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ “ንስኻትኩም ንህዝቢ የሆዋ ቐቲልኩምዎም” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።+ 42  እቲ ኣኼባ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ምስ ተኣከበ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ግልጽ በሉ፣ እንሆ ድማ፡ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ የሆዋ ኸኣ ተራእየ።+ 43  ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከዱ።+ 44  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 45  “ኣነ ብቕጽበት ከጽንቶም እየ እሞ፡+ ካብ መንጎ እዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ።” ንሳቶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።+ 46  ድሕሪኡ፡ ሙሴ ንኣሮን፡ “ካብ የሆዋ ቝጥዓ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ መትሓዝ ሓዊ ወሲድካ ካብቲ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፡+ ዕጣን እውን ግበረሉ፡ ቀልጢፍካ ናብቲ ኣኼባ ኼድካ ድማ ኣተዓርቆም።+ መዓት ጀሚሩ ኣሎ!” በሎ። 47  ኣሮን ከኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ መትሓዝ ሓዊ ወሲዱ ናብ ማእከል እቲ ጉባኤ ጐየየ፣ እንሆ ድማ እቲ መዓት ኣብቲ ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ። ንሱ ኸኣ ነቲ ዕጣን ኣብቲ መትሓዝ ሓዊ ገይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ኣተዓረቖ። 48  ኣብ መንጎ ምዉታትን ህያዋንን ደው በለ፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ኣቋረጸ። 49  ብዘይካ እቶም ብሰንኪ ቆራሕ ዝሞቱ ድማ፡ እቶም በቲ መቕዘፍቲ ዝሞቱ፡ 14,700 ኰኑ። 50  ኣሮን ናብ ሙሴ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እቲ መቕዘፍቲ ኣቋሪጹ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኽትጕይተት።”
ቃ.ቃ.፡ “መናፍስቲ ዅሉ ስጋ።”
ወይ፡ “እዚ ኻብ ፍቓደይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፋ ኸፊታ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣፋ ኸፊታ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሶም ዝበደሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጓና።”