ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘሁልቍ 10:1-36

ትሕዝቶ

  • መለኸታት ብሩር (1-10)

  • ንቕሎ ኻብ ሲና (11-13)

  • ስርዓት ጕዕዞ (14-28)

  • ሖባብ ንእስራኤል ኪመርሕ ተሓትተ (29-34)

  • ኪነቕሉ ኸለዉ፡ ሙሴ ዚጽልዮ ዝነበረ ጸሎት (35, 36)

10  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንዓኻ ኽልተ መለኸት ግበር፣+ ንብሩር ብሞደሻ ቐጥቂጥካ ስርሓዮ፡ ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ንምንቃልን ከኣ ተጠቐመሉ።  ክልቲኡ ምስ ዚንፋሕ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናባኻ ይተኣከብ።+  ሓደ ጥራይ እንተ ተነፊሑ ኸኣ፡ እቶም ሹማምንቲ፡ እቶም ርእስታት ኣሽሓት እስራኤል፡ ጥራይ ናባኻ ይተኣከቡ።+  “ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ምስ እትነፍሑ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ሰፈራት+ ይንቀል።  ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ካልኣይ ሳዕ ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ደቡብ ዘሎ ሰፈራት+ ይንቀል። ሓዲኦም ኪነቕሉ ኸለዉ፡ በዚ ኸምዚ መለኸት ይንፍሑ።  “እቲ ኣኼባ ምስ ዚጽዋዕ፡ ነቲ መለኸታት ንፍሕዎ፣+ ግናኸ፡ ብተለዋዋጢ ደሃይ ኣይትንፍሕዎ።  ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ ነቲ መለኸታት ይንፍሕዎ፣+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹነልኩም።  “ኣብ ምድርኹም ምስ ዜጨንቐኩም ጨቋኒ ኽትዋግኡ ምስ እትኸዱ፡ በቲ መለኸታት፡ ጻውዒት ውግእ ንፍሑ፣+ የሆዋ ኣምላኽኩም ድማ ኪዝክረኩም እዩ፣ ካብ ጸላእትኹም ከኣ ክትድሕኑ ኢኹም። 10  “ብመዓልቲ ሓጐስኩም፡+ ማለት ብበዓላትኩምን+ ብመጀመርታ ኣዋርሕኩምን፡ ኣብ ልዕሊ ዚሓርር መስዋእትኹምን+ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ሕብረትኩምን+ መለኸታት ንፍሑ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም ከኣ መዘከርታ ኪዀነልኩም እዩ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።”+ 11  ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር+ ምስክር ተላዕለ። 12  እስራኤላውያን ከኣ ከከምቲ መስርዕ ኣነቓቕላኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፣+ እቲ ደበና ድማ ኣብ በረኻ ጳራን ቈመ።+ 13  እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ስዒቦም ንፈለማ ግዜ ዝነቐሉሉ እዋን እዚ ነበረ።+ 14  ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብሰራዊቱ ቐዳማይ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ። 15  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር ነበረ። 16  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን ነበረ። 17  ነቲ ማሕደር ምስ ኣውረድዎ፡+ እቶም ነቲ ማሕደር ዚጾሩ ደቂ ጌርሾንን+ ደቂ መራሪን+ ነቐሉ። 18  ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ሮቤል ከኣ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር ነበረ። 19  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከኣ፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ። 20  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል ነበረ። 21  እቶም ኣቕሑ መቕደስ ዚጾሩ ቀሃታውያን+ ከኣ ነቐሉ። ክሳዕ ዚበጽሑ፡ እቲ ማሕደር ተተኺሉ ኺጸንሖም ነበሮ። 22  ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ከኣ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ። 23  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ኸኣ፡ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር ነበረ። 24  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ድማ፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ ነበረ። 25  ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ዳን ከኣ፡ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኰይኑ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ። 26  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን ነበረ። 27  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ድማ፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን ነበረ። 28  እስራኤላውያንን ሰራዊቶምን ኪነቕሉ ኸለዉ ዚስዕብዎ ስርዓት ኣነቓቕላ እዚ ነበረ።+ 29  ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል*+ እቲ ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ “ንሕና ናብታ የሆዋ፡ ‘ንዓኻትኩም ክህበኩም እየ’+ ዝበለና ቦታ ንብገስ ኣለና። የሆዋ ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ስለ ዘተስፈወ፡+ ምሳና ኺድ እሞ፡+ ጽቡቕ ጌርና ኽንሕዘካ ኢና” በሎ። 30  ንሱ ግና፡ “ኣይከይድን። ናብ ሃገረይን ናብ ኣዝማደይን ደኣ ኽምለስ እየ” በሎ። 31  ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር ትፈልጥ ኢኻ፡ መራሕ መገዲ* ኽትኰነና ድማ ትኽእል ኢኻ እሞ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና። 32  ምሳና እንተ ኼድካ ድማ፡+ ከምቲ የሆዋ ንዓና ዚገብረልና ዘበለ ጽቡቕ፡ ብርግጽ ከምኡ ኽንገብረልካ ኢና።” 33  ካብ ከረን የሆዋ+ ኸኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኺጕዓዙ ጀመሩ፣ ታቦት+ ኪዳን የሆዋ ድማ ዚዓርፉላ ቦታ ኺደልየሎም+ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐቅድሚኦም ተጓዕዘ። 34  ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ኸኣ፡ ደበና የሆዋ+ ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። 35  ታቦት ምስ ዚልዓል፡ ሙሴ፡ “ኦ የሆዋ፡ ተንስእ፡+ ጸላእትኻ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸልኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ። 36  ምስ ዚዓርፍ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ናብቶም ኣእላፋት ኣሽሓት እስራኤል ተመለስ”+ ይብል ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ የትሮ።
ወይ፡ “ዓይኒ።”