ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 9:1-35

ትሕዝቶ

  • ምላሽ እዮብ (1-35)

    • መዋቲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኪማጐት ኣይክእልን (2-4)

    • ‘ኣምላኽ ዘይምርመር ነገራት ይገብር’ (10)

    • ምስ ኣምላኽ ኪማጐት ዚኽእል የልቦን (32)

9  እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “እዚ ኸምኡ ምዃኑስ ብሓቂ እፈልጥ እየ። መዋቲ ሰብ ግና ከመይ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጸድቕ፧+   ምስኡ ኺማጐት* እንተ ደልዩ፡+ ካብ ሽሕ ሕቶታቱስ ሓንቲ እኳ ኺምልሰሉ ኣይክእልን እዩ።   ንሱ ጥበበኛ ዝልቡን ብርቱዕ ዝሓይሉን እዩ።+ ተጻሪርዎስ ከይተጐድአ ዚተርፍ መን እዩ፧+   ንሱ ሓደ እኳ ኸይፈለጠ፡ ኣኽራን የግዕዝ፣* ብቝጥዓኡ እውን ይግልብጦም።   ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፣ ኣዕኑዳ እውን የንቀጥቅጡ።+   ንጸሓይ ከይትበርቕ ይእዝዛ፣ ብርሃን ከዋኽብቲ ድማ ይሓትም፣+   ንሰማያት በይኑ ይዝርግሖ፣+ ኣብ ልዕሊ ልዑል ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ይረግጽ።+   ንሱ ንጭፍራታት ከዋኽብቲ ዓሽን* ከሲልን* ኪማን*+ ንጭፍራታት ከዋኽብቲ ደቡባዊ ሰማይን* ገበሮም፣ 10  ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡+ ኪቝጸር ዘይከኣል ዜደንቕ ነገራት ይገብር።+ 11  ንሱ ብጥቓይ ይሓልፍ፡ ኣነ ድማ ክርእዮ ኣይክእልን፣ ብጥቓይ ከኣ ሓሊፉ ይኸይድ፡ ኣነ ግና ኣየስተውዕሎን። 12  ንሱ እንተ መንጢሉ፡ መን ኪጻረሮ ይኽእል፧ መንከ፡ ‘እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧’ ኪብሎ ይኽእል፧+ 13  ኣምላኽ ንቝጥዓኡ ኣይገትኦን እዩ፣+ ረዳእቲ ረሃብ*+ እኳ ይሰግዱሉ። 14  ኣነ ኽምልሰሉ ኸለኹ ግዳ፡ ምስኡ ንምምጓት ክንደይ ተጠንቂቐ ቓላት ዘይመርጽ! 15  ቅኑዕ እኳ እንተ ዝኸውን፡ ኣይምመለስኩሉን።+ ካብ ፈራድየይ* ምሕረት ጥራይ እየ ኽልምን ዝኽእል። 16  እንተ ዝጽውዖስ፡ ይምልሰለይዶ፧ ድምጸይ ይሰምዕ ኢለ ኣይኣምንን እየ፣ 17  ንሱስ ብህቦብላ ይጭፍልቐኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቝስለይ የብዝሖ ኣሎ።+ 18  ከተንፍስ ኣይሓድገንን፡ ብመሪር ነገራት ድማ የጽግበኒ ኣሎ። 19  ብሓይሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ እዩ ብርቱዕ፣+ ብፍትሒ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ንሱ፡ ‘መን ተሓታቲ ኺገብረኒ* ይኽእል፧’ ይብል። 20  ኣነ ቕኑዕ እንተ ዝኸውን፡ ኣፈይ ምዀነነትኒ፣ ንጽህናይ እኳ እንተ ዝሕሉ፡ በደለኛ* ምገበረኒ ነይሩ። 21  ንጽህናይ እኳ እንተ ዝሕሉ፡ ብዛዕባ ርእሰይ ኣይተኣማመንን እየ፣* ነዛ ህይወተይ እንዕቃ* እየ። 22  ኵሉ ሓደ እዩ፣ ስለዚ እየ፡ ‘ንሱ ንንጹህ ኰነ ንእኩይ የጥፍኦም’ ዝብል ዘለኹ። 23  ደምሳሲ ውሒዝ ብሃንደበት እንተ ቐቲሉ፡ ብቕብጸት ንጹሃት የላግጽ። 24  ምድሪ ኣብ ኢድ እኩይ ተዋሂባ ኣላ፣+ ንሱ ንኣዒንቲ* ፈራዶኣ ይሽፍኖ ኣሎ። ንሱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ደኣ እዩ፧ 25  ሕጂ፡ መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይፈጥና፡+ ጽቡቕ ከይረኣያ ኸኣ ይሃድማ ኣለዋ። 26  ከም ጃልባ ሻምብቆ፡ ናብ ግዳዩ ኸም ዚንቈት ንስሪ ይሓልፋ። 27  ‘መረረተይ ክርስዖ፡ ገጸይ ለዊጠ ኸኣ ክሕጐስ እየ’ እንተ ዝብል፡ 28  ብሰንኪ ዅሉ ስቓየይ ምፈራህኩ፣+ ንስኻ ንጹህ ከም ዘይትገብረኒ ድማ እፈልጥ እየ። 29  በዳሊ* ዀይነ ምተረኸብኩ። ስለዚ፡ ስለምንታይ ንኸንቱ ዝቃለስ፧+ 30  ብማይ ውርጪ እንተ ዝሕጸብ፡ ኣእዳወይ እውን ብሳሙና* እንተ ዘጽሪ፡+ 31  ኣብ ጕድጓድ ምኣለኽካኒ፡ ሽዑ፡ ክዳውንተይ እኳ ምፈንፈነኒ ነይሩ። 32  ከይምልሰሉ፡ ብሓደ ናብ ቤት ፍርዲ ኸይንኸይድሲ፡ ከማይ ሰብ ኣይኰነን።+ 33  ኣብ መንጎና ኺውስን* ዚኽእል፡ ዳኛ ኪዀነና ዚኽእል* የልቦን። 34  ንዓይ ምውቃዕ እንተ ዚሓድግ፡* ብሽበራኡ እውን እንተ ዘየፈራርሃኒ፡+ 35  ሽዑ፡ ከይፈራህኩ ምተዛረብክዎ፣ ብፍርሂ ምዝራብሲ ናተይ ኣይኰነን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንዕኡ ናብ ቤት ፍርዲ ኺወስዶ።”
ወይ፡ “የርሕቕ።”
ጭፍራ ኸዋኽብቲ ዓብዪ ድቢ (ኡርሳ ሜጀር) ኪኸውን ይኽእል።
ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኦርዮን ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ቶረስ (ብዕራይ) ዚርከባ ከዋኽብቲ ፕሊያድስ (ኰዀብ ሸውዓተ) ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ንውሽጣዊ ኽፍልታት ደቡብን።”
ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መማጕትተይ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኪጽውዓኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቄናን።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ኣይፈልጥን እየ።”
ወይ፡ “እኣብያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንገጽ።”
ቃ.ቃ.፡ “እኩይ።”
ወይ፡ “ፖታሽ።”
ወይ፡ “መንጎኛ ኪኸውን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ክልቴና ኢዱ ዜንብር።”
ቃ.ቃ.፡ “በትሩ ኻባይ እንተ ዜልግሰለይ።”