ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 7:1-21

ትሕዝቶ

  • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-21)

    • ህይወት ከም ግዴታዊ ሸቕሊ (1, 2)

    • “ስለምንታይ ኢኻ ዕላማኻ ዝገበርካኒ፧” (20)

7  “ህይወት መዋቲ ሰብሲ ኣብ ምድሪ ኸም ግዴታዊ ሸቕሊ ደይኰነን፧ መዓልትታቱኸ ኸም መዓልትታት ዕሱብ ደይኰናን፧+   ከም ባርያ፡ ጽላል ይናፍቕ፡ ከም ዕሱብ ከኣ ዓስቡ ይጽበ።+   ኣነ ድማ ከምኡ ንኣዋርሕ ከንቱነት ተመዲበ፣ ለይትታት ጸበባ እውን ተቘጺረናለይ።+   በጥ ምስ በልኩ፡ ‘መዓስ እየ ዝትንስእ፧’ እብል።+ ለይቲ ምስ ነውሐ ድማ፡ ክሳዕ ወጋሕታ ብዘይ ዕረፍቲ እገላበጥ።   ስጋይ ብሓሰኻን ብዕንኳር ርስሓትን ተሸፊኑ፣+ ቈርበተይ ብቕራፍን ብምጕልን መሊኡ።+   መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ብዝያዳ ቐልጢፈን ይሓልፋ፣+ ብዘይ ተስፋ ኸኣ ይውድኣ።+   ህይወተይ ንፋስ ምዃኑ ዘክር፣+ ኣዒንተይ እውን መሊሰን ሓጐስ* ኣይኪርእያን እየን።   እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፣ ኣዒንትኻ ኺደልያኒ፡ ግናኸ ኣይክህሉን እየ።+   ከምቲ ተበቲኑ ዚጠፍእ ደበና፡ እቲ ናብ መቓብር* ዚወርድ ከኣ ከምኡ ተመሊሱ ኣይመጽእን።+ 10  ናብ ቤቱ መሊሱ ኣይምለስን፣ ቦታኡ ድማ ደጊም ኣየለልዮን።+ 11  ስለዚ፡ ንኣፈይ ኣይክገትኦን እየ። ብጓሂ መንፈሰይ ክዛረብ፡ ብመሪር ጭንቀይ* ከማርር እየ!+ 12  ሓላዊ እትገብረለይሲ፡ ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ እየ፧ 13  ‘መገምሰስየይ ኬጸናንዓኒ፡ ዓራተይ ከኣ ጸበባይ ኬፍኵሰለይ እዩ’ ምስ ዝብል፡ 14  ሽዑ ብሕልምታት ተሸብረኒ፡ ብራእያት ድማ ተፍርሃኒ፣ 15  ኣነስ* እንተ ተሓነቕኩ እመርጽ፡ እወ፡ ካብዚ ሰብነተይ* እዝስ ሞት እሓሪ።+ 16  ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣+ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ። መዓልትታተይ ከም ትንፋስ እየን እሞ፡ ሕደገኒ።+ 17  ንስኻ እትግደሰሉ፡ ቈላሕታኻ እውን እትገብረሉስ፡* መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧+ 18  ንግሆ ንግሆ እትምርምሮ፡ ኣብ ኵሉ ህሞት ድማ እትፍትኖ ስለምንታይ ኢኻ፧+ 19  ካባይዶ ናብ ካልእ ኣይትጥምትን ኢኻ፧ ጥፍጣፈይ ክሳዕ ዝውሕጥዶ ኣይትሓድገንን ኢኻ፧+ 20  ኣታ ተዓዛቢ ሰብ፡ እንተ ሓጢአስ፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዝጐድኣካ፧+ ስለምንታይ ኢኻ ዕላማኻ ዝገበርካኒ፧ ጾርዶ ዀይነካ እየ፧ 21  ስለምንታይ ኢኻ ኣበሳይ ዘይትሓድገለይ፡ ስሕተተይ እውን ይቕረ ዘይትብለለይ፧ ኣነስ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብ ሓመድ በጥ ክብል እየ፣+ ክትደልየኒ ኢኻ፡ ግናኸ ኣይክህሉን እየ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ጽቡቕ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ብምረት ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ነፍሰይሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዕጽምተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልብኻ እውን ናብኡ እትገብርሲ።”