ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 6:1-30

ትሕዝቶ

  • ምላሽ እዮብ (1-30)

    • ኬማርር ምኽንያት ከም ዘለዎ ገለጸ (2-6)

    • መጸናናዕቱ ጠለምቲ እዮም (15-18)

    • “ቅኑዕ ቃላት ዜሳቒ ኣይኰነን!” (25)

6  እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ወዮ፡ ጓህየይ+ ብምሉኡ እንተ ዚምዘን፡ ምስ መዓተይ እውን ኣብ ሚዛን እንተ ዚግበር!   ሕጅስ ካብ ሑጻ ባሕርታት ይኸብድ እዩ። ስለዚ እዩ ቓላተይ ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ* ዝዀነ።+   ፍላጻታት እቲ ዅሉ ዚኽእልሲ ወጊኡኒ ኣሎ፣ መንፈሰይ ከኣ ሕንዙ ይሰቲ ኣሎ፣+ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሽበራ ኣንጻረይ ተሰሊፉ ኣሎ።   ኣድጊ በረኻ+ ሳዕሪ ረኺቡ ኸሎዶ ይሃልል እዩ፧ ወይስ ብዕራይ ድርቋ ረኺቡ ኸሎዶ ይንቁ እዩ፧   መቐረት ዘይብሉ ምግቢዶ ብዘይ ጨው ይብላዕ እዩ፧ ወይስ ኣብ ጽማቝ ልሕቲትዶ ጣዕሚ ኣሎ እዩ፧   ኣነ* ነዚ ነገር እዚ ምትንካይ ኣብየዮ። ንዓይ ድማ ኣብ ምግበይ ከም ብከላ እዩ።   ኣየ፡ ልማኖይ እንተ ዚምለስ፡ ኣምላኽ ከኣ ከም ትምኒተይ እንተ ዚህበኒ!   ኣምላኽ ኪጭፍልቐኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኺምንቍሰኒ ፍቓዱ እንተ ዚኸውን!+ 10  ሽዑ ምተጸናናዕኩ፣ ንቓል እቲ ቕዱስ ኣይከሓድክዎን እሞ፡+ ብርቱዕ ስቓይ እናሃለወኒ ኽነሱ ብሓጐስ ምተሰራሰርኩ። 11  ንምጽባይዶ ሓይሊ ኣሎኒ እዩ፧+ ኣነ ብህይወት ክነብርሲ፡* ኣብ መወዳእታ እንታይ ዝጽበዮ ኣሎኒ፧ 12  ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ ኸውሒ እዩ፧ ወይስ ስጋይዶ ብነሓሲ እተገብረ እዩ፧ 13  ኵሉ ደገፈይ ካባይ ምስ ረሓቐ፡ ገዛእ ርእሰይ ክሕግዘሉ ዚኽእል መገዲዶ ኣሎ፧ 14  ንብጻዩ ብተኣማንነት ዘየፍቅሮ ዘበለ+ ንፍርሃት እቲ ዅሉ ዚኽእል ይሓድጎ።+ 15  ኣሕዋተይ ከምቲ ዚነጽፍ ማይ ወሓይዝ ክረምቲ፡ ከም ውሒዝ ክረምቲ ጠሊሞምኒ።+ 16  ንሱ ብበረድ ይጽልም፣ ኣብኡ ኸኣ ዚመክኽ ውርጪ ተሓቢኡ ኣሎ። 17  ብግዜኡ ግና ማይ ዘይብሉ ይኸውን፡ ይውዳእ፣ ሙቐት ምስ ኰነ ድማ ይነጽፍ። 18  መገዱ የላግስ፣ ናብ ምድረ በዳ ውሒዙ ኸኣ ይጠፍእ። 19  ቃፍላይ ቴማ+ ይደልይዎ፣ ሳባውያን+ ተጓዓዝቲ ይጽበይዎ። 20  ብጌጋ ተኣሚኖም እዮም እሞ ይሓንኩ፣ ናብኡ መጺኦም ድማ ይሓፍሩ። 21  ንስኻትኩምሲ ኸምኡ ኢኹም ኴንኩምኒ፣+ ናይ መዓተይ ሽበራ ርኢኹምሲ፡ ፈሪህኩም።+ 22  ኣነዶ ‘ሃቡኒ’ ኢለ እየ፧ ወይስ ካብ ሃብትኹም ህያብ ኪውሃበኒዶ ለሚነ እየ፧ 23  ካብ ኢድ ጸላኢ ኸተናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ጨቈንቲ ኸተድሕኑኒዶ* ሓቲተ እየ፧ 24  ምሃሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፣+ ጌጋይ ከኣ ኣረድኡኒ። 25  ቅኑዕ ቃላት ዜሳቒ ኣይኰነን!+ ካብ መግናሕትኹም ግና እንታይ ጥቕሚ ይርከብ፧+ 26  ንቓላተይ ክትገንሑዶ ትሓስቡ ኣለኹም፧ ዘረባ ተስፋ ዝቐበጸ ሰብሲ+ ንፋስ ዚወስዶ እዩ። 27  ንስኻትኩምሲ ንዘኽታም* ዕጫ መውደቕኩምሉ፡+ ንፈታዊኹም እውን ምሸጥኩምዎ!*+ 28  ሕጂ ኸኣ ናባይ እስከ ግልጽ በሉ፣ ኣብ ገጽኩምሲ ኣይሕሱን እየ። 29  እስከ በጃኹም ሕሰቡ፡ ብጌጋ ኣይትፍረዱኒ፣ እወ፡ እስከ ሕሰቡ፡ ጽድቀይ ገና ኣብኡ ኣሎ። 30  ልሳነይ ዓመጻዶ ይዛረብ ኣሎ እዩ፧ ትንሓገይከ ጌጋዶ ኣየስተውዕልን እዩ፧

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናይ ታህዋኽ፡ ናይ ዕሽነት ዘረባ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ህይወተይ (ነፍሰይ) ከናውሕሲ።”
ወይ፡ “ኽትብጀዉኒዶ።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”
ወይ፡ “ምለወጥኩምዎ፡” ማለት፡ ብበደላ።