ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 40:1-24

ትሕዝቶ

  • ካብ የሆዋ ዝቐረበ ተወሳኺ ሕቶታት (1-24)

    • እዮብ ዚብሎ ኸም ዘይብሉ ተኣመነ (3-5)

    • “ንፍትሐይዶ ኣብ ሕቶ ኸተእትዎ ኢኻ፧” (8)

    • ኣምላኽ ብዛዕባ ብርታዐ ብሄሞት ገለጸ (15-24)

40  የሆዋ ንእዮብ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦   “ወቓሲዶ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኪማጐት ይኽእል እዩ፧+ እቲ ንኣምላኽ ኪገንሖ ዚደሊ ይመልስ።”+   እዮብ ከኣ ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦   “እንሆ፡ ኣነ ዘይረብሕ እየ።+ እንታይ ኢለኸ ኽምልሰልካ፧ ኢደይ ኣብ ኣፈይ ኣንቢረ ኣለኹ።+   ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ደጊመ ግና ኣይክምልስን እየ፣ አረ ኽልተ ሳዕ እውን ተዛሪበ ነይረ፡ መሊሰ ግና ሓንቲ ኣይክብልን እየ።”   ሽዑ፡ የሆዋ ንእዮብ ብህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦+   “በጃኻ እስከ፡ ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣ ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ።+   ንፍትሐይዶ ኣብ ሕቶ ኸተእትዎ* ኢኻ፧ ቅኑዕ ክትከውን ኢልካዶኸ ኽትኵንነኒ ኢኻ፧+   ከም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓያል ዝዀነ ቕልጽምዶ ኣሎካ፧+ ከም ድምጹ ጌርካኸ ኸተንጐድጕድዶ ትኽእል ኢኻ፧+ 10  በጃኻ እስከ፡ ብኽብርን ብግርማን ተሰለም፣ መዓርግን ጽባቐን ከኣ ልበስ። 11  ነድሪ ቝጥዓኻ ፈንዎ፣ ንዕቡይ ዘበለ ዅሉ ርኢኻስ ኣዋርዶ። 12  ንዕቡይ ዘበለ ዅሉ ርኢኻስ ትሕት ኣብሎ፣ ንእኩያት ድማ ኣብ ዘለውዎ ርገጾም። 13  ንዅላቶም ኣብ ሓመድ ሕብኣዮም፣ ኣብ ሕቡእ ቦታ ኸኣ እሰሮም።* 14  ሽዑ፡ የማነይቲ ኢድካ ኸተድሕን ከም እትኽእል፡ ኣነ እኳ ኽእመነልካ* እየ። 15  ሕጂ፡ ከምቲ ንዓኻ ዝገበርኩኻ፡ ንዕኡ እውን ዝገበርክዎ ብሄሞት* እንሆ። ንሱ ኸም ብዕራይ ሳዕሪ ይበልዕ። 16  ኣብ ሕቘኡ ዘሎ ብርታዐን ኣብ ጭዋዳታት ከብዱ ዘሎ ሓይልን እሞ ተመልከት። 17  ንጭራኡ ኸም ቄድሮስ የትርሮ፣ ጅማውቲ ሰለፉ ብሓደ እተተትዐ እዩ። 18  ኣዕጽምቱ ሻምብቆታት ነሓሲ፡ መሓውሩ ድማ ከም በትሪ ጥሩግ ሓጺን እዩ። 19  ካብ ግብርታት ኣምላኽ ቀዳማይ ደረጃ* እዩ፣ ፈጣሪኡ ጥራይ እዩ ብሰይፉ ኪቐርቦ ዚኽእል። 20  ኣኽራንሲ ምግቡ የፍርየሉ፣ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እንስሳ ዘገዳም ይጻወት። 21  ኣብ ትሕቲ ኣእዋም ጋባ፡ ኣብ ጽላል ሻምብቆ ዓዘቕቲ በጥ ይብል። 22  ኣእዋም ጋባ የጽልሎ፣ ናይ ስንጭሮ* ኦም ዓራባ ኸኣ ይኸብቦ። 23  ውሒዝ እንተ በርቲዑ፡ ኣይስምብድን። ዮርዳኖስ+ ክሳብ ኣፉ እንተ መልአ እኳ፡ ድምብርጽ ኣይብሎን። 24  እናረኣየ ኺሕዞ፡ ንኣፍንጫኡ ብዓንቃሪቦ* ኼንኵሎ ዚኽእልዶ ኣሎ፧

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኸንቱ ኽትገብሮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጾም እሰር።”
ወይ፡ “ኽንእደካ።”
ጉማረ ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “መጀመርታ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ቃ.ቃ.፡ “መፈንጠራ።”