ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 38:1-41

ትሕዝቶ

  • የሆዋ፡ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ምዃኑ ይምህር (1-41)

    • ‘ምድሪ ኽትፍጠር ከላ፡ ኣበይ ኔርካ፧’ (4-6)

    • ደቂ ኣምላኽ ብናእዳ ጨዲሮም (7)

    • ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮታት ዝቐረበ ሕቶታት (8-32)

    • “ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት” (33)

38  ሽዑ፡ የሆዋ ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦+   “ንምኽረይ ዜጸልምቶ፡ ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዚዛረብ እዚ መን እዩ፧+   በጃኻ እስከ፡ ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣ ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ።   ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸለኹ፡ ኣበይ ኔርካ፧+ ክትርድኦ ትኽእል እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ።   ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ መን እዩ ልክዓ ዝወሰነ፧ ወይ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐ መን እዩ፧   እቲ መቘሚኣ ኣበይ ሰጢሙ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዝሰረተ መን እዩ፧+   ሽዑ፡ ከዋኽብቲ ጽባሕ+ ብሓደ እልል ኢሎም፡ ኵሎም ደቂ ኣምላኽ*+ ድማ ብናእዳ ጨዲሮም።   ባሕሪ ኻብ ከርሲ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ ብመዓጹ ዝዓገቶ መን እዩ፧+   ሽዑ፡ ኣነ ብደበናታት ኣልቢሰዮ፣ ብብርቱዕ ድነ ጠቕሊለዮ፣ 10  ወሰን ከኣ ኣቚመሉ፣ ተገዳምን መዓጹን ድማ ገይረሉ።+ 11  ‘ክሳብ ኣብዚ ምጻእ፣ ካብዚ ግና ኣይትሕለፍ፣ እቲ ዅሩዕ ማዕበላትካ ኣብዚ እዩ ደው ዚብል’ ኢለዮ።+ 12  ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡* ንወጋሕታ ድማ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ፧+ 13  እወ፡ ንወሰናት ምድሪ ምእንቲ ኺሕዞ፡ እኩያት ከኣ ካብኣ ተነጊፎም ምእንቲ ኺወጹስ፡ ከምኡዶ ጌርካ፧+ 14  ንሳ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዘሎ ጭቃ ትልወጥ፣ ገጻ ድማ ከም ናይ ክዳን ጐሊሑ ይርአ። 15  እኩያት ግና ብርሃኖም ይኽልኡ፣ እታ እተላዕለት ቅልጽሞም ከኣ ትስበር። 16  ናብ ምንጭታት ባሕሪ ወሪድካ፡ መዓሙቝ ማያት ድማ መርሚርካዶ ትፈልጥ፧+ 17  ኣፍ ደገታት ሞት+ ተቐሊዑልካዶ ይፈልጥ፧ ኣፍ ደገታት ድቕድቕ ጸልማትከ* ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+ 18  ንግፍሒ ምድሪኸ ተረዲእካዮዶ፧+ ነዚ ዅሉ ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ። 19  ብርሃን ኣበየናይ ኣንፈት እዩ ዚነብር፧+ ቦታ ጸልማትከ ኣበይ እዩ፧ 20  ናብ ዓዱ ኽትወስዶ፡ መገዲ ቤቱ ኸኣ ክትርዳእ ትኽእልዶ፧ 21  ሽዑ ያኢ ተወሊድካ ስለ ዝነበርካ፡ ቍጽሪ ዓመታትካ* ድማ ብዙሕ ስለ ዝዀነስ፡ ነዚ ትፈልጦ ዲኻ፧ 22  ናብ ማዕከን ውርጪ ኣቲኻ፡+ ማዕከን በረድከ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+ 23  ንሱ ንግዜ ጭንቂ፡ ንመዓልቲ ዂናትን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።+ 24  ብርሃን* ካበየናይ ኣንፈት እዩ ዚዝርጋሕ፧ ንፋስ ምብራቕከ ኻበይ እዩ ኣብ ምድሪ ዚነፍስ፧+ 25  ንውሒዝ መትረብ ዝሰንጠቐሉ፡ ነጐዳ ንዘለዎ ደበናኸ መገዲ ዝገበረሉ መን እዩ፧+ 26  በዚ ኸምዚ፡ ሰብ ኣብ ዘይነብረሉ፡ ሰባት ኣብ ዘይብሉ በረኻ ይዘንም፣+ 27  ንዝባደመ ምድረ በዳ የርዊ፣ ሳዕሪ ድማ የብቍል።+ 28  ንዝናምዶ ኣቦ ኣለዎ እዩ፧+ ወይስ ንኣውሊ ዚወልዶ መን እዩ፧+ 29  በረድሲ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ ንኣስሓይታ ሰማይ ዚወልዶኸ መን እዩ፧+ 30  ብእኡ ማያት ከም ብእምኒ ይሽፈን፣ ገጽ መዓሙቝ ማያት እውን ደስኪሉ ይግጎ።+ 31  ንኣግማድ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኪማ* ኽትኣስሮ፡ ወይ ንማእሰር ጭፍራ ኸዋኽብቲ ከሲል* ክትፈትሖዶ ትኽእል፧+ 32  ንጭፍራ ኸዋኽብቲ* ብእዋኑ መሪሕካ ኸተውጽኦ፡ ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ዓሽ* ምስ ደቁ ኽትመርሖዶ ትኽእል፧ 33  ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት ትፈልጦዶ፧+ ንስልጣኑ ኣብ ምድሪ ኸተተግብሮ ትኽእልዶ፧ 34  ብዙሕ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ ንደበናታት ድምጽኻ ኸተልዕለሎም ትኽእልዶ፧+ 35  ንበርቅታት ክትልእኮም ትኽእልዶ፧ መጺኦምከ፡ ‘እነና!’ ይብሉኻዶ፧ 36  ኣብ ውሽጢ ደበናታት* ጥበብ ዘንበረ መን እዩ፧+ ወይ ንተርእዮ ሰማይ* ኣእምሮ ዝሃቦ መን እዩ፧+ 37  ንደበናታት ኪቘጽሮም ጥበበ ዘለዎ መን እዩ፧ ንዓታሩ ሰማይ ዚግልብጦኸ መን እዩ፧+ 38  ሽዑ፡ ሓመድ ተበጽቢጹ ይረግእ፡ ደናኵል ብሓደ ይጣበቕ። 39  ንኣንበሳ፡ ግዳይ ክትሃድነሉ፡ ሸውሃት ሽደናት ኣናብስከ ኸተዕግብዶ ትኽእል፧+ 40  ንሳቶም ኣብ ሰፈሮም ይዅርመዩ፡ ኣብ መሕብኢኦም ከኣ ኣድብዮም በጥ ይብሉ። 41  ጨቓዊት ኳዅ ናብ ኣምላኽ ኬእውዩ ኸለዉ፡ ዚብላዕ ስኢኖም ኰለል ኪብሉ ኸለዉ፡ ንኳዅ ምግቢ ዜዳልወሉ መን እዩ፧+

እግረ ጽሑፍ

ነቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ዜመልክት ቍንቍኛ እብራይስጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታትካ ንንግሆ ኣዚዝካዮ።”
ወይ፡ “ድነ ሞትከ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
ወይ፡ “በርቂ” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ቶረስ (ብዕራይ) ዚርከባ ኸዋኽብቲ ፕሊያድስ (ኰዀብ ሸውዓተ) ኪኸውን ይኽእል።
ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኦርዮን ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ማዛሮት።” እዛ ኣብ 2ነገ 23:5፡ ብብዙሕ ቍጽሪ ሰፊራ ዘላ ቓል ንጭፍራታት ከዋኽብቲ መናዝል ተመልክት።
ጭፍራ ኸዋኽብቲ ዓብዪ ድቢ (ኡርሳ ሜጀር) ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብ ውሽጢ ሰብ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንኣእምሮ” ኪኸውን ይኽእል።